ምፍልላይ ምስ ለፈቭራውያን ድሕሪ 38 ዓመት መሊሱ ይድገም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብለጋስ ጻዕርታት፡ መዓጹ ክፉታት ኮይኖም፡ ብናይ ምቅርራብ ዕድላት ዝተለለየ ብዙሕ ጸገም ዝመለኦ ታሪኽ። እዚ ብሊቀ ጳጳሳት ማርሴል ለፈቭረ እተመስረተ ማሕበር ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ካብ ቤተ-ክርስትያን ሮማ ካብ ሕብረት ንኽፍለን ብዘይ ር.ሊ.ጳጳሳዊ ይኹንታን ኣንጻር ፍቓድ ካልአ ክርስቶስ ኣብዛ ምድርን ጳጳሳት ብምሻም ምፍልላይ ዘምጽጽኣ ዝፈጸሞ ተግባር ዘሳቒ ታሪኽ ኢዩ። እቲ ዕለት 1 ሓምለ እተፈጸመ ምፍልላይ ንጳጳሳትን ካህናትን ለፈቭርያን ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ምእመናን ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ። ከምቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ ናይ መብርሂ ሰነድ ዝብሎ፡ ካህናት ማሕበር ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ "ብዘይሕጋዊ መገዲ ቅዱሳት ምጢራት ይሰርዑን እቲ ዝጽምብልዎ ምስጢረ ንስሓን ምስጢረ ተክሊልን ድማ ዘይቅቡል” ይኸውን።"
ናይ ለፈቭሪያን ውሳነታት
ኤቁመናዊ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ ዘተኣታተዎ ገለ ገለ ተሓድሶታት ዝቃወም ዝነበረ ፈረንሳዊ ሊቀ ጳጳሳት ማርሴል ለፈቭረ፡ ብዝኾነ ንውሳነ ብዛዕባ ስርዓተ ኣምልኾ ወይ ሊጡርጊያ ዝምልከት ቅዋም (Sacrosantum Concilium) ከምኡ’ውን ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት - ሰብኣዊ ክብሪ (Dignitatis Humanae) ዝምልከት ኣብቲ እዋን ከም ኩሎም ተጋባእያን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምቕባል ክታሞም ከም ዘንበሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሊቀ ጳጳሳት ለፈቭረ ኣብ 1965 እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተኣታተዎ ገና ኣብ ፈተና ዝነበረ ህዳሴ ዘጠቓልል ሊጡርጊያ መሰረት እውን መስዋእተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኣብ 1970 ማሕበር ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ኣብ ኤኮን ኣብ ስዊዘርላንድ ሰበኻ ፍሪቡርግ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ብፍቓድ ናይቲ ሰበኻ ጳጳስ ፍራንስዋ ሻሪየር ምስ መስረተ ብዕሊ እቲ ሓድሽ ናይ ሮማ መጽሓፈ ቅዳሴ ከም ዝነጸጎን ኣብ 1974 ከኣ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ ዋዕላ ዘተኣታተወ ተሓድሶታት "ንቤተ-ክርስትያን ዜጥፍእ ሓድሽ ነገር" እንክብል ብምግላጽ እውን ከም ዝነበጸጎን፡ ነዚ ውሳኔ እዚ እውን
ኣብ ዕለት 21 ሕዳር 1974 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ "ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ድሕሪ እቲ ዋዕላ ብንጹር ኣብ ሮማ እተራእየ ድሕረ - ዘመናውነትን ድሕረ - ፕሮተስታንት እትስዕቦ ዝንባለ ወትሩ ነጺግናዮ ኢና። እዚ ዅሉ ተሓድሶታት ብሓቂ ኣብ ምፍራስ ቤተ - ክርስትያን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ ሕጂውን ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ" ዝብል ሓሳብ እውን ከም ዘስመረሉ ይዝከር።
