ክርስትያናዊ - ኮንፉቺያዊ ዘተ፡ ዝያዳ ስኒት ዘለዎ ዓለም ንምህናጽ ብሓባር ምስራሕ ክርስትያናዊ - ኮንፉቺያዊ ዘተ፡ ዝያዳ ስኒት ዘለዎ ዓለም ንምህናጽ ብሓባር ምስራሕ 

ክርስትያናዊ - ኮንፉቺያዊ ዘተ፡ ዝያዳ ስኒት ዘለዎ ዓለም ንምህናጽ ብሓባር ምስራሕ

ኣብ ደቡብ ኮርያ ሴኡል ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሶጋንግ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣልዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ጆርጅ ጃኮብ ኩቫካድ፡ ኣብ መንጎ ክርስትያናውን ኩንፊቻውን ትውፊታት ቀዳማዊ ወግዓዊ ዘተ ዕለት 4 ነሓሰ ብዘስሞዎ መደረ ኣበጊሶም።

ዜና ቫቲካን

ክርስትያናዊ ራእይ "ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ መሬትን" ከምኡ'ውን ኮንፊቺያዊ ህልዮ ‘ዳቶንግ’ ("ዓቢ ሓድነት") ካብ "ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ፡ ፍልስፍናውን ባህላውን ኵነታት" ዝብገስ እዩ። ይኹን እምበር፡ ክልቲኦም ሓደ ዓይነት ዝኾነ ዓሚቝ ባህጊ ደቂ ሰባት ከም ዝገልጹ ኣስተብሂሎም፡ "ሰላማዊ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍን ደጋፍን ሕብረተሰባት ምህናጽ፡ ዝያዳ ፍትሓዊት፡ ዝያዳ ስኒትን ዝያዳ ርህሩህን ዓለም" ክፈጥሩ ዘኽእሉ እያቶም እንክብሉ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ጆርጅ ጀኮብ ኩቫካድ ዕለት 4 ነሓሰ ኣብ ሶጋንግ ካቶሊካዊ መንበረ ሴውል ደቡብ ኮርያ ዝጀመረ ናይ መጀመርታ ክርስትያናዊ – ኩንፊችያዊ ናይ ሓበር ዓውደ ዘተ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ እዚ ክሳብ ዕለት 5 ነሓሰ ዝቕጽል ዓውደ ዘተ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃይማኖታዊ ልምድታት ናይ መጀመርታ ወግዓዊ ዘተ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽፍሐት ምስ ሱንግክዩንክዋን ኮንፊቺያዊ ተቕዋም፣ ጉባኤ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኮርያን ሶጋንግ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብን ብምትሕብባር ዘዳለዎ እዩ።

ክርስትናን ኮንፉቺያውን ኣብ ምድላይ ሸቶ ሕብረተሰብ

ኣብ ትሕቲ ዘተ ብዛዕባ ኣበርክቶ ክርስትናን ኮንፊቺያውነትን ኣብ ርእየት ሕብረተሰብ: ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ መሬትን ዳቶንግን (ዓቢ ሓድነት) ዝብል መርሕ ቃል ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ዘተ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ምሁራት ኩንፉቺያውያንን ካቶሊካውያንን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ዘተ ዝነጥፉ ሰባት፡ በብወገኖም ናይ ዝስብዕዎ ልምድታት ኣበርክቶ ክምርምሩ ዘተባብዕ ኮይኑ፡ ካርዲናል ኩቫካድ ፡ እቲ ኣኼባ ረቂቕ መምርሒ ክርስትያናዊ - ኮንፊቺያዊ ዘተ ብምቕራብ ከምዝተኸፍተ ኣመልኪቶም፡ "ኣገዳሲ ስነ ትምህራታዊ ዓወትን ኣብቲ ናይ ሓባር ጉዕዞና ናይ ምስማዕን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ርኡይ ስጉምቲ ንቕድሚት" ከብሉ ከም ዝኽእሉ ኣስሚሮም፡ ናይ መወዳእታ ስሪት ናይቲ መምርሒ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣኼባ ክሕተም ምዃኑ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ኢንዱኒል ጃንካራትነ መብርሂ  ሂቦም።

