ስቓይ ናይቲ ምፍልላይ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ዘሕዝን መዓልቲ፡ እቶም ክልተ ሰዓብቲ ሌፌቭረ ዝኾኑ ጳጳሳት ደ ጋላሬታን፡ ፌሌይን፡ ነቶም ኣርባዕተ ሓደስቲ ዝተሾሙ ጳጳሳት ኣእዳዎም ምስ ኣንበሩሎም፡ ብኡ ንብኡ ዝመጸ ውግዘት ዘፍልጥ ኣዋጅ ተሓቲሙ ኣሎ። ገለ ወገናት ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ቃላትን ተግባርን "ማኅበር ካህናት ቅዱስ ፒዩስ 10ይ" ዘሎ ግሉጽ ምስሕሓብ ብልክዕ ኣመልኪቶም ኣለዉ።
እቲ ማኅበር ብቃላቱን ብወግዓዊ መግለጺታቱን፡ ንሕጋውነትን ስልጣንን ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም ዝቕበል፡ ከም ዘፍቅሮምን ከም ዝጽልየሎምን ይገልጽ እዩ።
እንተኾነ ግን፡ በተግባሩ — ተግባር ድማ ወትሩ ካብ ቃላት ንላዕሊ ይዛረብ እዩ — ነቲ ብንጹር ዝተገልጸ ድሌቶም፡ ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጥርዓንን፡ ከምኡ እውን ብዘይ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወግዓዊ ፍቓድ ናይ ምፍልላይ ተግባር ዝኾነ ቕብኣተ ጵጵስና ንከይካየድ ዘቕረብዎ ሕቶ፡ ወይ ድማ ብዝያዳ ንጹር ብዝኾነ ኣገባብ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብግልጺ ዝኸልከልዎም ሹመታት ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም።
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ እቲ ማኅበር ስሙ ካብኡ ዝወሰደሉ ቅዱስ ፒዩስ 10ይ ኣብ 1912 ዝተዛረቦ ቃላት የዘኻኽሩ ኣለዉ። ንሶም ከምዚ ኢሎም ነበሩ፦ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብከመይ ክፍቀሩ ኣለዎም? Non verbo neque lingua — ብቓል ወይ ብመልሓስ ጥራይ ዘይኮነስ — sed opere et veritate — ብተግባርን ብሓቅን እዩ ክኸውን ዘለዎ ... ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሎና ፍቕሪ ንምርኣይ፡ ንዕኦም ምእዛዝ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ዘፍቅር፡ ብዛዕባ እቲ ንሶም ዝእዝዝዎ ወይ ዝሓትዎ ነገር፡ ወይ ድማ ክሳብ ክንደይ ምእዛዝ ከም ዘድልዮ፡ ወይ ኣብ ምንታይ ጉዳያት ክእዘዝ ከም ዘለዎ ኣይከራኸርን እዩ።”
ገሊኦም ድማ ነቲ ናይቶም "ዓቓባውያ" ዝበሃሉ ወገናት ዘገርም ምስሕሓብ ይጠቕሱ። ንሶም ነቲ ሥርዓተ-ኣምልኾ ከም ዘይትንከፍ ቅዱስ ነገር እናረኣዩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካቶሊካዊ ሢመት ጳጳሳት ክህሉ ዝግበኦ መሰረታዊ ባእታ፡ ማለት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወግዓዊ ፍቓድ ኣብ ዝሰኣነሉ እዋን ግን፡ ነቲ ሕጽረት ዝትክእ ባዕሎም ዝመሃዝዎ ቀመር ይጥቀሙ።
እቲ ናይ ሓቂ ነጥቢ ግን ኣብ ካልእ ቦታ እዩ ዘሎ ። ምስቲ ቕድሚ ካልእአይ ጉባኤ ቫቲካን ዚግበር ዝነበረ ቅዳሴ — ብጌጋ "ቅዳሴ ላቲን" ተባሂሉ ዚጽዋዕ — ዋላ ሓንቲ ርክብ የብሉን። እቶም ምስዚ ቅዳሴ እዚ እተተሓሓዙ ምእመናን ክሳዕ ሕጂ ምስ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ምሉእ ሕብረት ገይሮም ክቕድስዎ ተፈቒዱሎም እዩ።
እቲ ናይ ሓቂ ወሳኒ ሕቶ ትውፊት እንታይ ምዃኑን፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዛዕባ ትውፊት ዘሎና ርድኢት ብመንፈስ ቅዱስ እናዓበየ መን ክዕቅቦ ከም ዘለዎን ኢዩ።
“ትውፊት” ናብ ናይ ስነ-ሓሳብ ስርዓት እንተ ተቐዪሩ፡ ሰባት ነቲ ብኽልተ ቅዱሳን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተመርሐን፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሰለስተ ሽሕ ጳጳሳት ዝተሳተፉሉን፡ ዳርጋ ብሓደ ድምጺ ዝጸደቐ ሰነዳት ዘውጽአን ጉባኤ ናይ ምፍራድ መሰል እንተ ኣልይዎም፣ ንተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስን፡ ብምሉኣ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን፡ ናይ ሓደ ጕጅለ ስነ-መለኮታዊ ሓሳባት ኪቕበሉን፡ ናይ ባዕሎም ኪገብሩዎን እንተ ሓቲቶም ዓሚቝ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ነገር ኣሎ።
ልዕሊ ዅሉ ግና ካብ ካቶሊካዊ እምነት ኣዝዩ ዝረሓቐ ነገር ኣሎ። ምስጢሩ — ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ስቕለት ዝሞተን፡ ንማኅበር ካህናት ቅዱስ ፕዮስ 10ይ ናብ ምሉእ ሕብረት ንምምላስ ኣበርቲዑ ዝጸዓረን ቪቶሪዮ ሜሶሪ ዝስሙ ዓብዪ ጸሓፊ ዝገለጾ — "ንክልቲኡ" ደኣ እምበር "ንሓዲኡ" ዝበሃል የለን።
ስለዚ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ነቶም ምስ ጥንታዊ ቅዳሴ እተተሓሓዙ ምእመናን ቦታ ኣሎ፣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ናይ ዘተን፡ ንሰነዳት ናይ ንምንባብን፡ ደጊምካ ናይ ምርኣይን፡ ምትርጓምን ቦታ ኣሎ።
ይኹን እምበር ንጳጳስ ንምፍራድን፡ ንዘይምእዛዝን፡ ንሓድነት እታ "ምስጢራዊት ኣካል" ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን ዝጐድእ ዝዀነ ይኹን ተግባራት ምፍጻምን ቦታ የብሉን። ወይ ከኣ ምስቲ ኢየሱስ "ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ ቤተክርስትያነይ ከኣ ኣብዚ ከውሒ እዚ ክሓንጽ እየ" ዝበሎ ብንጹር እተኸልከለ ተመሳሳሊ ሥርዓት ንምፍጣር ቦታ የልቦን።