እቲ ናይ ስዊዘርላንድ ናይ ሰበኻ ፍሪቡርግ ንማሕበር ካህናት ፒዮስ ዓስራይ ሂብዎ ዝነበረ ኣፍልጦ ባዕሉ እቲ ሰበኻ ዘልዓሎ እውን እንተነበረ፡ ቅድስቲ መንበር ግን ምስ ሊቀ ጳጳሳት ለፈቭረ ክትዘራረብ ከም ዝመነረጸትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ስክፍታታቱ ዝሰምዕ ሽማግለ ድማ ኣቚሞም፡ ኣብ 1975 ንሊቀ ጳጳሳት ለፈቭረ ንቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኤኮን ክዓጽዎን ተወሳኺ ማዕርገ ክህነት ከይህብ ከም ዝሓተትዎን፡ ንሊቀ ጳጳሳት ለፈቭረ ሰለስተ ግዜ መልእክቲ ከምኡ እውን እሙናቶም ጳጳሳት ድማ ናብቲ ናይ ለፈቭራውያን - ኣቃባውያን ቀንዲ መንበር ከም ዝለኣኹ ይንገር።
ድሕሪ ካልእ እምቢታ - ድማ ንሊቀ ጳጳሳት ማርሴል ለፈቭረ ካብ መለኮታዊ ኣገልግሎታት - a divinis እጉድ ከም ዝበልዎን። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ነሓሰ ናይታ ዓመት እቲኣ ኣብ ቅድሚ ዓሰርተ ሽሕ ምእመናንን ኣርባዕተ ሚእትን ጋዜጠይናታት ሊቀ ጳጳሳት ለፈቭረ ነቲ ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ውሳኔ ነጺጎም መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን እዚ ድማ ዓቢ ኣቃልቦ ማዕከናት ክረኽቡ ከም ዝገበረ እዩ ዝፍለጥ።
ኣብ ወርሒ መስከረም 1976 ለፈቭረ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ምስ ር.ሊ.ጳ. ከም እተራከቡን እዚ ርክብ እዚ ድማ ብዘይ ውጽኢት ከም ዝተረፈን፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ወርሒ መስከረም 1976 ምስ ፈረንሳዊ ፈላስፋ ዣን ጊተን ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ "ካብ ምፍልላይስ ዝከኣልን ዘይከኣልን ኩሉ" ክገብሩ ንዘቕረበሎም ውሉዳዊ ምሕጽንታ፡ "እዚ ልክዕ ከምቲ ንዓኻ ዝስምዓካ እዩ ዝስምዓኒ። ብርግጽ፡ ብዘይደረት እውን ዝያዳ ካባኻ ንላዕሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ር.ሊ.ጵጵስናይ ድማ ዘጋጠኒ ናይ መጀመርታ ሓቀይና መስቀል እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጹን፡ " . . . ብሓቂ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሓደ ሰብ ነዚ ዘይሓድነታዊ ተግባር ናብ ውግዘት ክቕየር የብሉን ከም ዝበሉን፡ ከም ሓቂ ድማ ውግዘት ኣይተፈጸመን። ኣዋርሕ ዘይኮነስ ሓያሎ ዓመታት ሓሊፉ እዩ፣ ኢድ ተካኢ ጴጥሮስ ኩሉ ግዜ ክፉታት እያተን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
እቲ ብለፈቭረ ዝተኸተመ ዓንቀጸ እመንታዊ ስምምዕ
ድሕሪ ምርጫ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ለፈቭረ ንሮማ ብኻልእ መገዲ ዝጥምታ ይመስል። ዕለት 18 ሕዳር 1978 ሊቀ ጳጳሳት ለፈቭረ ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከም እተራኸቡን፣ ዕለት 8 መጋቢት 1980 ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፡ "ብዛዕባ ሕጋውነትን ቅኑዕነትን ምርጫኹም ዋላ ሓንቲ ጥርጣረ የብለይን" ከምኡውን እቲ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዚፍጸም ሊጡርጊያ - ስርዓተ ቅዳሴ "ንባዕሉ ዘይቅቡል ወይ መናፍቕነት ቢሎም እውን ከም ዘይሓስቦ ኣረጋግጽ፡ እንተወሓደ ብኸፊል ነቲ ዘይምርድዳእ ንምፍዋስን ነቲ ካብ መለኮትዊ ኣገልግሎታት - a divinis እገዳ ንምልዓልን ዝግበር ስምምዕ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ምስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተኻየደ ርክብ ክኡል ይመስል፡ ብልክዕ ድማ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1988 ክኡል ኮይኑ ተራእየ።