ጽቡቕ ግብርን ኣገልግሎትን ዘለዎ ህይወት ዘነቓቕሑ ልምድታት

ካርዲናል ኩቫካድ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ክርስትናን ኮንፊቺያውነትን ማለት እዞም ክልተ ካብ ዓበይቲ ስልጣነ ትውፊታት ዓለምና ንግብረ ገባዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ምዕባለ ሕብረተሰባት ብዕምቆት ከም ዝቐረጹን፡ ንሕብረተሰባት ጽቡቕ ግብርን ኣገልግሎት ዝህብን ህይወት ከም ዘነቓቕሑን ኣስሚሮም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ልምድታት ዝግበር ዘተ ግን ክሳብ ሕጂ ድሩት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ከምዚ ዝበለ ዘተ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሓባራዊ ተወፋይነትን ንሕውነትን ውሁድ ምዕባለ ሰብኣውነት ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ። ክልቲኦም ኩንፉቺያዊ ርእዮተ ዓለም ዳቶንግ ("ዓቢ ስኒት" ወይ "ዓቢ ሓድነት")ን ክርስትያናዊ ራእይ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ኣብ ውሽጢ ዓሚቕ ማሕበራውን ፖለቲካውን ግብረ ገባውን ቅልውላዋት ዘጋጥሞም ማሕበረሰባት ከምዝተቐልቀሉ ገሊጾም። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት፡ ንሰባት ኣብ ዘይርጉጽነትን ለውጥን ክመርሕ ዝኽእል ናይ ተስፋ ኣድማስ ንምቕራብ፡ ዝተወረሱ ልምድታት ብመሃዚ መንገዲ ዳግማይ ከም ዝተርተርጉሙ የጒልሑ።

ዳቶንግ : ኣብ ትውፊት ኮንፉቺ ዓቢ ስኒት ማለት እዩ

ኮንፉቾ ርእየት ከም ዝገልጾ፡ ነቲ ልዑል ሸቶ ሕብረተሰብ ዝምልከት ኣገዳሲ ራእይ ንምድላይ ናብቲ ዘይበርስ ውርሻ ከም ዝቐየሮን፣ እዚ ራእይ እዚ ድሒሩ ኣብቲ ዕግርግር ዝመልኦ እዋን ብሰዓብቲ ከም ዝማዕበለን፡ ኣብ ምዕራፍ ሊ ዩን ማለት "ናይ ፍልቀት ስርዓታት" መጽሓፈ ስርዓታት ( ሊጂ )፡ እዚ ራእይ እዚ ብኣምሳል ናይ ሓደ ዘመን "ዓቢ መንገዲ (ዳኦ) ኣብ ትሕቲ መንግስተ ሰማይ ዝሰዓረሉ" ዘመን ይግለጽ፡ እዚ ድማ ንዳቶንግ ፡ ብስነ-ምግባራዊ ክብርታት፡ ፍትሕን ሓባራዊ ረብሓን ዝምራሕ ሕብረተሰብ ዝፈጠረ እዩ።

ስራሕ ብዘይ ርእሰ ፍትወት ተመቓሪሑ፡ ናይ ሰባት ኣፈት ድማ ክፉት ኮነ፡ ውልቀ - ሰባት ብትግሃት ይሰርሑ ነበሩ፣ ንውልቃዊ ረብሓ ዘይኰነስ ክእለቶም ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ከቐምጥ ቅኑዕ እዩ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ እዩ።

እቲ ጽሑፍ ውልቃዊ ቅርጺ፡ ሰብኣዊ ዝምድናታትን ሰናይ ምምሕዳርን ዘጠቓለለ ዝተዋደደ ግብረ ገባዊ ቅንዕና ዝምልከት ራእይ የቕርብ። ስለዚ ህልዮ ዳቶንግ ኣብ ዝምድናታት፡ ሓላፍነትን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ማሕበረ - ግብረ ገባውን ስነ - ጽባቐን ኣድማስ የቕርብ፣ ንሰብኣውነት ከም ሓደ ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰር ማሕበረሰብ ኮይኑ ጽቡቕ ሂወቱ ኣብ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ዝምርኮስ ምዃኑ ኣፍልጦ ይህብ።

"ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን" ኣብ መጽሓፍ ራእይ

ካርዲናል ኩቫካድ ናብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ብምቕናዕ፡ ዮሃንስ ብዓል ጳጥሞስ፡ ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ንዝነብሩ ኣብ ንእሽቶ እስያ ንዝነበሩ ማሕበረሰባት ክርስትያናት ዝጸሓፈ - ብተምሳል "ባቢሎን" - ብመንጽር ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ትንቢታዊ መብጽዓታት እስራኤል ብሓድሽ ንባብ ኣቢሉ ዳግማይ ተስፋ ከም ዝሃበ ገሊጾም።

