ካርዲናል ቸርኒ ንሰንበት ማያት ባሕሪ፡ መርከብ ፈጺማ ናይ ተነጽሎ ቦታ ክትከውን የብላን! ካርዲናል ቸርኒ ንሰንበት ማያት ባሕሪ፡ መርከብ ፈጺማ ናይ ተነጽሎ ቦታ ክትከውን የብላን! 

ካርዲናል ቸርኒ ንሰንበት ማያት ባሕሪ፡ መርከብ ፈጺማ ናይ ተነጽሎ ቦታ ክትከውን የብላን!

ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ንሰንበት ማያት ባሕሪ 2026 ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ሎሚ ባሕሪ “ብውጥረት፡ ዘይውሕስነት፡ ውግእን ፍርሕን እናተለለየ” ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሎሚ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕረይናታትን ዘጋጥሞም ዝተሓላለኸ ብድሆታት የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓመት መጸ ኣብ ካልኣይ ሰንበት ወርሒ ሓምለ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ሰንበት ማያት ባሕሪ - ንባሕረይናታትን ስድራቤቶምን ንምጽላይ ዝተወፈየት መዓልቲ የኽብራ። ኣብ 2026 መዓልቲ ማያት ባሕሪ ኣብ 12 ሓምለ ዝወድቕ ኮይኑ፡ "ወደባት ተስፋ፡ ቤተክርስትያን ጎኒ ጎኒ ባሕረይናታት" ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝምራሕ ምዃኑ ዝሃበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ንሰንበት ማያት ባሕሪ “ኪኖ ጽዕነትን ንግድን፡ ሰብኣዊ ወጅሂ ባሕሪ” ብዝብል ኣርእስቲ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ኣፍሊጡ።

ካብ ስርሖም ንላዕሊ

ህየንተ ካርዲናል ቸርኒ ኣብ መልእኽቶም ዓለም ከመይ ጌራ ኣብ ባሕርታት፡ ቀላያት፡ ሩባታትን መስመራት ማይን ጽግዕተይና ኮይና ከመይ ከም እትቕጽል ኣጉሊሖም፡ ይኹን እምበር፡ ኣብቶም ብድሕሪ ናይ ባሕሪ ንግዳዊ ንጥፈታት ዘለዉ ወጅህታት፡ ማለት ኣብቶም ስርሖም ምስ መስመራት ማይ ዝተኣሳሰር ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰባት የተኩሩ። ስለዚ ብዙሓት መነባብሮታትን ማሕበረሰባትን ኣባይቲ ስድራን ኣብዞም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እዮም ዝምርኮሱ። ካርዲናል ቸርኒ፡ “ቅልውላው መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ባሕርን ኣብ ምስ ማያት ባሕሪ ኣብ ዝተተሓሓዘ ጉዳያት ዝሰርሑን ክሳብ ክንደይ ከም ዝምርኮስ ንዓለም ዘዘኻኸር እዩ” እንክብሉ ኣጽኒዖም ብምምልካት፡ ስለዚ ድማ እያ ኣብ ሰንበት ማያት ባሕሪ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን “ነዞም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብዝሰርሕዎ ስራሕ ወይ ብዘጓዕዝዎ ኣቑሑት ጥራይ ዘይኰነስ ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ዝተፈጥሩን ዘይግሃስ ክብሪ ዝተዓደሉን ሰብኣውያን ኣካላት ጌራ ትዝክሮም - ቢሎም - ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተይናታት ባሕሪ ወይ ባሕረይና፡ ክርአ፡ ክኽበርን ክንክን ዝግብኦ ዛንታ ኣለዎ” ይብሉ።

ናይ ተነጽሎ ስምዒት

ይኹን እምበር: እቲ “ንነዊሕ እዋን ንህዝብታትን ኣህዛብን ዘራኽብ ባሕሪ: ብውጥረት: ዘይውሕስነት: ውግእ: ከምኡውን ብፍርሒ እናተለለየ ይኸይድ ስለዘሎ: ንሰራሕተይናታት ባሕሪ ገና ዘይርጉጽነት ከም ዘጋጥሞም” ካርዲናል ቸርኒ ኣመልኪቶም። ሰራሕተይናታት መርከብ ነቲ ማይ ዘስዕቦ ሓደጋታት ክገጥምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሳዕቤናት ግጭት እውን የጋጥሞም ኣሎ፡ ማለት ሕጽረት መግቢ፡ ማእሰርትን ፍርሕን። እዚ ለውጢ እዚ፡ ካብ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ዝንጽሎም፡ ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ዝጸንሑሉ ግዜ፡ ከምኡ’ውን ስምዒታዊ ድኻሞም ኣዕብይዎ እዩ . . . ብእደ ጥበብ እውን ከይተረፈ፡ ብዙሓት ዝያዳ ተነጽሎ ይስምዖም ኣሎ፡ ምኽንያቱ “ናይ ደቂ ሰባት ባህርያዊ ምቅርራባት እናነከየ ኸይድ ኣሎ። ሰራሕተይናታት ባሕሪ፡ ዋሕዲ ኣባላት ሰራሕተይናታት የጋጥሞም ኣሎ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝጸንሑ ግዜ እናሓጸረ፡ ቀጻሊ ጸቕጢ የጋጥሞምን ጽኑዕ መደባት ዕዮ ዘለዎም ይኾኑ ኣለዉ። የግዳስ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ​ልዮን መበል 14 ኣብታ ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica Humanitas ዘርእስታ ዓዋዲት መልኽቶም ዘብርህዎ ሰብኣዊ ክብርን ናጽነትን ክዕቀብ ኣለዎ።