ካርዲናል ጆሴፍ ራትዚንገር ናይ ዓነጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ፡ ምስ ጸሓፊ ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት እዚ ሊቀ ጳጳሳት ኣልበርቶ ቦቮነ ብምዃን፡ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ለፈቭረን ተሓባበርቱን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት (11 – 13 ሚያዝያ) ነቲ ከቢድ ክሌኣዊ ዘተ ብውልቆም ኣካይዶሞ፡ እቲ ዝዓበየ ትርጉም ዘለዎ ምትብባዕ ኣብ ዋዜማ ክሌኣዊ ዘተ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ባዕሎም ዝመጸ ድላይ እውን እዩ ነይሩ።
ብትዕግስትን ብልሕን ካርዲናል ራትዚንገር ምስቲ ዓቃባዊ ጳጳስ ናይ ሓባር ሰረተ እምነታዊ ሰነድ ብምኽታም እውን ተዓዊቶም እዮም። እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዕለት 4 ግንቦት 1988 ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተጸኒዑ ምስ ተዛዘመ ንጽባሒቱ ዕለት 5 ግምንቦት ብካርዲናል ራትዚንገርን ሊቀ ጳጳሳት ለፈቭረን ብወግዒ ከም እተኸተመ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኣብቲ ሰነድ እቲ ሊቀ ጳጳሳትን ኣባላት ማሕበር ካህናት ቅዱስ ፒዮስ መበል 10ይን "ኩሉ ግዜ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንሮማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን እሙናት ክኾኑ" ቃል ከም ዝኣተዉን፤ "ኣብ ቁጽሪ 25 ሃምነናዊ ቅዋም ብርሃነ ኣህዛብ - Lumen gentium ጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን ብዛዕባ ዓቕለሲያዊ ስልጣናዊ ትምህርትን ንዕኡ ዝግበኦ ፍቓድን ዝምልከት ትምህርቲ ከም ዝቕበልዎ" ኣዊጆም እዮም፤ ንሳቶም "ምስ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዘካድዎ ርክብ ኣወታዊ ኣተሓሳስባ ክሕዙ፣ ካብ ኩሉ ብዛዕባ ዝተወሰኑ ነጥብታት ብጉባኤ ዝመሃሩ ወይ ብዛዕባ ስዒቡ ዝመጽእ ተሓድሶ ቅዳሴን ሕገ ቀኖናን ካብ ዝምልከት ክትዓት ከም ዝርሕቁ ድማ ቃል ኣትዮም እዮም፡ እዚ ድማ ንዓቃባውያን "ምስ ትውፊት ክትዕረቕ ኣጸጋሚ" እዩ ዝመስል ዝነበረ።
"ብተወሳኺ እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ፡ ብመሰረት እቲ ብጳውሎስ ሻድሻይን ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማውን ብዛዕባ ስርዓተ ኣምልኾ ዘመሓላለፍዎ ኣዋጅ መሰረት ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴን ዝስርዑ ምስጢራትን ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና" ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ ከም ዝኾነን፡ ካብዚ ሓሊፉ እውን ካልኣይ ጕዳያት እውን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ፦ ማሕበረሰብ ካህናት ዝብል ናይ ፒዮስ ዓስራይ ማሕበር ካህናት፡ ማሕበር ሃዋርያዊ ህይወት ኪኸውን ዝሓትት ኮይኑ በዚ ኸምዚ ድማ ምሉእ ርእሰ - ምምሕዳር ኪህልዎ፣ "ብግብራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ምኽንያታት ኣባል ማሕበር ካህናት ፒዮስ ዓስራይ ጳጳስ ኮይኑ ክስየም ጠቓሚ እውን ምዃኑ የመላኽ።"
ነዚ ኩሉ ዝተበጽሐ ስምምዕ ርኢኻ ድማ እቲ ኩሉ ዘይምስምምዕ ዝተሰግረ ይመስል ነይሩ።
ቀዳማይ ናይ ምፍንጫል ተግባር
ሃንደበት ግን ዕለት 6 ግንቦት 1988 ንግሆ እቶም ፈረንሳዊ ጳጳስ ነቲ መኣዲ ዘተ ገልበጦ። ሓሳቡ ቀይሩ ንካርዲናል ራትዚንገር ዕለት 30 ሰነ ሓደስቲ ጳጳሳት ክሰምይ ከም ዝሓስብ ድማ ብውልቂ ሓበሮም።