ኣብ መደምደምታ እቲ ራእይ፡ ዮሓንስ ምምጻእ “ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን” የበስር፣ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ኪነብርን ንዅሉ ንብዓት ኪደርዝን ንፍጥረት ብፍትሕን ብሰላምን ብሓድነትን ኪሕድስ እዩ።

እዚ ድማ ናይ መወዳእታ ፍጻሜ መደብ ድሕነት ኣምላኽ ዘመልክት እዩ።

ዮሓንስ ንኣንበብቱ “ባቢሎን” ማለት ግፍዕን ዓመጽን ሞትን ናይ መወዳእታ ቃል ከም ዘይህልዋ ከረጋግጸሎም ይጽዕር። እግዚኣብሄር ንፍጥረት ይሕድሶ እምበር ኣይጥንጥኖን። መደቡ ምድሓን ውልቀሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ዕርቂ ኩሉ ነገራትን ምልዋጥ ፍጥረት ከም ዘለኣለማዊ መሕደሪ ኣምላኽን ዘጠቓልል እዩ።

ናይ ምቅርራብ ነጥብታት

ብዝተፈላለየ ባህልታት ዝተቐረጹ እኳ እንተኾኑ፡ ክልቲኡ ራእይ ግን ንባህሊ ተኣማንነትን ንዝቕየር መጻኢ ክፉትነትን ስለዘወሃህድ ደራኺ ኮይኑ ይቕጽል። እዚ ድማ ዕላማ ናይዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ምዃኑ ሓቢሮም - ነፍሲ ወከፍ ባህሊ ንምዕቃብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሓድሕዳዊ ምምሃርን ምትእስሳርን ብሓባር ክዓብዩ ንምኽኣልን እዩ።

ናይ ሓባር መርገጺኦም ክምርምሩ እንከለዉ፡ ኣብዚ ናይ ውድድርን ዘይምዕሩይነትን ዘይፍትሓውነትን ዘመን፡ ክርስትያናዊ ተስፋ “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን” ከምኡ’ውን ኩንፉቺያውዊ ንዳቶንግ - ዓቢ ስኒት ዝገብርዎ ተወፋይነትን፡ ምፍልላይ፡ ርእሰ - ፍትወትን ጭቆናን ዘይተርፍ እዩ ዝብል ሓሳብ ዝነጽግ ዓሚቝ ተስፋ ዝህብ ራእይ ከም ዘቕርቡ የስተብህሉ። ክልቲኦም ኣብ ፍትሒ፡ ስኒትን ምሉእ ምዕባለ ሰብኣውነትን ዝተመስረተት ዓለም ይሓስቡ።

ፍሉይ ኣበርክቶ

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ካርዲናል ኩቫካድ መሰረታት ናይዚ ለውጢ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

ንክርስትና ምሕዳስ ሰብኣውነትን ፍጥረትን ካብቲ እግዚኣብሔር ብክርስቶስ ዝገብሮ ተበጃዊ ተግባር ዝተሰረተ እዩ። ስነ - ምግባራዊ ኣካይዳ እምበኣር ማሕበራዊ ጽቡቕ ባህሪ ጥራይ ዘይኰነስ ዝርአ መግለጺ ሕብረት ምስ ኣምላኽ እዩ። ብኣንጻሩ ንኩንፉቺያውነት ስኒት ካብ መለኮታዊ ቤዛ ዘይኮነስ ካብ ግብረ ገባዊ ምልማዕ ውልቀ ሰብ፡ መምርሒ ጽቡቓት ገዛእቲ፡ ትምህርቲ ብስርዓታዊ ልምምድ፡ ከምኡ’ውን ስነ-ምግባራዊ ስርዓት ዝምድናታት ደቂ ሰባት እዩ።

