ትራምፕ ንመንግስታዊ ዑደት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ
ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ካልኣይ መንግስታዊ ዑደት መራሒ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኸካይድ ዕለት 16 መስከረም ብሪጣንያ ከም ዝኣተወን እቲ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ምብጻሕ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብድጋፍን ከምኡ እውን ብተቓውሞታት ሃዋሁ ዝተሰነየ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ብሔር ትራምፕን በዓልቲ ቤቱ ሜላንያን ኣብ ናይ 3 መዓልታት ዑደቶም ብንጉስ ቻርለስ፣ ንግስቲ ካሚላን ልኡልን ልእልትን ዌልስን ክእንገዱ ከም ዝኾኑን፣ ንጉስ ቻርለስ ኣብታ ናይ መጀመርታ ምሉእ መዓልቲ ዑደት ትራምፕ ማለት ዕለት 17 መስከረም፡ ኣብ ጥቓ ለንደን ኣብ ዝርከብ ዊንድሶር ቤተ መንግስቲ ከአንግዶ እዩ፡ እዚ ቤተ መንግስቲ እዚ ንኣስታት 1000 ዓመታት ንጉሳት እንግሊዝን ስድራ ቤቶምን ዝነብሩሉ ከም ዝኾነ ክንገር እንከሎ፣ ትራምፕ ብወግዒ ብንጉስን ንግስትን ቅድሚ ምእንጋዱ ብልኡልን ልእልትን ዌልስ፡ ዊልያምን ካትሪንን ክራኸብ እዩ።
ርእሰ ብሔር ትራምፕ ዕለት 18 መስከረም ምስ መራሔ መግንስቲ ኬር ስታርመር ክራኸብ እዩ። ግን ኩሉ ሰብ ብቀይሕ ምንጻፍ ዘይኮነስ “ትራምፕ ተቐባልነት የብሉን” ዝብል ናይ ትራምፕ ናብ ዓባይ ብሪጣንይ ምብጻሕ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ እውን ይካየድ ከም ዘሎ ይንገር።
17 Sep 2025, 16:25