ሊቀ ጳጳስ ለፈቭረ ዝወሰድዎ ውሳነ፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ካህናት ፒዮስ ዓስራይ ንጵጵስና ብቁዓት ሕጹያት ከምዘይረኸበት ብምእማንን፡ እቲ ሓድሽ ጳጳስ ካብቲ ማሕበር ወጻኢ ከይመጽእ ካብ ዝብል ስግኣት ዝተደፋፍአ ይመስል።
ተወሳኺ ኣኼባ ዕለት 24 ግንቦት ብዘይ ውጽኢት ተዛዘመ፣ ብዕለት 2 ሰነ ድማ ለፈቭረ ንዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዛዕባ እቲ ዝወሰዶ ውሳኔ ክሕብሮም መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈን: ንሱን ሰዓብቱን "ሮማ ናብ ትውፊት ክትምለስ ዝያዳ ምቹእ ህሞት" ክጽበዩ ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ "እታ ብዘመናውነት ዝተለኽፈት ናይ ሎሚ ሮማ ዳግማይ ካቶሊካዊት ሮማ ክትከውን" ክንጽልይ ኢና ዝብል ሓሳብ እውን ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ከም ዘስመሩሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዕለት 29 ሰነ ቅድሚ እቲ ማሕበር ዝኣጆ ስሜተ ጳፓሳት ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ኣቐዲሙ ካርዲናል ራትዚንገር ንሊቀ ጳጳሳት ለፈቭረ "ምእንቲ ፍቕሪ ክርስቶስን ቤተ-ክርስትያኑን ቅዱስ ኣቦና ነቲ ንስኻትኩም ዕለት 30 ሰነ እትፍጽምዎ ኤጲስቆጶሳዊ ሽመት ከይገበርኩም ሎሚ ናብ ሮማ ክትመጹ ብኣባታዊ ግን ከኣ ብጽኑዕ መገዲ ይምሕጸንኹም" ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ለፈቭረ ግን ድሮ ወሲኑ ስለ ዝነበረ ንጽባሒቱ በቲ ብዕድመ ዝደፍአ ብራዚላዊ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ካምፖስ ኣንቶንዮ ደ ካስትሮ ማየር ተሓጊዙ ንኣርባዕተ ካህናት ማሕበረሰብ ክፒዮስ ዓስራይ ማዕርገ ጵጵስና ከም ዝሃበን: ንስቶም ድማ በርናርድ ፌላይ፡ ኣልፎንሶ ደ ጋላረታ፡ ሪቻርድ ዊልያምሰን በርናርድ ቲስየር ደ ማለራይን እያቶም፡
ብዕለት 1 ሓምለ እቶም ማዕርገ ጵጵስና እተቐበሉ ድማ ናይ ምፍልላይ ተግባር ፈጺሞም ብምባልን በዚ ተግባር እዚ ድማ ተፈጻሚ ብያነ ውግዘት - latae sententiae excommunication ዝምልከቶም ይኸውን።
ብ1988 ካርዲናል ራትዚንገር ምስ ባህላውያን ኤኮን ሰረተ-እምነት ስምምዕ እኳ እንተ ፈረመ ኵሉ ነገር ብመሰረቱ ግብራዊ ጕዳያት ምእንቲ ኺጠፍእ ጥራይ እኳ እንተ ፈረመ ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት ኣብ እተገብረ ዘተ ቅድስቲ መንበር ግን ብኣረኣእያ ቀኖናዊ ዝለዓለ መፍትሒ ንምሃብ ፍቓደይና ክትከውን ከላ እቶም ለፈቭሪስት ግን "ግልጽነት ሰረተ-እምነት" ከም ዝጐደለ ይማጐቱ ነበሩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንገለ ኽፋላት እቲ ዋዕላን ገለ ኽፋላት እቲ ድሕሪ ጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን ዝነበረ ስልጣናዊ ትምህርቲ ክሓድጉ ይሓትቱ።
ናይ 2000 ዓ.ም ንግደትን ሕድገታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን
ካህናት ቅዱስ ፒዮስ 10ይ ናይ ዕርቂ ጻዕሪ ኣብ ነሓሰ 2000 ጳጳስ ፌላይ ብኣቦ መንበር ሽማግለ ኣቕለስያ ኣማልክ ካርዲናል ዳሪዮ ካስትሪሎን ሆዮስ ተሰንዮም ንሓያሎ ደቓይቕ ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከም እተራኸቡን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ተመርጹ እውን እቲ ርክባት ከም ዝቐጸለን፣ ንሶም ድማ ኣብ መንጎ ኽልተ ዓመት ብእተወስደ ኽልተ ውሳነታት ንልመና እቶም ዓቃባውያን መልሲ ከም ዝሃቡን፡ ዕለት 7 ሓምለ 2007 ነቲ ናይ 1962 ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ ኣጠቓቕማ ብዘለዎም ፍልዩ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረት ብዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ናጻ ከም ዝገበሩን፣ እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ዝነበረ ፍሉይ ኣገባብ ቅዳሴ ላቲናዊት ቤተ - ክርስትያን ጌርካ እዩ ዚርአ ዝነብረ።
