ካርዲናል ደቪድ ኣብ COP30፡ ምጥቃም ተፈጥሮ ምዝመዛ ኣይኹን ካርዲናል ደቪድ ኣብ COP30፡ ምጥቃም ተፈጥሮ ምዝመዛ ኣይኹን  (AFP or licensors)

ካርዲናል ደቪድ ኣብ COP30፡ ምጥቃም ተፈጥሮ ምዝመዛ ኣይኹን

ኣብ ጎድኒ እቲ ካብ ዕለት 10 - 21 ሕዳር ዝካየድ ዘሎ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኵነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት (COP30) ኣብ ብራዚል ከተማ በለም፡ ካርዲናል ፓብሎ ደቪድ ካብ ፊሊፒንስ ድምጺ ኩሎም ፊሊፒናውያን ኣቕሪቦም፡ ብቐዳምነት ድማ ብዘስካሕክሕ ሳዕቤን ለውጢ ከባቢ ኣየር ናይ ዝሳቐዩ!

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ዓመት ካብ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኵነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30 ብዙሓት መጠንቀቕታታት ይወጽእ ኣሎ። ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ካሎካን ጳጳስ ካርዲናል ፓብሎ ቨርጅልዮ ዳቪድ፡ ኣብ ብራዚል ከተማ ቤለም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተሳተፉሉ እዋን፡ ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

እቲ ኣዕናዊ ጽልዋታት ክሊማ​ ለውጢ

"ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ጥራይ፡ ድሕሪ ምትካል ሓድሽ ሊቀ ጳጳስ ሴቡ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ደሴት ዓቢ ርእደ መሬታ ኣጋጢሙ እዩ፡ ድሕሪ መዓልታት፡ ሓያል ህቦብላ ብተመሳሳሊ መንገዲ ስዒቡ ከቢድ ሞትን ማህሰይትን ኣስዒቡ እዩ . . . ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ግን ብሸለልትነት ደቂ ሰባት ዝጋደድ ምዃኑ ብኣጽንዖት ብምዝኽካር፡ "መብዛሕትኡ እቲ ውሕጅ ብሕማቕ ዝተሃንጸ ስርዓታት ምቁጽጻር ውሕጅ - ብዘይ መጽናዕቲ ተግባራውነትን ፋይዳውነትን መሰረት ዝተሃንጹ፡ ውጽኢት ብልሽውና ዝኾኑ ኣዚዩ ይጎድእ። ብስም ምክልኻል ውሕጅ፡ ማለት ናብ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕና ወይ ማሕበራዊ ድሕነት ክውዕል ዝነበሮ ሃብቲ ገንዘብ፡ ብዘይግቡእ ምጥቓም ሰብን ተፈጥሮን ዘየማእከለ መኽሰብ ምርካብ ጥራይ ዝብል ውጥናቶም ንምርግጋጽ ዝኽተልዎ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ሰብን ከባብን ከቢድ ሓደጋ ኮይኑ ኣሎ። "ንሕና ተቐማጦ ደሴታት ፊሊፒንስ ብዕጽፊ ግዳያት ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር ኢና፡ ከምኡ'ውን ግዳያት ናይቲ ብግቡእ ምላሽ ክህብ ዘይክእል ድኹም ምሕደራ ኢና" ይብሉ።

ካርዲናል ደቪድ ብዛዕባ እቲ ዋዕላ ከስተንትኑ እንከለዉ፡ "እቲ ዋዕላ ዳርጋ ከም በዓለ ጴንጠቆስጠ እዩ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ መላእ ዓለም ዝመጻና ዘራኽብ። ሰባት መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኵነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30  ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ትኲረት ከም ዝገበርሉን - ኣብኡ ምህላው ጥራይ ንገዛእ ርእሰ ዝገርም እዩ፡ ማእለያ ዝየብሉ ህዝቢ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክዋሳእ ምርኣይ ዓቢ ምንጪ ምጽንናዕ እዩ:- “ብዛዕባ ናይ ሓባር ቤትና: ብዛዕባ መሬት ብሓቂ ዝግደሱ ሰባት ከም ዘለዉ ዘእምን ሃዋሁ” ምህላዎ ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ጎድኒ እቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ እቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤትን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ዝጥርንፍ ካሪካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ዝተዳለወ ጎናዊ መድርኽ ካርዲናል ዳቪድ ነቶም ኣብ ፊሊፒንስ ብዘጋጠመ ብሩዕ ህቦብላታት ዝተሃሰዩን ዝደሓኑን ህዝቢ ፊሊፒንስ ወኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እውን፡ ህዝቢ ፊሊፒንስ ብዛዕባ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ዘለዎ ተገዳስነት የማዕብልን ከባቢ ኣብ ምክልኻል ዘተኮሩ መደባት የሳልጥን ቍጠባ ጥዕና መሬትን ፍጥረትን ዘገድሶ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኣምንቶ እውን የማዕብል ኣሎ ይብሉ።

