ቅድስቲ መንበር ኣብ ጥቅምቲ ብዛዕባ 'ናይ ፍቕሪ ሓሴት' ንዝካየድ ኣኼባ መሰናደዊ ሰነድ ኣሕቲማ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ከምኡውን ሓፈሻዊ ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 7-14 ጥቅምቲ 2026 ዓ.ም. ምስ መራሕቲ ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስትያናትን ኣቦታት መናብር ጉባኤታት ጳጳሳትን ንዝካይድዎ ኣኼባ መሪሕ ዝኸውን ኣርእስትታት ንምድላው ዝተሓትመ ሰነድ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።
እዚ ሰነድ እዚ ናብ ኣሕሉቕ ምብራቓውያን ካቶሊካቶሊካውያን ርእሰ ምሕዱራት ኣብያተ ክርስቲያናትን ከምኡውን ናብ ኣቦታት መናብርተ ጉባኤታት ኤጲስቆጶሳት ተላኢኹ ሎሚ፣ ከምኡ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ምእመናን ተዘርጊሑ ይርከብ።
እዚ ሰነድ እዚ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምሳታቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዕለት 7 ክሳዕ 14 ጥቅምቲ 2026 ዓ.ም. ንዘካይድዎ ኣኼባ ንምድላውን ንምትብባዕን ዝዓለመ እዩ።
እቲ ኣኼባ ድማ ንፈለማ እዋን ቅዱስ ኣቦ ኣብቲ ብዕለት 19 መጋቢት 2026 ዝጸሓፍዎ መልእኽቶም ተኣዊጁ ከም ዘሎ፣ ንመበል ዓስራይ ዓመት ናይቲ ድሕሪ ሲኖዶስ ዝተኣወጀ ሓዋርያዊ ምዕዳን ‘ናይ ፍቕሪ ሓሴት’ ንምዝካር ውን ዝዓለመ ክኸውን ኢዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ነቲ ንስድራ ቤታት ዝጸሉ ዘሎ ዓሚቝ ለውጥታት ኣፍልጦ ብምሃብ፣ "ሎሚ ንስድራቤታት ወንጌል ንምስባኽ ኪውሰድ ዘለዎ ስጕምትታት ኣብ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣስተንትኖታት ክገብሩ ከም ዝደልዩ እውን ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብ መደምደምታ፣ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዕለት 27 ሰነ ዝተኻየደ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ናብ ፍረ ነገር ስድራቤታዊ ሕይወት ምልስ ብምባል፦ "ስድራቤት ኣብ እትድገፈሉን እትስነየሉን ቦታ ናይ ርክባትን ሓድነትን ተስፋን ቤት ትምህርቲ ይዓቢ እዩ። ስድራቤት እንተ ተቘሲላ ወይ እንተ ተገሊላ ግና፣ ብምሉኡ ሕብረተሰብ ግዳይ እዩ ዝኸውን" ከም ዝበሉ እውን ዝዝከር ኢዩ።
ኣብቲ ኣኼባ ብዙሓት ስድራ ቤታት እውን ኸም ዚሳተፉን ተመክሮኦም ከም ዜካፍሉን ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ከተማ ሮማ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ጳጳሳት፣ ምስቲ በቲ ኣብዚ ሰነድ እዚ ዝቐረበ ኣርእስትታት ክዛተዩን ንሓድሕዶም ጽን ክብሉን ክሰምዑን ድማ ጻውዒት ቀሪቡሎም ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ናብተን ከባቢኦም ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን ምስ ተመልሱ ምስ ስድራቤቶም ሓቢሮም ንስድራቤትን ሰብኣዊ ህይወትን ንኪዳናዊ ሕይወትን ዝድግፉ ሓባራዊ ጕስነት ሰብ ቃል ኪዳን ከሐድሱ ከኽውሎ ኢዩ።
መዓልትታት እቲ ኣኼባ ንምርኻብን ንምስማዕን ንምስትውዓልን ከምኡ ውን ሓቀይና ስፍራኡ ንምሃብ ዝዓለመ ድማ እዩ፣ እዚ ድማ ንህያው ተመክሮ ስድራ ቤታት ምቕባል፣ ጭቡጥ ዛንታታት ህይወት ምክፋል፣ ብዛዕባ እቲ ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን ንስድራ ቤታት ዜሰንየሉ ዘሎ ጕስነታዊ ተበግሶታት ንምስትንታን ከምኡውን ምስ ክኢላታት ዘተ ንምክያድ ዝዓለመ ክኸውን እዩ።
በዚ ምኽንያት እዚ ሊቃነ ጳጵሳት ምብራቓውያን ቤተ-ክርስትያናት ቅድሚ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘሎ ኣዋርሕ ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ኣርእስትታት ኬስተንትኑ ተዓዲሞም ኣለዉ፣ ብፍላይ ከኣ ንስድራ ቤታት ኣብያተ-ክርስትያኖም ኣብ ምስማዕ ኣትኵሮ ክገብሩ ጻውዒት ቀሪቡሎም ይርከብ።
ስለዚ እዚ ንስድራ ቤታት ከም ተቐባልቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ክንክን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ከም ንጡፋት ኣገልገልቲ ተልእኾኣ፣ ኣብ መዓልታዊ ርክባት፣ ምርጫታት ናይ ቓልስን ተስፋን ከምኡ ውን ሥጋ ዝለብሰሉ ከም ንጡፋት ልኡኻት ጌሩ ዜቐምጦም ኣዝዩ ልዑል ጕስነታዊ ጕዕዞ እዩ።
እዚ ኣኼባ ክፍሊ ናይ ሲኖዶስ ጳጳሳት እኳ እንተ ዘይኰነ፣ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ ጉባኤ ከም ዝገለጽዎ - ብምስማዕን ብጸሎትን ብኣስትንትኖን ዝፍለጥ ብመንፈስ ናይ ሲኖዳዊ ጕዕዞ ዝካየድ መስርሕ ክኸውን እዩ።
ኣብ ምድላው ኰነ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ሓሙሽተ ኣርእስትታት ንገምጋም ቀሪቡ ኣሎ።
እቶም ኣርእስትታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ናይዚ ዘመን እዚ ስድራ ቤታት፦ ክውንነትን፣ ጽባቐን፣ ብድሆታትን — ብተመክሮ ስድራ ቤታትን ሎሚ ቤተ-ክርስትያን ብጕስነታዊ ተበግሶ ኣቢላ ምልክታት ናይ ግዜ ምልላይ፣ መንእሰያትን ኪዳናዊ ጸዋዕታ ምቕባልን — ንመንእሰያት ምስማዕን ርዝነት ኪዳናዊ ሕይወት ኣብ ምርዳእን ምስኦም መርሕ ኪዳናዊ ሕይወትን። ናይ መጀመርታ ዓመታት ኪዳናዊ ሕይወት፦ ወሳኒ ግዜ — ኣብ መጀመርታ ዓመታት ሓዳርን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ህይወትን ንሰብ ንሰብ ኪዳን ምስማዕን ምስዓብን፣ ኣብ ጸገማት ሂወት፦ ምስዓብን ደገፍ ምሃብን — ኣብ እተሓላለኸ ዅነታት ምስ ስድራ ቤታት ኬድካ ምብጻሕ፣ ክርስትያን ስድራ ቤታት ከም ኣገልገልቲ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን — ንተልእኾ ኸም ድራኸ ናይ ኪዳንን ስድራ ቤትን ጌርካ ምቕባል።