ዕለት 24 ጥሪ 2009 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ኣብ 1988 ብለፈቭረ ብዘይሕጋዊ መገዲ ማለት ብዘይ ፍቓድ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሎዕሊ ዝተሸሙ ኣርባዕተ ጳጳሳት ተመሓላሊፉ ዝነበረ ውግዘት ከም ዘልዓሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
እቲ ዝተመሓላለፈ ውግዘት ንምልዓል ዝተመሓላለፈ ኣዋጅ ንህላወ ንእሽቶ ምፍልላይ ዘሕውየሉን ምስ ማሕበር ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ዘተ ንኽግበር ኣጋጣሚ ዝኸፈተን ብሓደ ወገን ዝግበር ናይ ዕርቂ ተግባር ኢዩ ነይሩ።
እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ውሳነ ምስ ሓደ ካብቶም ካብ ኣቡናት ለፈቭራውያን ሪቻርድ ዊልያምሰን ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ጀርመን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንሓንቲ ሽወደናዊት ፈነወ ሬድዮ ክዛረብ እንከሎ ብዛዕባ ምጽናት ኣይሁድ ኣብ ናይ ናዚ መዳጎን ሰፈር ዝኽሕድ መግለጺታት ብምሃቡ ብዙሕ ጽገም ክፍጠር ከም ዝገበረን
እቲ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ከቢድ ነቐፌታ ከም ዘለዓዓለን፣ ንሶም ድማ እቲ ዝተላዕለ ውግዘት ጳጳሳት ለፈቭራውያን "ምስ ቤተ-ክርስትያን ምሉእ ሕብረት ንምምጻእ ኣድላዪ ዝዀነ ተወሳኺ ስጕምትታት ብምውሳድ ናይ ሓቂ ተኣማንነትን ናይ ሓቂ ተፈላጥነትን ንስልጣን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን" ከርኢ ተስፋ እገብር ከም ዝበሉ ይዝከር።
ናይ 2011 ዓ.ም ናይ ዓንቀጸ እምነት መቕድምን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መዝነትን
ድሕሪ ዓመታት ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ከኣ ኣብ መደምደምታ እቲ ብማሕበር ክህነት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ዝቐረበ ተኸታታሊ ሰረተ-እምነታዊ ዘተ ቅድስቲ መንበር ንለፈቭራውያን ኪፍርሙ ዚሓትት ሓጺር ሰነድ ከም ዘቕረበትን፡ እቲ ጽሑፍ ብመሰረቱ ሰለስተ ነጥብታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ፣ ምስቲ ንዝዀነ ይኹን ናይ ቤተ-ክርስትያን መዝነት ዝቕበል ሰብ ዚሓተቶ "ኑዛዜ ጸሎተ ሃይማኖት" ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ጉባኤ ጳጳሳትን "ዘለዎም ስልጣን ተጠቒሞም ንዘቕርብዎ ትምህርቲ “ድሌትን ኣእምሮን" ከም ዚግዛእ ዜረጋግጽ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ብሃምነናዊ መገዲ እኳ እንተ ዘይተኣወጀ ልክዕ ከምቲ ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ስልጣናዊ ሃይማኖታዊ ሰነዳት ዚርአ።
ሰበስልጣን ቫቲካን ነቲ መቕድም ምፍራም፡ "ኣብ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝርከብ ውልቃዊ መግለጺታት ወይ ቅጥዕታት ሕጋዊ ዘተን መጽናዕትን ስነ መለኮታዊ መግለጺን" መወዳእታ ምግባር ማለት ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ገሊጾም እዮም።
