TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT-AID TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT-AID  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር ነቲ ናብ ቃዛ ዝግበር ረድኤት ዕንቅፋት ምዃን ከቢድ ምጥሓስ ሰብኣዊ ሕጊ ምዃኑ ትገልጽ

ቅድስቲ መንበር ንናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራትቕ ዝርከቡ ስደተይናታትን ሰራሕተይናታት ዝሓሊ ትካል፣ ገንዘባዊ ደገፍ ከም እትገብር ደጊማ ተረጋግጽ፣ ንሰላማውያን ሰባትን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤትን ዕቝባን ኣብ ቃዛ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ረድኤት ክበጽሖም ከምኡውን ነዚ ኣገዳሲ ተልእኾ እዚ፣ ኣህጉራዊ ደገፍ ኪህልዎ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ንትካል ረድኤትን ስራሕን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንስደተኛታት ፍልስጥኤም (UNRWA) ገንዘባዊ ደገፍ ከም እትገብር ደጊማ ብምርግጋጽ፣ ነቲ ትካል ንብሚልዮናት ዝቝጸሩ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛታት "ኣድላዪ መስመር ህይወት" ክትብል ትገልጾ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድማ እዚ ትካል እዚ ዕዮኡ ብዘይ ዕንቅፋት ክቕጽል ተገፉ ክልግሰሉ ምሕጽንታኣ ተቕርብ።

ቀዋሚ ተዓዛቢ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር፣ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ እኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እስራኤል ዘሎ ዞባታት ፍልስጥኤም ብፍላይ ከኣ ኣብ ቃዛ ሰላማውያን ሰባት ዓመጽን ምግዓዝን ከቢድ ጸገማትን የጋጥሞም ስለ ዘሎ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ዅነታት ዘለዎም ዓሚቝ ሻቕሎት ገለጹ።

"ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ረድኤት ስደተይናታትን ሰራሕተይናታትን ማእከላይ ምብራቕ፣ ንልዕሊ 70 ዓመታት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ረድኤት ምግብን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ክህብ ይክርብ ኣሎ" ብምባል፣ እቲ ትካል ግብራዊ ደገፍ ጥራይ ዘይኰነስ "ብኽብሪ ናይ ምንባር ዕድል" ከም ዝህብ እውን ኣጕልሑ።

ኣብ ህንጻታትን ሰራሕተኛታትን UNRWA ዝወረደ ጕድኣት ምኹናን

እቲ መግለጺ ንቅትለት ሰራሕተኛታት እዚ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን (UNRWA) ከምኡውን ኣብ ህንጻታት እቲ ትካል እንተላይ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት ሰላማውያን ሰባትን መእቆቢታትን መሳለጥያታትን ዝፍጸም መጥቃዕትታት ይዅንን። ብተወሳኺውን ሰብኣዊ ረድኤት ብፍላይ ኣብ ቃዛ ብደሓን ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ክበጽሕ ከም ዘለዎ ኣትሪሩ ብምግላጽ፣ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤትን መሰረተ ልማትን ከዕቍቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

"ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ስቓይ ናይቶም ድሮ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዝርከቡ ሰባት ዘጋድድ ከቢድ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ እዩ" ይብል።

እዚ ጻውዒት እዚ ኣብ ብምሉኡ እቲ ተቘጻጻሪ ዞባ ፍልስጥኤም ዘሎ ሰብኣዊ ዅነታት እናገደደ ይኸይድ ስለ ዘሎ ኢዩ ድማ ይብል። ኣብ መወዳእታ 2025 ዓ.ም. ተዅሲ ናይ ምቍራት ውዕል እኳ እንተ ተኣወጀ፣ ኣብ ቃዛ ዓመጽ ይቕጽል ኣሎ፣ ትካላት ረድኤት ግን ናይ ንጥፈታት ቀይድታትን ሕጽረት ገንዘብን ኣብ ሲቪላዊ ህንጻታት ዝወርዶም ዘሎ ጕድኣትን፣ ንጻዕርታት ረድኤት ዕንቅፋት ከም ዝዀነ የጠንቅቑ። ልዕሊ 70 ሚእታዊት ህዝቢ ቃዛ ኣብዚ እዋን እዚ፣ ብናይ ጽዕነት ማኪና ኣብ ዝመሶም ማይ ዝምርኮሱን፣ ሕጽረት መዕቈቢ ክንክን ጥዕናን ጽሬትን ድማ ኣዝዩ ኸቢድ ምዃኑ የመላኽት።

ኣብ ሕደ ነጥበ መቐይሮ

እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ከም ዘመልከቶ፣ እቲ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNRWA) ንባዕሉ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ፣ ማለት ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ብምስኣኑ፣ ናብ "ናይ ምቍራጽ ነጥቢ" ይቀራረብ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ። እቲ ትካል ኣብ ቃዛን፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስን ሊባኖስን ሶርያን ንዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛታት ምድጋፍ እናቐጸለ ኽነሱ፣ ኣገልግሎታት ብምንካይ ቁጠባ ሕጽረታት ዘኸተሎ ስጕምትታት ኣውጺኡ ኣሎ።

ቅድስቲ መንበር ነዚ ትካል እዚ (UNRWA) እተመባጽዓቶ ገንዘባዊ ደገፍ ከም ዘሐደሰት እውን ኣፍሊጣ፣ ነቲ ወፈያ "ምስ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛታት ዘሎና ምትሕብባርን፣ ኣብ ሰብኣዊ ተልእኾ እቲ ትካል ምትእምማንን ዜርኢ ጭቡጥ መግለጺ"  ድማ ኢዩ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

ብተወሳኺውን ቅድስቲ መንበር ነዚ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNRWA) ተልእኾኡ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምፍጻም፣ "ብቑዕን ትጽቢት ዝግበረሉን ቀጻልን ደገፍ" ከም ዘድልዮ ኣጕልሐት። እቲ ትካል ዝሰርሖ ዕዮ በቲ ተኣማንነቱን ውጽኢታዊነቱን ንምዕቃብ ኣድላዪ ዝዀነ ሰብኣዊ ገለልትነት ኣድልዎ ዘይብሉን ብምዃን ብናጽነትን ብመሰረታዊ ስርዓታትን ክምራሕ ከም ዘለዎ እውን ኣጕልሐት።

እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ጣልቃ ምእታው፣ ኣብ መደምደምታ እቲ ትካል ብ1949 ብሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም እተመስረተ ብምዝካር፣ ንተልእኾ እዚ ትካል እዚ ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ደጊሞም ኣረጋገጹ። ብዛዕባ መጻኢኣ ዝዀነ ይኹን ዘተ ማለት ብሓደ ወገን ጥራይ ዝግበረ ስጕምትታት ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ እቲ ብዝሓውነት ክግበር ከም ዘለዎ እቲ ድማ መግለጺ ወሲኹ የመላኽት።

02 Jul 2026, 11:02