SWITZERLAND-FRANCE-RELIGION-POPE-CHRISTIANITY SWITZERLAND-FRANCE-RELIGION-POPE-CHRISTIANITY  (AFP or licensors)

ቅዱስቲ መንበር ኣዋጅ ውግዘት ለፈብራዊ ቅብኣተ ጵጵሳና ኣውጺኣ

ልዑል ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ፣ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዝኸተምዎ ሰነድ፣ ነቲ ብዕለት 1 ሓምለ ዝተኻየደ ቅብኣተ ጵጵስና፣ "ምፍልላይ ዝባህሪኡ ተግባር" ክብሉ ገሊጾምዎ ይርከቡ፣ ብዛዕባ እቲ ዘስዓቦ ኸቢድ ቀኖናዊ ማዕቀናት ውግዘት ዝገልጽ መብርሂ ድም የቕርቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት ክህነታዊ መካነ ሕውነት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ፣ ኣቡነ ኣልፎንሶ ደ ጋላሬታን ኣቡነ በርናርት ፌላይን፣ ቀንዲ ቀባእን ተሃጋጋዚ ቀባእን ብምዃን ዘካየድዎ ሥርዓተ ቅብኣተ ጵጵስናን ከምኡውን እቶም 4 ሓደስቲ እተቐብኡ ጳጳሳት፣ ኣባ ፓስካል ሽራይበር፡ ኣባ ማይክል ጎልዳዴ፡ ኣባ ሚሸል ፖይንሲኔት ደ ሲቭሪ ከምኡውን ኣባ ማርክ ሃናፒየር፣ ቀኖናዊ ሕጊ ብምጥስ ማለት "ብዘይ ሥርልጣነ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳትን፣ ኣንጻር ፍቓድ ላዕለዋይ መሪሕነት ቤተክርስቲያንን፣ ንኣርባዕተ ካህናት ቅብኣተ ጳጵስና ብምፍጻሞም"፣ "ipso facto" በዚ ምኽንያት እዚ፣ ብኡንብኡ "latae sententiae" ማለት በቲ ንሓዋርያዊ መንበር እተሓዝኣ ቀኖናዊ ውግዘት ተወጊዞም ኣለዉ።

እዚ ኣብቲ ብዕለት 2 ሓምለ ዝወጸ ኣዋጅ ተገሊጹ ከም ዝርከብ፣ ልዑል ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝኸተምዎ ሰንድ ድማ ጸዲቑ ይርከብ።

እዚ ውሳነ እዚ ደድሕሪ እቲ ብዕለት 1 ሓምለ 2026 ንግሆ ኣብ ኤኮን ስዊዘርላንድ እተገብረ ቅብኣተ ጵጵሳና ድሕሪ ኣርባዕተን ሰዓታት ጸኒሑ ኣብ ዝወጸ ሰነት ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀስ እምነት ዝሓሊ ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ፣ እቲ ቅብኣተ ጵጵስና ዝተፍጸመሉ ተግባር፣ እቶም ቀባእትን፡ እቶም ተቐባእትን፣ ነቲ ቅዉም ቀኖናዊ ሕጊ ቤተክርስቲያን ብምጥሓሶም፣ እቲ ምስ እዚ ሕጊ ዝተተሓሓዘ ቀጥታዊ ውግዘት ከም ዝሰዓቦም የረጋግጽ።

እዚ ኣሰቃቒ ሳዕቤን እዚ፣ ውጽኢት ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብተደጋጋሚ ከም ዝገለጽዎ፣ ፍረ ናይቲ ለፈብራውያን ብድላዮም ናይ ዝወሰድዎ ውሳኔ ኢዩ።

እቲ ውግዘት ንጳጳሳትን ካህናትን መካነ ሕውነት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ፣ ካብታ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊትን ሓዋርያዊት ቤተ-ክርስትያን ሮማ ከም ዝተፈልዩ ድማ የመልክት።

እቶም ብወግዒ ነዚ መካነ ሕውነት ዝስዕቡ ምእመናን ከአ ምስኣቶም ከም እተወገዙ ክቝጸሩ ኣለዎም።

ናይ ውግዘት ኣዋጅ ቅድስቲ መንበር
ናይ ውግዘት ኣዋጅ ቅድስቲ መንበር

ብተወሳኺ ኣብቲ በዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት፣ ምስቲ ኣዋጅ ናይ ውግዘት ዝወጸ “መብራህርህን መዘኻኸርን” ብዝል ኣርእቲ ካልእ ሰነድ እውን ተሓቲሙ ይከብ፣ እቲ ትሕዝቶኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ነቕርበልኩም፦

መዘኻኸሪ ናይ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር

ካብ ዘመነ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ክሳዕ እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት እተገብረ ናይ ቀረባ ግዜ ዘተታት ኣትሒዙ፣ ንኣባላት እቲ ብሊቀ ጳጳሳት ማርሰል ለፈቭረ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ፣ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ናብ ምሉእ ሕብረት ንምምላስ እተገብረ ብዙሕ ፈተነታት ከንቱ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

