ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ናይጀርያ ን50 ዓመታት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ናይጀርያ ን50 ዓመታት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና  (foto © TerzaLoggia - X)

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ናይጀርያ ን50 ዓመታት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍርቂ ዘመን ክልተኣዊ ዝምድና ንምጽንባል ካብ ዕለት 2 ሓምለ ጀሚሮም ኣብ ናይጀሪያ ምብጻሕ የካይዱ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር ኣብታ ልዕሊ 30 ሚልዮን ካቶሊካውያንን ልዕሊ 10,000 ካቶሊካውያን ካህናትን ዝነብሩላ፡ ኣብ ውሽጣዊ ድሕነት ህዝባ ብዙሕ ብድሆታት ዘጋጥማ ዘሎ ፈደራላዊት ረፓብሊክ ናይጀሪያን ሃገረ ቫቲካንን መበል 50 ዓመት ክልተኣዊ ስነ ሜላዊ ዝምድና ንምጽምባል ካብ 2 ሓምለ ጀሚሮም ኣብ ናይጀሪያ ዘካይድዎ ዘለዎ ወግዓዊ ምብጻሕ ዕለት 7 ሓምለ ከም ዝዛዘሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ናይ ፈደራላዊት ረፓብሊክ ናይጀሪያ ርእሰ ብሔር ቦላ ኣሕመድ ቲኑቡ ኣብ ቤተ መግንስቲ ከም እተራከቡን፡ ብጀካይ እዚ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቢያንካ ኦዱሜግዉ ኦጁኩን ኣቦ መንበር ሽማግለ ECOWAS - ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዑመር ሉራይን ከም እተራኸቡን ርእሰ ብሔር ቲኑቡ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ቅድስቲ መንበር ድሕሪ ድሕሪ ዘካየዶ ክሌኣዊ ርክብ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝካየድ ዘተ ቀዳምነት ብምሃብን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ሰላምን ስኒትን ምጽውዋርን ንምስፋን ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ኣመላኺቱ።

መደብ ጉዕዞ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዕለት 5 ሓምለ ኣብ ጋርኪ (ኣቡጃ) ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያን ንግስቲ ናይጀርያ፡ ንመበል 50 ዓመት ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምምስጋን ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ዘጠቓለለ ምንባር ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ናይጀርያ ን50 ዓመታት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና
07 Jul 2026, 15:53