ከንቲባ ቤተልሄም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተራኺቡ ተስፋን ምትሕግጋዝን ክህሉ ጻውዒት የቕርብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመዘዙ ከንቲባ ቤተልሄም ማሀር ኒኮላ ካናዋቲ ዕለት 24 መስከረም ረቡዕ ንግሆ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ድሕሪ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ቅዱስነቶም ከም እተራኸበን ኣብዚ ርክብ እዚ ስክፍታታት ህዝቡ ብምቕራብ ኣብ ቅድስቲ መሬት ሰላምን ተስፋን ክረጋገጽ ደግፍ ቅዱስነቶም ከም ዝሓተተ ምስ ዜና ቫቲካን ድሕሪ እቲ ርክብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ሓቢሩ፣ “ብሓቂ ከንቲባ ቤተልሄም ምስ ኮንኩ ዝጸሓፍክዋ ናይ መጀመርታ ደብዳበ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እያ፣ ምኽንያቱ ካብዚ ብዙሕ ነገራት ክንገብር ከም እንኽእልን ንህዝብና ክንድግፍ ዘኽእለና እውን ምዃኑ ስለ እንኣምንን እቲ ዘገድስ ድማ ተስፋ ምሃብንስለ ዝኾነ እዩ፣” ስደት ፍልጥኤማውያን ካብ ቤተልሄምን ካልኦት ከተማታትን ቀጻሊ ብምዃኑ፡ ቅድስቲ መሬት ብዘይ ህላወ ክርስቲያን ክትተርፍ ዝገብር እውን እዩ። ዜጋታት ካብ ቤተልሄምን፡ ካብ ፍልስጤም ብሰንኪ እቲ ዝፍጸምን ዝካየድን ዘሎን መጥቃዕቲ ይወጹ ኣለዉ። ኣብ ከባቢ ቤተልሔም ዝርከቡ ሰፈራታት ምስ (ናይ ቤተ ልሄም) ምስ ህዝቢ ቤተ ልሄም ይጻብኡን ኣብ ልዕሊ ምጥቃም ጸጋታታ ብዙሕ ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርክብ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተመዘዙ ከንቲባ ቤተ ልሄም ካናዋቲ፡ ምስ ቅዱስነቶም ብግሊ ንኽራኸብ ዘቕረቦ ሕቶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ከም እተቐበልዎ ሓቢሩ፣ "ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ናይ መጀመርታ ሕቶይ እዚ ኲናት ደው ንምባል፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ መዓት ደው ንምባል ክሽምግሉን፣ ኣብቲ ዘካየዶ ርክብ ከም ዝሓተቶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ገሊጹ፣ ወሲኾም “ኩሉ ጊዜ፡ ቅድሚ ብዛዕባ ቤተልሔም ምዝራበይ፡ ወትሩ እጽሊ። እዚ እውን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካፈልክዎም ተመክሮ እዩ፣ እዚ ኲናት ደው ከነብሎ፡ ኣብ ቓ ዛ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ መዓት ደው ከነብሎ፡ ጣልቃ ምእታው ኣድላዪ ምዃኑን ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እውም ምዃኑ እብቲ ዘካየድናዮ ርክብ ዝስመርናሉ ሓሳብ እዩ” ኢሉ።
ቤተልሄምን ክርስትያንን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቤተልሄም ህይወት እንታይ ከም ዝመስል እንክሕብሩ፣ "ቤትልሄም ሕጂ ድሕሪ ምሕዋስን ሰፈራታትን ንቤተልሄም ካብታ ልባ ዝኾነት ከተማ ኢየሩሳሌም – ኣብ ታሪኽ ንመጀመርታ ግዜ ዝፈልያ ፈላላይ መንደቕን ምኽንያት ድማ ልክዕ ከም ቤተ-ለማውያን ብዙሕ ጸገማት ትገጥም ኣላ . . .ሕጂ’ውን ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤም ቁጽሪ ፍልስጥኤማውያን ክርስቲያን እናነከየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ እንክብል ስክፍታኡ ኣጒሊሑ፣ "ፍልስጤማውያን ክርስትያናት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቅድስቲ መሬት 168 ሽሕ ጥራይ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 4 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ክርስትያናት ከም ዘለዉ ድማ ኣመላኺቱ፣ እዚ ንባዕሉ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ክሳብ ክንደይ ጸቕጢ ከምዘሎ ዘርኢ'ዩ ጭቡጥ መረጋገጹ እዩ" እንክብል ከም ዘስተብሃለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ካናዋቲ፡ ንባዕሉ ክርስትያን ከም ዝኾነን፡ ብሕጊ ድማ ከንቲባ ቤተልሄም ክርስትያን ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊጹ፡ እዚ ድንጋገ እዚ መራሕቲ ፍልስጤም “ነቲ ኣብ ቤተልሄም፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት፡ ኣብ ፍልስጤም ዝነብር ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዕድመ ዘለዎ ማሕበረሰብ ክርስትያናዊ ክዕቀብ ስለ ዝደልዩ እዩ፣ ይኹን እምበር በቲ ዘሎ ኩነታት ብዙሓት ሎሚ እውን ይስደዱ ኣለዉ፣ "ዝኾነ ሰብ ካብ ቤተልሄም ክወጽእ ክስደድ ክርእይ እንከለኹ ልበይ እዩ ዝስበር . . . ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 1000 ክርስትያን "ናብ ካናዳ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ንኽስደዱ ፍቓድ ረኺቦም ድሮ ኣብ ስደት ይርከቡ ኣለዉ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምፍራስ መስህብን ቍጠባን
ኣብ ነጋድያንን በጻሕትን ኣጋይሽ ምቕባልን ዝተመርኮሰ ቁጠባ ቤተልሄም፡ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ዝተባረዐ ኲናት ንደሓር ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ እዩ . . . ስራሕ ኣልቦነት ካብቲ ዝነበሮ 14 ናብ 65% ከም ዝበረኸ ኣብ ውሽጢ ከባቢታት እስራኤል ተቐማጦ ስራሕ ክረኽቡ ይኽልከሉ፣ ልዕሊ 120,000 ቤተ-ለማውያን፡ ቀደም ካብ ከተማ ወጻኢ ይሰርሑ ነይሮም፣ ሎሚ ድማ ኣብ መኣዶም እንጌራ ከቐምጡ እኳ ዘይክሉ ኮይኖም ኣለዉ” እንክብል ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጓሂኡ ይካፍል።
ማይ
ዋሕዲ ማይን ድሩት ምንቅስቓስን ነቲ ኩነታት ዝያዳ የጋድዶ ኣሎ፣ እቲ ዘሎ ኩነታት ማሕነቕቲ እዩ ዝበለ ካናዋቲ ፡ ኣብ ቤተልሄም ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ኴዒቶም ማይ ክረኽቡ ስለዘይፍቀደሎም፡ ማይና ካብ እስራኤላውያን ኢና ንገዝእ፡ ንሳቶም ድማ ካብቲ ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ዘድልዮ ሓደ ሓሙሻይ ክፋል ጥራይ እዮም ዝሸጡልና፣ "ገለ ከባቢታት ቤተልሄም ን50 መዓልታት፡ ን60 መዓልታት ማይ ከይረኸባ ይተርፋ" እንክብል ሓዘኑ ዝግለጸ ከንቲባ ቤተ ልሄም፡ ዝቖመ ልዕሊ 134 መፈተሺ ነቑጣታትን - ኣብ ውሽጢ ከተማ ከይተረፈ - ምንቅስቓስ ዝዕንቅፉ ኮይኑ ኣሎ፡ ሰባት ናጽነቶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንስድራቤቶም ዘድልዮም ነገራት ንኸማልኡን መጻኢ ንምህናጽን ዝሕግዙ መጋበርያታት ክስእኑ ይገብር ኣሎ” ኢሎም።
ጻውዒት ምትሕግጋዝን ተስፋን
ከንቲባ ቤተ ልሄም ማሄር ካናዋቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢጣልያን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ዘጋጠሞ ማእለያ ዘይብሉ ቅርበትን ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስን ዝጭበጥ ለውጢ ከምዘምጽእ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ፡ “እዚ ንህዝቢ ዝያዳ ተስፋ ዝህብ ይመስለኒ፡ ብዛዕባና ዝግደስ ሰብ ከምዘሎ ምፍላጥና፡ ከም ዘይተረሳዕና መረጋገጺ እዩ . . . ኣብ ቅድስቲ መንበር ካብ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ፓታሪያርካዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይቲ ከባቢ ውሉደ ክህነትን እንረኽቦ ኵለ መዳያዊ ሓገዝ “ሕጂ ኣብ ቤተልሄም እንረኽቦ ዘለና ዝበለጸ ተስፋ እዩ” እንክብሉ ኣመላኺቱ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ንናይ ውሽጢ ዓዲ ትካላት ደገፍ ከቕርብ ጻውዒት ኣቕሪቡ : "ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ከይስደድ ምድጋፍ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ክንገብሮ ንፍትን ዘለና ኣገዳሲ ነገር እዩ" እንክብል ንዜና ቫቲካን ዝሃቦ መግለጺ ይዛዝም።