እዚ ኩነታት እዚ በቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘይ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣንን፣ ኣንጻር ፍቓድ ቅዱስ ኣቦናን ከምኡውን ቀኖናዊ ሕጊ ብግህዶ ብምጥሓስ እተገብረ ቅብኣተ ጵጵስና ነዚ ኩነታ እዚ መሊሱ ተጋዲድዎ ይርከብ ኣሎ።

ስለዚ እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንር፣ ነቲ ብሕድሪ እተዋህቦ ሓላፍነታት ብተኣማንነት ብምፍጻም፣ እዚ ተግባር እዚ፣ ነቶም ቅቡኣ  ኣገልገልትን ምእመናን ቀኖናዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎን ካብ ቤተክርስቲያን ናይ ምፍላይ ተግባር ከም ዝዀነ ምግላጽ ኣድላዪ ዀይኑ ይስምዖ። ብልክዕ ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ብ1988 እተኣወጀ "እዚ ዘይተኣዛዝነት እዚ—ብተግባር ንሥልጣን ናይ ሮማ ጳጵሳት ምንጻግ ዘመልክትን ብባህሪኡ ናይ ምፍላይ ተግባር ኢዩ።" (cf. John Paul II, Apostolic Letter Ecclesia Dei, 3)።

https://www.vatican.va/content/john-paul-ii/it/motu_proprio/documents/hf_jp-ii_motu-proprio_02071988_ecclesia-dei.html

ኣብዚ መዳይ እዚ ካብ ሕጂ ንደሓር -

1. ኣባላት መካነ ሕውነት ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ዝዀኑ ኩሎም ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣብ ምንፍቕና ስለ ዘለዉ፣ ከም መናፍቓን ክቝጸሩ ኣለዎም፣ (cf. Ecclesia Dei, 5 c; ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንሕጋዊ ጽሑፋት ብዝምልከት፣ ንምንቅስቓስ ሊቀ ጳጳሳት ማርሰል ለፈቭረ ዝስዕቡ ሰባት ዘኸተለሎም መናፍቓዊ  ምፍልላይ ዝገልጽ መብርሂ 24.08.1996 5-6) ከምኡውን ብሕጊ እተኣዘዘ ቀኖናዊ ውግዘት ይግበረሎም ኣሎ (can. 1364 § 1 CIC)።

2. ንምእመናን ብዝምልከት እቶም ብወግዒ ናይዚ መካነ ሕውነት ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ብወግዒ ዝስዕቡ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ 1996 ዝወጸ መብርሂ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንሕጋዊ ጽሑፋት (ዝከ. ibidem 7) ዝቘመ ውግዘት ዝኽተሎም ኮይኑ፣ ከም መናፍቓን ክቝጸሩን ክውገዙን ኣለዎም።

https://www.vatican.va/roman_curia/pontifical_councils/intrptxt/documents/rc_pc_intrptxt_doc_19960824_vescovo-lefebvre_it.html

3. ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ፣ ብዛዕባ ቅቡኣት ኣገልገልቲ ናይ መካነ ሕውነት ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ፣ ንቅዱሳት ምስጢራት ቤተክርስቲያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ከም ዝዕድሉን፣ እቲ ብኣታቶም ዝፍጸም መሥዋዕተ ቅዳሴን፡ ምስጢረ ኑዛዜን፡ ምስጢረ ተኽሊን ዘይብቝዕ ምዃኑ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ።

ቤተ-ክርስትያን ከም ሓላዪት ኣደ መጠን፣ ንዅሎም እቶም ናብ ምሉእ ሕብረት ክምለሱ ዝደልዩ ሰባት ብልባዊ ፍቕርን ህያው ሓልዮትን ክትቅበሎም እያ። ሓዋርያውያን ልኡካን ቅድስቲ መንበር ድማ ብወገኖም ኣብ ኩሉ ከባቢታ ምእመናን ኣብ እተፈላለየ ጕዳያት ክስዕብዎ ዝኽእሉ መምርሒታት ከዳልዉ ኢዮም።

ኣብ መወዳእታ ኵሎም ምእመናን ምስ ናይ ሮማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ምስቶም ምስ ቅዱስነቶም ሕብረት ዘለዎም ጳጳሳትን ከምኡውን ምስ መላእ ቤተ-ክርስትያን ጽኑዕ ሕብረት ክህልዎም ምሕጽንታ የቕርብ (Lumen Gentium 22 can. 751 CIC)። ከምኡውን ኣብቲ በዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ መካነ ሕወነት ካህናት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ ዝካየዱ ኣገልግሎታትን ንጥፈታትን ካብ ምስታፍ ክቝጠቡ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኣሎ።

ናይ ውግዘት ኣዋጅ ቅድስቲ መነርን መግለጺታቱን
ናይ ውግዘት ኣዋጅ ቅድስቲ መነርን መግለጺታቱን
02 Jul 2026, 10:58