ዘይተሓትመ ስብከታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ብእንግሊዘይና ተዘርጊሑ ዘይተሓትመ ስብከታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ብእንግሊዘይና ተዘርጊሑ 

ዘይተሓትመ ስብከታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ብእንግሊዘይና ተዘርጊሑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ እዋን ር.ሊ.ጳጳስናኦም ድሕሪ ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብፍቓዶም ምልቃቕን ብግሊ ኣብ ዘዕርገዎ ዝነበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘቕረብዎ ስብከታት“ጎይታ ብኢዱ ይሕዘና” ብዝብል ኣርእስቲ እኩብ ሕታም ብቋንቋ እንግሊዘይና ንንባብ ከም ዘብቀዐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓድሽ ናይ እንግሊዘይና ሕታም "ጐይታ ብኢድ ይሕዘና" ብዝብል ኣርእስቲ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ እዋን ር.ሊ.ጳጳስናኦምን ብፍቓዶም ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ምልቃቖምን ብግሊ ኣብ ዘዕርግዎ ዝነበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘቕርብዎም ዘይተሓትመ ስብከታቶም ቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን ንንባብ ከም ዘብቀዐን፣ እዚ ድማ ድምጺ ጆሴፍ ራትዚንገር ከም ሰባኺ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ጓሳን ከም ብሓድሽ ንኽሰምዑ ዘኽእሎም ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ፈለማ ብቤት ሕትመት ቫቲካን "ጎይታ ብኢዱ ይሕዘና - Il Signore ci tiene per mano" ብዝብል ኣርእስቲ ካብ 2005 ክሳዕ 2017 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ወቕትታት ምጽአት ዓቢይ ጾምን ከምኡውን ኣብ በዓል ትንሳኤ እተዋህበ ስብከታት ብቋንቋ ጣልያን ዝተሓትመ ኮይኑ፡ ብሪካርዶ ቦላቲ፣ ሉካ ካሩሶን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲን እተሰናደወት ሊቀ ጳጳሳት ጆርጅ ጋንስዋይን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ግሊ ጸሓፊ ነበር ዝደረስዎ መቕድምን ከምኡውን ብኣቦ መንበር ቫቲካናዊ ማሕበር ጆሴፍ ራትዚንገር - በነዲክት መበል 16 ኣባ ሎምባርዲ መእተዊ ዝሓዘት መጽሓፍ ምዃና ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ብሕቲ መስዋእተ ቅዳሴ፣ ኵለንተናዊ ምስክርነት

እቲ ስብከታት በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ጳጳሳዊ ቤትን ሓሓሊፉ ምስ ኣጋይሽን ዘዕርግዎ ኣብ ዝነበሩ “ናይ ብሕቲ” መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ኮይኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝነበሩሉ እዋንን ድሒሩ ድማ ብፍቓዶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ምስ ሓደጉ ከም ልሂቅ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣብቶም ብግሊ ኣብ ዘዕርግዎ ዝነበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ፡ ገሊኡ ኣብ ቤተ ጸሎት ሓዋርያዊ መንበር እንከለዉን ድሓር እውን ኣብ ልሂቅነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ገዳም እመ ኣምላክ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ ዘዕረግዎ ናይ ግሊ መስዋዕተ ቅዳሴታት ዘስምዕዎ ስብከታት ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ዘቕርብ መጽሓፍ ከም ዝኾነን ብርግጽ ኣብ ናይ ብሕቲ መስዋእተ ቅዳሴ ዝለገስዎ እውን እንተነበረ፡ ንዕምቆትን ትሕትናን በነዲክቶስ መበል 16 ክትርእይ ዝገብር መስኮት ዘርህውን ወትሩ ቅዱስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሓድሽ መንገዲ ናይ ምንባብ ብቕዓቶም ዝገልጽን፣ ንእምነትን ጸሎትን መዓልታዊ ክርስትያናዊ ሕይወትን ብርሃን ዘቕርብ መጽሓፍ እውን ምዃና ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ክርስቶስ ኣብ ማእከል

ገጻት ናይታ መጽሓፍ እውን ጆሴፍ ራትዚንገር ከመይ ጌሮም ኣብ ማእከል እምነቶም ዘይጭበጥ ወይ ደረቕ ምኽንያት ዘይኮነስ ምስ ክርስቶስ ዘለዎም ናይ ግሊ ርክብ ዝምስክር እዩ። ኣብ ስብከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ደጋጊሞም ናብ ምስጢር እቲ ንህዝቡ ዘሰንዮይን ዝድግፍን ብኢዱ ዝሕዞን ጎይታ ይምለሱ። እቲ ኣርእስቲ ንባዕሉ ነዚ ግንዛበ እዚ ዝገልጽ እዩ፡ ክርስትያናዊ ህይወት ብሕታዊ መንገዲ ዘይኮነስ ብህላወን ምሕረትን ኣምላኽ ዝምራሕ ጉዕዞ ምዃኑ ዘረጋግጽ እውን እዩ። እቲ እኩም ኣብ መንጎ ቲዮሎጊያውን መለኮታዊ ዕዮኦምን ኣብ መንጎ ጒስነታዊ ኣገልግሎቶምን ዘሎ ቀጻልነት እውን የጕልሕ። ኣስተንትኖኦም በቲ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ዚልለይሉ ዝነበረ ግሉጽነትን መንፈሳዊ ዕምቈትን ማእክልነት ክርስቶስን ምልኩት እዩ።

25 Jun 2026, 16:52