እዚ ኣገዳሲ ሕቶ የልዕል - [ክርስትያናዊ ስነ - ምግባር ኣብ ሕይወት ቅዱስ እግዚኣብሔር ካብ ምስታፍ ዝተሰረተ እንተኾይኑ፡ ኣብ ትውፊት ኩንፉቾ ስነ - ምግባራዊ ስጉምቲ ዝዓሞቐ ድርኺት ዝፈጥር እንታይ እዩ? ባዕልኻ ምልማዕ? ሰናይ ሕብረተሰብ? ተኣማንነት ንሰማይ (ቲያን)? ወይስ ንሓደ ውሽጣዊ ጽቡቕ ኣፍልጦ ምሃብ?] ዋጋ ዘተ፡ ብልክዕ ነዚ ፍልልያት ኣብ ምዕቃብ፡ ነፍሲ ወከፍ ትውፊት ናይቲ ካልእ ክፈታተን፡ ከሀብትምን ኣድማስ ከስፍሕን ኣብ ምፍቃድ ምዃኑ የብርሁ።

ፍትሒ፡ ዕርክነትን ሓልዮትን ንሓድሕድካ

ክርስትያናዊ ራእይን ኮንፊሽያዊ ህልዮን ክልቲኦም ንሓደ ዓሚቝ ባህጊ ደቂ ሰባት ድምጺ ከም ዝህቡ ገሊጾም፤

“ናይ ሓባር ህይወትና ምስ ናይ ብሓቂ ሰናይን ጽቡቕን መንገዲ ዝሰማማዕ ክኸውን፤ ኣብ ምዉቕ ምሕዝነትን ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ዝነብር ዝነበረ ስነ - ምግባራዊ ፍትሒ፤ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብን ኣፍልጦ ዝህብን ዘስፋሕፍሕን ሰላም፤ ካብ ፍልልያት ዝውለድ ስኒት፣ ከም ናይ ሙዚቃ ቃናታት ኣብ ሓደ ዜማ ምውህሃድ ወይ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ሰባት ሓደ ማሕበረሰብ ክኾኑ።”

በዚ ምኽንያት ሃይማኖታት ግብረ ገባዊ ምሕዳስ፣ ማሕበራዊ ስኒትን ምሉእ ምዕባለ ሰብኣዊ ስድራ ቤትን ብምውራድ ፍትሓውን ሓቀይናን ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ስነ - ምግባራውን መንፈሳውን ጥበበን ኣብ ኣገልግሎት ከቐምጣ ሓላፍነት ኣለወን።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ተልእኾ እዚ ምስ ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ብምዝታይ ተቐቢላቶ ኣላ። ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ Gaudium et Spes - ፍስሓን ተስፋን ውሳኔ - "ቤተክርስትያን ኩሎም ሰባት፡ ኣመንትን ዘይኣመንትን ብማዕረ፡ ነዛ ኩሎም ብማዕረ ዝነብሩላ ዓለም፡ ንዝግባእ ምምሕያሽ ክሰርሑ ከም ዘለዎም ብልቢ ትኣምን፤ ከምዚ ዝበለ ህልዮ ግን ብዘይካ ቅንዕናን ጥንቁቕን ዘተ ክጭበጥ ኣይክእልን እዩ”  ዝብል ተገሊጹ ዘሎ።

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ንዝግበር ዘተ ምዕራፍ

ካርዲናል ኩቫካድ እዚ ናይ መጀመርታ ክርስትያናውን ኩንፉቺያውን ዘተ ንመጻኢ ኣኼባታት ቅጥዒ ክኸውንን ካብ ስነ ትምህርታዊ ምልውዋጥ ኣዝዩ ዝዛይድ ምዃኑን ክረጋገጽን ኣብ ክንድኡ ድማ መጀመርታ ነባሪ ዕርክነትን ነባሪ ጉዕዞ ዘተን ክኸውን ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም።

ሊቀ ጳጳሳት ኢንዱኒል ጃናካራትነ ኮዲቱዋኩ ካንካናማላጌ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ፡ እቲ ኣኼባ "ኣብ መንጎ ክርስትያናትንን ኩንፉቺያውያን ኣብ ዝምድናታት ሓድሽ ምዕራፍ" ዝኸፍትን "ሰፊሕ ኣድማስ ዘተ፡ ሓድሕዳዊ ምምህሃርን ምትሕብባርን ኣብ ኣገልግሎት ደቂ ሰባት" ዘቕርብን እዩ። ንርክባት ክርስትያንን ኩንፉቺያንን ጥራይ ዘይኮነስ ንመላእ ጉዕዞ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ መሰረት እዩ” ኢሎም።