እዚ ፈተነ’ዚ’ውን ፍረ ኣይረኸበን። ፌላይ ነቲ ዝቐረበ ናይ ዓንቀጸ እምነት ጽሑፍ ቅቡል ከምዘይኮነ እዩ ዝኣአጀ። ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት፡ መቕድም ትምህርትታት ንጐድኒ ተገይሩ፡ ቀኖናዊ መፍትሒታት - ከም ሓዋርያዊ ምምሕዳር ወይ ውልቃዊ ሰበኻ ዘይብሉ ናይ ጳጳስ ተልእኾ - ከም እተጸነዐን፡ ሽዑ ዝነበሩ ናይ ለፈብሪያን ሓለቓ ጳጳስ ፌላይ ግን "ማሕበር ክህነት ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ቀኖናዊ ኣፍልጦ ከምዘይደሊ” ከም ዘፍለጡን ኣብ 2016 ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ምሕረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንካህናት ማሕበር ፒዮስ ዓስራይ ኑዛዜ ንኽሰምዑን ንኣመንቲ ብግቡእ ካብ ሓጢኣት ንኽፈትሑን ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዝሃቡን። እዚ ንምእመናን ኣብ ሓድነት ንምሕባር ተባሂሉ እተዳለወ ስጕምትታት ጸኒሑ፡ ብሃዋርያዊ መልእኽቲ ምህረትን ሓሳርን Misericordia et misera ኣቢሎም ኣብ ፍሉይ ቅዱስ ዓመት ብጽኑዕ ዘስመሩሉ እዩ። ኣብ 2009 ናይ ለፈቭርያን ውግዘት እኳ እንተ ተላዕለ ካህናት ለፈቭሪያን ግን ኣብቲ ተራ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ከይኣተዉ ዕዮኦም ቀጸሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በዚ ተግባር እዚ ልዕሊ ዅሉ ብዛዕባ ሰናይ እቶም ንማሕበር ክህነት ዝስዕቡ ምእመናን ብምሕሳብ ናይ ምይይጥን ናይ ጉስነታዊ ዕርቅን ምልክት ክገብሩ ደለዩ።
ሓድሽ ምፍልላይ፡ ዘይሕጋዊ ኑዛዜን ተኽሊልን
ዕለት 2 ለካቲት 2026 ማሕበር ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ዕለት 1 ሓምለ ሓደስቲ ጳጳሳት ክሰምይ ምዃኑ ብወገዒ ምስ ገለጸ፡ ዕለት 12 ለካቲት ላዕለዋይ ሓለቓ ማሕበር ካህናት ፒዮስ ዓስራይ ኣባ ዴቪድ ፓሊያራኒ ኣብ ሮማ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑዌል ፈርናንደዝ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱን እቶም ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ነቶም ለፈቭሪያን "ብፍሉይ ስነ-መለኮታዊ ዘተ ዝገብር መንገዲ፡ ብጽቡቕ ዝተነጸረ ኣገባብ፡ ኣብ ጉዳያት ገና እኹል መብርሂ ኣብ ዘይረኸቡ ኣርእስታት" ሓሳብ ከም ዘቕረቡሎምን እዚ ድማ፡ ምእንቲ "ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምሉእ ርክብ ንምፍጻም ዘድልዩ ዝተሓተ ረቛሒታት"፡ ምስ ቀኖናዊ ፍታሕ፡ "እዚ ዘተ ናይ ምክያድ ተኽእሎ፡ እቲ ማሕበር ካህናት ነቲ ብዛዕባ ምሻን ሓደስቲ ጳጳሳት ዝምልከት ዘለዎ ውሳነ ከም ዘቋርጾ ኣቐዲሙ ግምት ዝሃበ እዩ ነይሩ።"
ነቲ ሓድሽ ናይ ኤጲስቆጶስ ሽመት ከይቅጽል ብተደጋጋሚ ንለፈቭራውያን ጻውዒትን መጠንቀቕታታትን እኳ እንተ ተዋህበ፡ ንዘተ ብተደጋጋሚ ጻውዒት እኳ እንተ ቐረበ፡ እቶም ለፈቭርያውያን ነቲ ተካኢ ጴጥሮስ ብቓላት ተኣዛዝነቶም እኳ እንተ ገለጹ፡ ብተግባር ግን ዋላ ሓንቲ መገዲ ኣይከፈቱን፡ ተካኢ ጴጥሮስ ዘቕረቦ ሕቶ እውን ኣብ ግምት ኣየእተዉን፡ ኣብ ክንዳኡስ መደባቶም ቀጸሉ በዚ ኸምዚ ድማ ሓድሽ ምፍልላይ ወግዓዊ ገበሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 16 ሰነ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ንሓደ ጋዜጠይና ንዘቕረቦ ሕቶ መልሲ ክህቡ እንከለዉ፡ "ርግጽ ኢዩ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ምግምማዕ ኵሉ ሳዕ ዘሳቒ ጕዳይ ኢዩ፡ እንተዀነ ግን ካብ እተፈላለየ ነጥብታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጀሚሮም ንገለ መሰረታዊ ረቛሒታት ቤተ-ክርስትያን ምቕባል ኣይደልዩን ኢዮም። እዚ ምርጫ እዚ እንተ ዀይኑ ይቕረታ እሓትት ግን ንቕድሚት ክንስጕም ኣሎና" ከም ዝበሉ ይዝከር።