ቫቲካን፡ ዓለማዊ ሰብ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ስብከት ዘቕርብ ክኸውን ኣይክእልን! ቫቲካን፡ ዓለማዊ ሰብ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ስብከት ዘቕርብ ክኸውን ኣይክእልን! 

ቫቲካን፡ ዓለማዊ ሰብ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ስብከት ዘቕርብ ክኸውን ኣይክእልን!

ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብናይ ጀርመን ጉባኤ ጳጳሳት ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዋላ’ውን ኣብ ፍሉይ ኩነታት ሓደ ዓለማዊ ምእመን ስብከት ክሰብኽ ዝብል ዘቕረብዎ ሕቶ፡ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ቃል ኣምላኽ ምእዋጅ ካብ ተልእኾ ቅዱሳት ማዕርጋት ዘይፍለ እዩ ዝብል ሓሳብ ብዘማእከለ ሰነድ መልሲ ከም ዝሃበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ስርዓተ ቅዳሴ መን ክሰብኽ ከም ዘለዎ ዘነጽር ነቲ ናይ ጀርመን ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ጳጳስ ሃይነር ዊልመር ዕለት 30 መጋቢት2026 ዓ.ም. ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዋላ’ውን ኣብ ፍሉይ ኩነታት ሓደ ዓለማዊ ምእመን ስብከት ክሰብኽ ፍቓድ ክወሃብ ዝሓትት ንዘቕርብዎ ሕቶ ዕለት 17 ሰነ ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ፍልዩ ሰነድ ኣቢሉ ብያነ ከም ዝሃበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቲ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነቲ ሕቶ ዘነቓቕሖ ናይ ጉስነት ስክፍታታት ኣድናቖቱ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ስብከት ንካህን ወይ ዲያቆን ምሕዛእ ግን ካብ ናይ ሊጡርጊያ ባህሪ ዝመንጨወ ጥራይ ስለዝኾነ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ስነ - ስርዓት ብምቕያር ፍቓድ  ክህብ ከም ዘይክእል ደጊሙ ብምርግጋጽ፡ ነቲ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዋላ’ውን ኣብ ፍሉይ ኩነታት ሓደ ዓለማዊ ምእመን ስብከት ክሰብኽ ፍቓድ ክወሃብ ዝብል ጳጳሳት ጀርመን ዘቕረብዎ ሕቶ ከም ዝነጸጎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጽሑፍ እቲ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱስት ምስጢራትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ እቲ ዘይንጸል ክፋል ምስዋዕተ ቅዳሴ ዝኾነ ሊጡርጊያዊ ክፍሊ ንባብ ቅዱስ መጽሓፍ - ዝዀነ ስብከት ምስ ኣዋጅ ወንጌል ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ምዃኑን ነቲ ብቅዱሳት ማዕርጋት ኣቢሎም ንእተሸሙ ኣገልገልቲ እተዋህበ ናይ ምምሃር ዕዮ ከም ዘመልክት ደጊሙ ብምርግጋጽ፡ እቲ ቃል ኣብ ውሽጢ ቅዳሴ ዚግበር ኣዋጅ ካብቲ ብቅዱሳት ማዕርጋት ዝወሃብ ተልእኾ ካብቲ ንቓልን መስዋዕተ ቅዱስ ቁርባንን ዘተኣሳስር ሓድነት ዘይፍለ ምዃኑ የነጽር።

እቲ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ኣብቲ ዘውጸኦ ሰነድ፡ እቲ ስብከት ጉስነታውን መንፈሳውን ኣድማዕነቱ ብምሉእ ምንቲ ክግለጽ እቶም ብቅዱሳት ማዕርጋት ዝተሸሙ ኣገልገልቲ ቀጻሊ ሕንጸት ክረኽቡ ድማ ኣገዳሲ ይኸውን፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እዚ ሕጂ ዘሎ ስነ - ስርዓት ቤተ ክርስቲያን፡ ብመሰረት ሕገ ቀኖናን ግቡእ ባህሪ ናይዞም ዝተፈላለዩ መልክዓት ኣዋጅ ወንጌልን፡ ካብ ስብከትን መስዋዕተ ቅዱስ ቁርባንን ወጻኢ ንዘለዉ ዓለማውያን ምእመናን ብሓላፍነት ክወሃቦም ዝኽእል ብርክት ዝበሉ መልክዓት ኣዋጅ ቃልን ስብከትን ድሮ ዘሎ ምዃኑ ድማ ከም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 Jun 2026, 16:35