መምርሒታት ክርስትያናዊ–ኮንፉቺያዊ ዘተ

ሊቀ ጳጳስ ካንካናማላጌ ብተወሳኺ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብቲ Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ኣዋጅ ጠቒሶም "ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብዘን ሃይማኖታት እዚኣተን ሓቀይናን ቅዱስን ዝኾነ ነገር ኣይትነጽግን እያ" ኣክብሉ ኣረጋጊጾም፡ እቶም ተሳተፍቲ "ፍልልያትና ንምድምሳስ ዘይኮነስ፡ ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ንምዕማቕ፡ ካብ ነንሕድሕድና ንምምሃርን ንሓባራዊ ረብሓ ደቂ ሰባት ጎኒ ንጎኒ ንምስራሕን" ከምዝተኣከቡ ኣስሚሮም እዚ ድማ፡ ክርስትያንን ኩንፉቺያውያንን ብዙሕ ተመሳሳሊ ብድሆታት ከምዘጋጥሞምን ብሓባር ምላሽ ክህቡ ከምዝተጸውዑን ብምስትብሃል።

ኣቦ መንበር ናይ ተቕዋም ስነ ትምህርቲ ኩንፉቾ ጹንግክዩንክዋን፡ ቾይ ጆንግ ሱ ምስቶም ካልኦት ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ መሻርኽቲ ነቲ ተበግሶ ንዝደገፈ ኣመስጊኖም፡ ኣብ መዛዘሚ እቲ ዓውደ ዘተ፡ ናይ መወዳእታ ስሪት መምርሒ ክርስትያናዊን ኮንፉቺያዊን ዘተ ክሕተም እዩ። ብጉጅለ ምሁራት ብኣተሓባባሪ ኣባ ፓውሊን ባታይርዋ ኩቡያ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተዳለወ ሰነድ ኮይኑ ንካቶሊካውያንን ንኹሎም ኣብ ክርስትያናውን ኩንፉቺያውን ዘተ ዝግደሱን ዝዓለመ እዩ።

ንደቂ ሰባት ዘጋጥሞም ብድሆታት ናይ ሓባር ክብርታት

ብተወሳኺ ኣብቲ ዓውደ ዘተ ናይ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ ኮርያ ኣቦ መንበርን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕ ሽማግለ ኣቦ መንበርን ናይ ሰበኻ ሱዎን ጳጳስ ማትያስ ኢዮንግ ሁን ሪ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብዛ ብፍልልይ፣ ግጭት፣ ቅልውላው ስነ ምህዳርን ስነ - ምግባራዊ ዘይርጉጽነትን ዝተለለየት ዓለም፣ ሓባራዊ ክብርታት ናይ ክርስትያናዊ ራእይን ናይ ኩንፉቺ ህልዩ - ከም ኣድማሳዊ ሕውነት፣ ኣኽብሮት ንሰማይን ፍቕሪ ንሰብኣውነትን - ነቲ ንሰብኣዊ ስድራቤት ዘጋጥሞም ብድሆታት ንጹር ምላሽ ከም ዝህቡ የስተብህሉ።

ቀዳሞት ኮርያውያን ካቶሊካውያን ኮንፉቺያውያን ምሁራት እዮም

ኣቦ መንበር ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ሶጋንግ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ሉክ ጆንግ ሂዮክ ሲም፡ ኣብ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረኦም፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኮርያ "ኣብ ምሁራዊ ምርምር ዝተሰረተ ትሑት ጅማሮ ብምግባር ብዙሓት ካብቶም ቀዳሞት ኣመንታ ድማ ኣብ ትውፊት ኮንፊቺ ዝተመስረቱ ምሁራት ምዃኖምን ብምዝኽካር፡ ካብዚ ኣረኣእያ እዚ ብምብጋስ፡ ምትእኽኻብ እዞም ክልተ ትውፊታት ንኮርያ ሓድሽ ነገር ዘይኮነስ "ባህርያዊ መቐጸልታ ናይቲ ድሮ እንካፈሎ ታሪኽ'ዩ - ኣብዚ ናይ ሓባር ብድሆታት ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ዘድሊ "ብታህዋኽ ስምምዕ ምግባር ዘይኮነስ፡ ብቅንዕናን ትዕግስትን ዝግበር ዘተ እዩ" ኢሎም።

05 Aug 2026, 17:24