ካርዲናል ደቪድ ኣብ COP30 ኣብ ቤለም ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ናይ ካሪታስ መደብ ይዛረቡ።

ካብ ፊሊፒንስ ቅድሚ ምብጋሶም ምስ ካብ ዞባ ሚንዳኖ - ሱሉ ዝመጹ ጳጳሳት ተራኺቦም፡ ንሳቶም ድማ ሓደ ዝጭበጥ ሓሳብ ኣምጺኦም፡ ንሱ ድማ 'መሬትን ግብርን” ዝብል እዩ። "ሃገራት ኣብ ልዕሊ ብከላ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካብ መሬት ዝውሰድ በርሚል ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ - ቀረጽ ክገብሩ ዝብል እማመ'ዩ፡ ድሕሪኡ እቲ ገንዘብ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንማሕበረሰባት ደቀባት ኣግራብን  ስነ - ምህዳርን ንምሕዳስ ዝገብርዎ ጻዕሪ መመወሊ ክውዕል ዝብል ኮይኑ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ምጥቃምን ምምዝማዝን ዝተፈላለየ እዩ ስለዚ ኣብ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮ ዝሕግዝ ህንጸትን ስነ ምርምርን ምምዕባልን ምስፋሕ ኣገዳሲ እዩ” ኢሎም፡ "ድሮ ምዝመዛ ተስፋ ከነቑርጾ ንኽእል ኢና" ይብል።

“ተፈጥሮ ብዘይግቡእ ንምጥቃም ኣዝዩ ቀሊል ክንገብሮ የብልናን!”

"እቶም ንዋዒ ዓለም ዝወሓደ ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ዝያዳ ዝሳቐዩ” ምዃኖም ኣስተውዒሎም፡ ምልዋጥ ግን ሕጂ'ውን ይከኣል'ዩ። ንሓድሕድናን ንኣውያት ምድርን እንተሰሚዕና - ብሓቂ ተስፋ ክህሉ እዩ።”

ናብ ምልዋጥ ጻውዒት

መልእኽቲ ካርዲናል ዳቪድ ኣብ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኵነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30 ናይ ኩነኔ ዘይኮነስ ናይ ምልዋጥ መልእኽቲ እዩ። ካቶሊካዊ ትውፊት መሰረት ገይሮም ድማ፡ ኣርባዕተ ባእታታት ማለት ዕርቂ - ንስሓ፡ ጣዕሳ፡ ይቕሬታን - ኣብ ርክብ ወዲ ሰብ ምስ ከባቢ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሮም።

"ንስሓ ማለት ውድቀትና ምእማን ማለት እዩ - እንታይ ከም ዝገበርናዮን ንኣከባቢ እንታይ ክንገብር ከም ዘይከኣልናን ገዛእ ርእስና እንምርምረሉ። ጣዕሳ 'በቲ ዘስዓብናዮ ሕሰም ይቕሬታ' ምሕታት ።" ንስሓ ብተግባራት ካሕሳ ድማ ዝረአ ብምዃኑ ጌጋታትና ንምእራም - ዝውሰዱ ሓቀይና ስጉምትታት ይጠልብ። ይቕሬታ ድማ - ነቲ መስርሕ የተግብር . . .  እዚ ሓሳብ እዚ ድማ ንስነ - ምህዳራዊ ምልዋጥ ርግጸይናታት ምልክታት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እምንት ኣሎኒ፡ "ሕጂ'ውን ናይ ሓባር ገዛና ከነድሕን ንኽእል ኢና!" እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።

17 Nov 2025, 15:17