Displaced Palestinians move southward after Israeli forces ordered residents of Gaza City to evacuate to the south Displaced Palestinians move southward after Israeli forces ordered residents of Gaza City to evacuate to the south  (MAHMOUD ISSA)

እስላማውያን ሃገራት ኣዕራብ ደድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቀጠር ተራኺቦም

ዝሓለፈ ሰሙን ሃገረ እስራኤል ኣብ ዶሃ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሓማስ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምፍጻማ፣ ኣብ ቀጠር እስላማውያን ሃገራት ኣዕራብ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይደን።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ መጥቃዕቲ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እተኾነነ ኢዩ ዝነበረ። ተንተንቲ ከም ዝገለጽዎ ድማ ዳግም እውን ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ክውስኽ ከም ዝኽእል የመልክቱ።

ኣቐድም ኣቢሉ ዋና ጸሓፊ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ የሩሳሌም ከም እተራኸበ ዝፍለጥ ኢዩ። ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ድማ ነቲ መጥቃዕቲ ነቒፍዎ ኣሎ፣ መግትኢ ክግበረሉ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቡ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን እዚ እስራኤል ብወገና ኣብ ቃዛ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣደላዲላ ትርከብ ኣላ። ሬድዮ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፣ ኣስታት 300,000 ዝኾኑ ተቐማጦ ቃዛ በቲ ብቐጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ደብዳብ ቦምባታት፣ ካብ ከተማ ቃዛ ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ቃዛ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት፣ ሃገረ እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል እቲ ኸባቢ ብዝፈጸመቶ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ፣ እንተ ወሓደ 68 ፍልስጥኤማውያን ከም ዝቐተሉን ኣስታት 346 ድማ ከም ዝቘሰሉን ገሊጹ።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓንቲ ናይ ግሪኽ መርከብ ነቲ እስራኤል ኣብ ቃዛ ዝኸልከለቶ ቦታ ንምቅዋም ምስ ኣህጉራዊ መራኽብ ተጸምቢራ ኣላ። እታ ኦክሲጎኖ እትበሃል መርከብ ካብ ሲሮስ ግሪኽ ዝሓለፈ ሰንበት ከም ክፍሊ ናይቲ ካብ ልዕሊ 40 ሃገራት ዝመጹ 60 መራኽብን 1,000 ተቓወምትን ዝጸዓና ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ዓመጽ ኣልቦ ናይ ሓገዝ መራኽብ ኮይና ጕዕዞኣ ናብ ቃዛ ኣቃኒዓ ትርከብ ኣላ።

ኣዳለውቲ እቲ ምንቅስቓስ ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ተልእኾ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብን ብዛዕባ ስቓይ ፍልስጤማውያን ንኽልተ ዓመት ዚኸውን ጸኒዑ ዘሎ ንምዕዛብን ዝዓለም እዩ።

 

17 Sep 2025, 13:25