ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ጉዳይ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝከታተል ሽማግለ ቫቲካን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ኣብ ሞንጎ ኣብ መጽናዕትን ኣስተንትኖን ኣጠቓቕማን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝተዋፈሩ ዝተፈላለዩ ኣካላት ቅድስቲ መንበር ምውህሃድን ምትሕብባርን ንምዕባይ ዝኣመተ ዝቖመ ሓድሽ ኣካል ማለት ውስጠ ላዕለዎት ኣባይት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝከታተል ኣብ ቀረባ እዋን ዝቖመ ሽማግለ (ICAI) ቀዳማይ ኣኼባ ከም ዘካየደን፡ እዚ ኣብ ህንጻ ቅዱስ ካሊስቶ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፡ ካብ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይን ናይ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል፡ ኩለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ካብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ህይወትን፡ ካብ ስነ-ፍልጠትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ጳጳሳዊ ተቕዋም ዝተዋጽኡ ወከልቲ ዘሳተፈ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡
እቲ ዕላማ ቀጻሊ ተበግሶታት ምክፋል፡ ናይ ሓባር ቀዳምነታት ምልላይ፡ ከምኡ’ውን ንኽብሪ ሰብ፡ ንሓባራዊ ረብሓን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን ዘገልግል ራእይ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምድንፋዕ ዝዓለመ መስርሕ ቀዳሞት ስጉምትታት ምግላጽ ዝብል ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ቀዳማይ ዓመት ንጥፈታት ናይ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ዝከታተል ሽማግለ ንምውህሃድ ብሓላፍነት ዝተዋሃቦ ኮይኑ፡ ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ቸርኒ፡ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣርባዕተ ብፍላይ ኣገደስቲ መዳያት ናይዚ ሕጂ ዘሎ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምዕባለ ኣጉሊሖም፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናህሪ ፍልቀት፡ ኣብ ክብሪ ደቂ ሰባት ዘለዎ ጽልዋ፡ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን ጽላት ዕደ ጥበብን ዝዓቢ ዘሎ ዘተ፡ ከምኡ’ውን ዓዋዲ መልእኽቲ Magnifica Humanitaስ - ግሩም ሰብኣውነት ዘቕርቦ ብርቱዕ ድምጽን ዝብሉ ዘርዚሮም፡ ብፍላይ ነቲ ዓብዪ ኣጋጣሚታት ዝህብ ከምኡውን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስነ-ምግባራዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላውን ኣከባብያውን ሓደጋታትን ብድሆታትን ዘምጽእ ተርእዮ ንምፍታሕ ጥበባዊ መመያ ኣድላዪ ምዃኑ ፍሉይ ቈላሕታ ከም እተገበረሉን እተን ተሳተፍቲ ትካላት ብዛዕባ ስነ-ፍልጠታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስነ-ምግባራውን ትምህርታውን ጽልዋታት እደ ጥበብ እተወፈየ መጽናዕትታትን ተበግሶታትን ብምጥቃስ ብዛዕባ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ንጥፈታተንን ሓሳባቶምን ከም ዘቕረባን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ እቲ ኣኼባ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ስነ-ምግባር ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከምኡውን ብሮማ ዝቐረበ ጻውዒት ስነ-ምግባር ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምዕባለ ዝጀመረ መገዲ ከምኡውን ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ሰላምን ዝገልጽ መልእኽቲ ብምኽንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም 2024 ዘዘኻኸረ ምንብሩ የመላኽቱ።
ምውህሃድ፡ ምቛምን ዘተን ምግባር
ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ግደ እቲ ሓድሽ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዝምልከት ክልተ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ዘድሊ ሰፊሕ ስምምዕ ከም ዝጎለሐን፡ በቲ ሓደ ሸነኽ እቲ ሽማግለ ውሽጣዊ ምትሕብባርን ሓበሬታ ምክፋልን ኣብ ውሽጢ ትካላት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምስትንታንን ኬተባብዕ እንከሎ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ኣብዚ ዓውዲ እዚ እተዘርግሐ ብዙሕ ተበግሶታት ንምስትውዓልን ንምድጋፍን ከም መወከሲ ዀይኑ ኼገልግል ከም ዘለዎ ብምምልካት፡ እቶም ተሳተፍቲ ምስ ምሁራትን ስነ ፍልጠታውን ንግዳዊ ማሕበረሰብን ምስ ጉባኤታት ጳጳሳት ክፉት ዘተ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ብምጒላሕ፡ ኣስተንትኖ ቤተ-ክርስትያ ምስቲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዚርአ ዘሎ ለውጥታት ብቐጻሊ ኺሳተፍ ከም ዘለዎ ድማ ገሊጹ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ሽማግለ ተበግሶታት ንምክፋልን ሓበሬታ ንምዝርጋሕን እተወፈተ ናይ ገዛእ ርእሱ መርበብ ሓበሬታ ምፍጣር ጠቓሚ ምዃኑ ተጋባእያን ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዝቕጽል ስጉምትታት
ቀጻሊ ስጉምትታቱ ብዝምልከት፡ እቲ ሽማግለ በብቑሩብ ክቕጽል ከም ዘለዎ ብምውሳን ቀዳሞት ስጉምትታት ናይቲ ህሉው ተበግሶታት ስእሊ ምቕራብ ብእተፈላለያ ትካላት ኣብ ዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝቐርቭ እተፈልየ ኣርእስትታት ምእካብ ከምኡውን ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝምልከት መምርሒታት ምስራሕ ዘጠቓልል ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከም እተገልጸን፡ ተሳተፍቲ ነቲ ናይ መጀመርታ ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ዝከታተል ሽማግለ ውስጠ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣመስጊኖም፡ ብዛዕባ ተበግሶታት ባህ ዜብል ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ከምኡውን ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ናይ ምክፋል ተመክሮን ጥቕምታት ምትሕብባርን ከም ዚህብ ገሊጾም፡ እቲ ሽማግለ ኣብ መፋርቕ ሓምለ እንደገና ኣኼባ ንኸካይድ ብምውሳን ዕለት 27 ሰነ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ከም ዝዛዘመ ዜና ቫቲካን ይሕብር።