ስለዚ: መርከብ “ናይ ጽሞና ተነጽሎ ወይ ሸለልትነትን: ሰባት ጎኒ ንጎኒ ዝነብሩላ ዘመናዊት ባቢሎን፡ አይትረኣኣየሉን ዘይትሰማማዓሉን ቦታ ክትከውን ፈጺማ የብላን” ይብሉ።

ባሕሪ ኣብ ሓደ የራኽበና

ኣብ ባሕሪ ዝነብር ህይወት ግና ኣብነት ናይ ዝተፈላለየ ኣህዛብን ባህልን እምነትን ዘለዎም ሰባት ብሕውነትን ምትሕግጋዝን ምክብባርን ዝነብሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ባሕሪ ንደቂ ሰባት “ቤተይና ኮይኑ ክስምዖም ዝገብርን ክኸውን ኣለዎ። ውቅያኖሳት ንሰባት ኣይፈላልዮምን እንታይ ደኣ ዝራኽቦም ምዃኑን ነዚ መንፍስ እዚ ክምህሮም ከም ዝኽእል ኣጉሊሖም። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንነፍሲ ወከፍ ሰራሕተይና ባሕሪ በይኖም ወይ ዝተረስዑ ከም ዘይኮኑ ንምዝኽኻር ትሰርሕ ኣላ።

ብጀካ እዚ፡ ውቅያኖሳት ናይ ንግዲ መስመራት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ኪከናኸንዎም ብሓላፍነት እተዋህቦም ፍጥረት ኣምላኽ እዮም። ኰይኑ ግና፡ መስመራት ማይ ዓለም ብብከላን ዕንወት ከባብን ምዝመዛን ይሳቐ ኣሎ። ኣስታት 88% ገጽ ባሕሪ ብጎሓፍ ፕላስቲክ ዝተበከለ እዩ። ኣብ 2018 ዳርጋ 90%  ናይቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ቀረብ ዓሳ ተመዝሚዙ ኢዩ።

እዚ ግን ናይ ባሕሪ ህይወት ወይ ናይ ባሕሪ ሰራሕተይናታት ጸገም ጥራይ ኣይኮነን። ከምቲ ካርዲናል ቸርኒ ዘስመሩሉ፡ “ውቅያኖሳት ምስ ዝሳቐዩ፡ ወዲ ሰብ ምስኦም ሓቢሩ ይሳቐ።” ህይወት ባሕሪ ምሕላው፡ ስነ - ምግባራውን ዘላቕን ኣሰራርሓ ምድንፋዕ፡ ክብርን ድሕነትን ሰራሕተይናታት ባሕሪ ምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ንባሕርታትና ናይ ምሕብሓብ መንፈስ ዓለማዊ ተሓታትነት ምምዕባል ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ።

ቤተ ክርስቲያን እውን ካብዚ ሓላፍነት እዚ ርሕቕቲ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። እንታይ ደኣ ቤተ ክርስቲያን ምስ ሰራሕተይናታት ባሕርን ባሕረይናታትን ክትቀርብ ኣለዋ። “ናብ ጃልባ ክትኣቱ: ከተሰንይ፡ ክትሰምዕ: ከተጸናንዕ: ክብሪ ደቂ ሰባት ክትከላኸል: ኣብ መንጎ ህቦብላታት ህይወት ደቂ ሰባት ድማ ርኡይ ምልክት ተስፋን ገዛን ክትከውን እያ ተጸዊዓ። ቤተ ክርስቲያን ነዞም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝተወፈዩ ካህናትን ኣገልግሎትን ኣቢላ ነዚ “ነዊሕ ትውፊት “ሃዋርያዊ ጉስነት ባሕሪ - Opus Apostolatus Maris” ክትቅጽሎ ትኽእል እያ፣ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ “ባሕረይና፣ ገፋፍ ዓሳ፣ ብሃብቲ ማያት ተመሓደርቲ፣ ሰራሕተይና መራኽብ ውሽጢ ሃገር ድማ ከም ዝዝከሩን ዋጋ ከም ዝወሃቦምን በይኖም ከም ዘይኮኑን” ኣብ ምዝኽኻር ዘተኮረ እዩ” እንክብሉ ካርዲናል ቸርኒ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ይዛዝሙ።

25 Jun 2026, 16:53