ኣብ ከተማ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ይቕጽል፣ ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምድሪ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ቁጽሪ ሞት ሰላማውያን ሰባት ይውስኽ ከም ዘሎን፣ ዕለት 20 መስከረም ብመሰረት ምንጭታት ኣባይቲ ሕክምና ፍልስጥኤም 50 ሰባት (ኣብ ካልእ ቦታታት ወሽመጥ ቓዛ ድማ 15)፡ እንተወሓደ ዕለት 22 መስከረም ንጎሆ 14 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ድሕሪ እቲ ዕለት 15 መስከረም ምሸት ዝተጀመረ መጥቃዕቲ፡ ብሰንኪ ቦምባታት፣ ህዝቢ ናብ ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልውላው የንቆልቁል ከም ዘሎ እንክንገር፣ ልዕሊ 450 ሽሕ ሰባት፡ ብመሰረት ግምት ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና፡ ብዙሕ ህዝቢ ካብታ ከተማ፡ ብማኪና ይኹን ብእግሪ ህይወቱ ንምድሓን ይሃድም ከም ዘሎን ንዓኣቶም ንምእንጋድ፡ ብመሰረት ሰበስልጣን እስራኤል፡ ካብ ካን ዩኒስ ናብ ደቡብ ዞባ ኣስታት 42 ትርብዒት ኪሎሜተር ዘጠቃልል መእንገዲ ስፍራ ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፣ ብመሰረት ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ነቶም ካብ ወሽመጥ ቓዛ ክወጹ ዘለዎም ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ንምትእንጋድ እኹል ከም ዘይኮነ ይፍለጥ።
ምግስጋስ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ( IDF ) ንብዙሓት ትሕተ ቅርጺ ግብረሽበራውያን ከም ዘፍረሰ ክሕብር እንከሎ፣ "ኣባል ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ" ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ኣብ ቓዛ ናይ ዝርከብ ሻፋ ቤት ሕክምና ዋና ኣመሓደሪ ሓዊ ዝርከቦም ሓያሎ ኣባላት ሓማስ ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሻቲ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተቐተሉ እንከመላኽት፣ ማዕከናት ዜና ፍልስጤም፡ እቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ካልኦት ክልተ ኣባላት ስድራ ቤት ኣቡ ሳልሚያ ከም እተቐትሉን ቤቶም ምሉ ብምሉእ ከም ዝዓነወ ይሕብራ።
ማታረላ ንሓድሽ ዓመት ኣይሁድ
ዕለት 21 መስከረም ንግሆ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣይሁድ ሮሽ ሓሻናሕ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታሬላ፡ “ንማሕበረሰባት ኣይሁድ ኢጣልያ" ምዉቕ ሰላምታኡ ኣመሓላሊፉ፡ እቲ በዓል "ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ምትሕግጋዝን ሰላምን ዝተመርኮሰ ክብርታት ሓባራዊ ህይወት ከም ዘዘኻኽር" ኣስሚሩ፣ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት "ንኹሉ ዓይነት ዓመጽን ዘይምጽውዋርን ኣድልዎን ንኽብሪ ደቂ ሰባትን ናጽነትን ህይወት ደቂ ሰባትን ዘጥቅዕን፡ ምኽንያታትን ድሌታትን ካልኦት ዕሽሽ ዝብልን ብጽኑዕ ምንጻግ" ከም ዘድሊ ኣብቲ ናይ ተስፋን ተሓድሶን መልኽቱ ከም ዘስመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቻይና ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብል ትጽውዕ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ንሞሮካዊ መዘንኡ ናስር ቡሪታ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤም ኣብ እትፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ነቲ "እዋናዊ ሰብኣዊ ዕንወት" ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ መወዳእታ ክግበረሉ "ኣብ ቓዛ ኩለመዳያዊ ተኹሲ ደው ምባል" ምድንፋዕ ህጹጽ ምዃኑ ይገልጽ። ብመሰረት እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኡ ቻይና፡ "ኣብ እስራኤል ፍሉይ ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ሓላፍነተን ብዕቱብ ክወስዳን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ሰብኣዊ ትካላትን እውን ግዴታታተን ክፍጽማ ኣለወን" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣፍልጦ ለንደንን ካናዳን ንመንግስቲ ፍልስጤም
ድሕሪ ካናዳን ኣውስትራልያን ሒደት ሰዓታት፡ መራሔ መንግስቲ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር እውን ንመንግስቲ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ከም ዝሃበን፣ ከምኡ እውን ፈረንሳ ኣብ መበል 80 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝኻየደሉ መድርኽ ተመሳሳሊ መግለጺ ክትህብ ትጽቢት ይግበር ከም ዘሎን፣ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ናይ ዝህባ ዘለዋ ሃገራት ቁጽሪ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዝ ዘሎን፣ ኣብ ኒው ዮርክ ብፍሉይ ንቓዛ ኣብ እተወፈየ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ትጽቢት ይግበር።
ትራምፕ፡ እቲ ምጽናት ዓሌት ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ እዩ
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትራምፕ፡ ምጽናት ዓሌት ዝበሃል እቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ኣብ እስራኤል ዘካየዶ ኣስታት 1200 ሰባት ዝቐተለ እዩ” እንክብል እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ኣላ ዝብል መደምደምታ ሽማግለ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝነጸጎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።