መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ማእከላይ ወሽመጥ ቓዛ፡ መንበሪ ሰራሕተይናታት ውድብ ጥዕና ዓለም ተሃሪሙ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ማእከላይ ወሽመጥ ቓዛ፡ መንበሪ ሰራሕተይናታት ውድብ ጥዕና ዓለም ተሃሪሙ  (AFP or licensors)

መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ማእከላይ ወሽመጥ ቓዛ፡ መንበሪ ሰራሕተይናታት ውድብ ጥዕና ዓለም ተሃሪሙ

ስርሒታት ሰራዊት እስራኤል ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ማእከል ፍልስጤም ኣብ ዝርከብ ደይር ኣልባላህ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ናይ ኣየርን ምድርን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ሰራሕተይናታት ውድብ ጥዕና ዓለም መንበሪ ሰለስተ ግዜ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶን፣ ዕለት 21 ሓምለ ካብ ከተማ ቓዛ ንምዕራብ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተይናታት እውን ብዝወረደ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት 25 ድማ ከም ዝቖሰሉ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተመዛበልቲ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ምዕራብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ግዚያዊ መዓስከር ስደተይናታት ብተኹሲ ታንክታት እስራኤል ከም እተሰናበዱን እቲ ቦታ ካብ ካልእ ከባቢታት ሰሜናዊ ውሽመጥ ቓዛ ዝተመዛበሉ ዘአንግድ ኮይኑ፡ ሰራዊት እስራኤል ነቲ ኣብቲ መዓስክር ስደተይናታት ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ መግለጺ ከም ዘይሃበሉ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ማእከላይ ምብራቕ ጥቒሱ ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ መንበሪ ሰራሕተይናታት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ

እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ማእከል ውሽመጥ ቓዛ፡ ኣብ ደይር ኣልባላህ ዝተዋህለለ ኮይኑ፡ መንበሪ ሰራሕተይናታት ውድብ ጥዕና ዓለም እውን ሰለስተ ግዜ ዒላማ ከም ዝኾነን ዋና ዳይረክተር ትካል ጥዕና ሕቡራት ሃገራት ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ "ወተሃደራት እስራኤል ናብቲ መሳለጥያ ብምእታዎም፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ ማእከል ንጡፍ ግጭት ብእግሮም ናብ ኣልማዋሲ ክወጹ ከም ዘገደድዎም ሓቢሩ፣ “ደቂ ተባዕትዮ ሰራሕተይናታትን ስድራቤቶምን ብመቑሕ ተኣሲሮም፡ ክዳውንቶም ተገፊፎም፡ ኣብቲ ቦታ መርመራ ከም ከም እተገበረሎም ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብ ኣብ ዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሎ ከም ዝሓበረን፣ ብመሰረት ጌብረየሱስ ክልተ ሰራሕተይናታት ውድብ ጥዕና ዓለምን ክልተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤትን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፡ ካብዚኦም እቶም ሰለስተ ድሒሮም ናጻ ከም እተለቁን፡ እቲ ካልእ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዘሎ ኣመላኺቱ፣ "ውድብ ጥዕና ዓለም እቶም ዝተኣስሩ ሰራሕተይናታት ብቕልጡፍ ክፍትሑን ኩሎም ሰራሕተይናታቱ ሓለዋ ክግበረሎምን ይጽውዕ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 ሃገራት እቲ ኲናት ደው ክብል ይጽውዓ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብመሰረት በርገሳዊ ምክልኻል ቓዛን ሓያሎ ዘይመንግስታውያን ትካላትን፡ ሕጽረት ምግቢ ዕሸላት እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ ክሕብሩ እንከለዉ፣ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ስርሒታት ከሐይሉ መደብ ከምዘለዎም ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ ሓበሬታታት ዘረጋግጽ ይመስል። ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት ግንባር እቲ ኣብ ዶሃ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ዘይቀጥታዊ ዘተ ደስኪሉ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትራምፕን መራሔ መንግስቲ እስራኤል ኔታንያሁን ቀጻሊ ርክብ ከም ዘሎ ክሕበር እንከሎ፣ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ቁምስና ቅድስቲ ስድራ ቤት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተሰናበደን ጣልያን፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳን ካናዳን ሓዊሱ 28 ሃገራት፣ መብዛሕትአን ምዕራባውያን ሃገራት፣ እቲ ግጭት ብቕልጡፍ ደው ክብል ዝጽውዕ ሓባራዊ መግለጺ ከም ዝኸተማ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

23 Jul 2025, 15:57