ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ሞስኮ፡ እቲ ኲናት ክውዳእ ኣለዎ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ሞስኮ፡ እቲ ኲናት ክውዳእ ኣለዎ  (ANSA)

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ሞስኮ፡ እቲ ኲናት ክውዳእ ኣለዎ

ኣብ ሞስኮ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ቫቲካን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገርን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭን ብዛዕባ ሃገረ ቫቲካንን ሩሲያን ኣብ ዘራኽቡ ኣህጉራዊ ጉዳያት ማለት ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ኣብ ሩስያ ዝምልከቱ ጉዳያትን ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ንምጅማር ዝዓለመ ሰብኣዊ ተበግሶታት ከም ዝመኸሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ስተፋኖ ለሽቺንስኪ ሓቢሩ።

ዜና ቫቲካን

ዕለት 25 ነሓሰ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ወኪል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝተኻየደ ክልተኣዊ ኣኼባ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ጸሓፊ ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭን ኣብ ቀንዲ ኣህጉራዊ ጉዳያት ሓያሎ ንኽልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር መዳያት ኣለልዮም፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊት ሩስያን ቅድስቲ መንበርን ቀጻሊ ዘተ ኣገዳሲ ምዃኑ ተሰማሚዖም።

ብተወሳኺ ዝተዘተየሎም ክልተኣዊ ጉዳያት ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ሩስያ ዝምልከት፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ንምጅማር ዝዓለመ ሰብኣዊ ተበግሶታትን ዘጠቓለለ እዩ።

ዘተን ሰብኣዊ ተወፋይነትን

ኣብ መወዳእታ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሞስኮ ሊቀ ጳጳሳት ጆቫኒ ዳ’ኣኒየሎ ዝተሳተፍዎን ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወሰደን ክልቲዊ ዘተ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ላቭሮቭን ብሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሃቡን ላዕለዋይ ወኪል ቅድስቲ መንበር ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ዘሎ ተጻብኦ ከብቅዕን ብደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም “ሓቀይና ዘተ” ክጅመርን ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፡ “መርገጺ ቅድስቲ መንበር ንጹር እዩ: እቲ ግጭት ብወተሃደራዊ መገዲ ክፍታሕ ኣይክእልን” ከም ዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ለሽቺንስኪ ሓቢሩ።

ስለዚ ድማ “ንፖለቲካውን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ክርብን መስርሕ ዝኸውን ኩነታት ምፍጣር ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጹን፡ እቶም በዓል ስልጣን ቫቲካን ሩስያን ዩክሬንን ምልክታት ግሉጽነትን ሰናይ ድሌትን ከርእዩ፣ ኣህጉራውን ሰብኣውን ሕግታት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሰላማውያን፣ ትሕተ ቅርጺ፣ ውጉኣትን ምሩኻት ኲናትን ኣመልኪቶም ከኽብሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ለሽቺንስኪ ኣፍሊጡ።

እቲ ኲናት ክውዳእ ኣለዎ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ ኩነታት ዩክሬን “ንጹር ንምዃን እዚ ውግእ ክውዳእ ኣለዎ - ቢሎም - ብሰንኪ እቲ ተጻብኦታት ቁጽሪ ናይቶም ብኽልቲኡ ወገን ዝሞቱ ሰባት ብቐጻሊ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፡ ከምኡ’ውን ስቓይ ሰላማዊ ህዝቢ።

ኣስዒቦም ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር “እቲ ተጻብኦታት ምቁራጽን መጻኢ ዝምድናታት ምውጣንን እሱራት ናይ ዝሓለፈ በደላት ኮይንካ ከይተርፍን ጽልኢ ምውጋድን ህጹጽን ኣድላዪን ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ለሽቺንስኪ ሓቢሩ።

ምትሕብባር ሩስያን ቅድስቲ መንበርን ምድልዳል

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ላቭሮቭ፣ ቅድስቲ መንበር ምስ ሩስያ ንምዝታይ ክፉት ምዃኑን ንሰላም ንዘለዋ ተወፋይነትን ኣድናቖቱ ገሊጹ፣ ምስ መዘናኦም ሊቀ ጳጳሳት ምስ ግጭት ዝተኣሳሰሩ ሰብኣዊ ጉዳያት ምትሕብባር ምድልዳል ከምዘድሊ ገሊጾም፡ እቲ ዝተኻየደ ክልቲኣዊ ዘተ “ኣዝዩ ጠቓሚ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ለሽቺንስኪ ይሕብር።

ተወፋይነት ቅድስቲ መንበር ንሰላም

ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ “ዝኾነ ይኹን ጭቡጥ ውጽኢት ኣብ ሰብኣዊ ዓውዲ፡ ስቓይ ንምቅላልን ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ወገናት ዝተሓተ ደረጃ ምትእምማን ናብ ንቡር ንምምላስን ክሕግዝ እዩ - ቢሎም - ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ካርዲናል ዙፒ ናብ ሩስያ ዝገብርዎ ተልእኾ ብኽቲኦም ወገናት ከም እተዘክረን ኣመላኺቶም፡ ቅድስቲ መንበር ብወገና፣ ሊቀ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ኣብ ምፍጣር ናይ ዘተ ቦታታት፣ ሰብኣዊ ጻዕርታት ኣብ ምሕያልን “ኣባይቲ ጽሕፈት ሃገረ ቫቲካን” ንሰላም ንምስጓም ንዝግበር ዘተ ከአንግድ ሃገረ ቫቲካን ድልውቲ ኣብ ምዃን ንምቕጻል ዘለዎ ቆራጽነት ደጊሞም ከም ዘረድኡ ለሽቺንስኪ ሓቢሩ።

ግደ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ህንጸት ሰላም

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ሚኒስተር ላቭሮቭ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብያተ ክርስቲያናትን ከባብያዊ ማሕበረሰባት ዓቕለሲያንን ኣብ ምሕጋዝ ኣዝዮም ተቓላዕቲ፡ ብመንፈስ ዕርቂ እውን ኣገዳሲ ተራ ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ኣፍልጦ ክወሃቦ ተመንዮም፡ ኣብዚ መንጽር’ዚ ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ቅድስቲ መንበር ኣብ ፈደራላዊት ሩስያ ዘሎ ኩነታትን ድሌታትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ጉስነት ምእመናንን ዓቀልሲያውን ሃይማኖታውን ማሕበረሰባት ዝካየድ ግብረ ሰናይ ንጥፈታትን ከም ዘጉልሑ ለሽቺንስኪ የመላኽት።

ዘተ ምስ ፓትርያርክ ሞስኮ

ብድሕሪ’ዚ ዕለት 25 ነሓሰ ምሸት ጸሓፊ ዝምድና ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ምስ ሓላፊ ክፍሊ ግዳማዊ ዝምድና ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክ ሞስኮ ሜጥሮጶሊስዊ ሊቀ ጳጳሳት ኣንጦኒዮስ ብዓል ቮሎኮላምስክ እውን ከም እተራኸቡን ብመንጽር ህሉው ዞባዊ ኩነታት እውን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ጉዳያት ዘትዮም፡ ሜጥሮጵዕሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት እንጦንዮስ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያን ቅድስቲ መንበርን ዝካየድ ዘሎን ምዉቕን ርክብ ዘለዎም ዕግበት ከም ዘረጋገጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ለሽንቺስኪ ኣፍሊጡ።

26 Aug 2026, 15:38