NIGERIA-UNREST NIGERIA-UNREST  (AFP or licensors)

እስላማውያን አሸበርቲ ዕጡቓት ሳሄል፣ ኣብ ናይጀርያ ልዕሊ 120 ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም

ምስ እስላማዊ መንግስቲ ዝተተሓሓዙ ዕጡቓት ወተሃደራት፣ ካብ ወርሒ መጋቢት ንነጀው ኣብ ምዕራባዊ ናይጀርያ ልዕሊ 120 ሰላማውያን ሰባት ምቕታል ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸሙ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ምስ እስላማዊ መንግስቲ ዝተኣሳሰሩ ዕጡቓት ካብ ወርሒ መጋቢት ንነጀው፣ ኣብ ምዕራባዊ ናይጀርያ  መጥቃዕትታት ወሲኾም ብምክያድ ልዕሊ 120 ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል፣ ገበናት ኲናት ከም ዝፈጸሙ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትማሊ ሓሙስ ሓቢሮም።

ኣብ መላእ ዞባ ቲላበሪ ኣብ እተገብረ ሓሙሽተ መጥቃዕትታት፣ ዕጡቓት ንተቐማጦ ቝሸትን ኣብ ኣምልኾ ዝነበረ ሰባትን ቀቲሎም፣ ኣባይቲ ብሓዊ ኣንዲዶም ንብረት ድማ ዘሪፎም የከቡ። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝገለጽዎ እቲ ሰራዊት፣ ንእተዋህቦ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ከም ዝበሎን፣ ንማሕበረሰብ ከዕቍብ ከም ዘይከኣለን ድማ ገለጹ።

እቲ ዞባ ምስ ሃገራት ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝዳወብ ኮይኑ፣ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ድማ ናይ እስላማውያን ጽንፈይናታትን ሜዳ ዓመጽብ ጭቆናን ኰይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

ብዕለት 21 ሰነ ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ መስጊድ ናይ ሓንቲ ቍሸት ማንዳ ተኲሲ ብምኽፋት፣ ልዕሊ 70 ሰባት ቀቲሎም። ሓንቲ ኣደ ሰለስተ ደቃ ዝሞትዋ ጓል 77 ዓመት "ኣብ ኵሉ ቦታ ሬሳታት ተዘርጊሑ ኔሩ" ክትብል መስከረት።

ኣብ ዳኒ ፋሪ እዞም ዕጡቓት ንክልተ ቘልዑ ዝርከብዎም ሸውዓተ ሰባት ቀቲሎም ዓሰርተታት ኣባይቲ ድማ ኣንደዱ። ሓደ ጓሳ "እቲ ሬሳታት ብጥይት ዝመልአ እዩ ዝንበረ" ክብል ድማ ነቲ ኩነታት ይገልጾ።

ማሕበር ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ገበናት ኲናት ምርመራ ክካየድ ንዅሎም ወገናትን ተሓታትነት ዘለዎም ኣካላትን ሓላፍነቶም ክስከሙ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

12 Sep 2025, 19:05