Deadly explosion in the old quarters of Delhi Deadly explosion in the old quarters of Delhi 

ጳጳሳት ሃገር ህንዲ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኒው ደልሂ፣ ጸሎት ንሰላም ክካየድ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ህንዲ ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ከተማ ኒው ደልሂ፣ ህይወት ሸሞንተ ሰባት ዝቐዘፈ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሰላምን ንቅሓትን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቀብቲ ጸቕታ ሃገረ ህንዲ ሰኑይ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ከተማ ኒው ደልሂ ብዘጋጠመ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ፣ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም ብዙሓት ድማ ብኸቢድ ቈሲሎም፣ በቲ ዘጋጠመ ኩነታት ድማ ብውሕዱ ሓሙሽተ ጥርጡራት ሰባት ከም ዝኣሰሩ ተገሊጹ የርከብ።

እቲ ዘጋተመ ፍጻሜ ድማ ከም ግብረ-ሽበራዊ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ተባሂሉ ይምርመር ኣሎ፣ እዚ ድማ ምናልባት ምስቲ ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ኣብ ልዕሊ ካሽሚርን ኣብ ሰሜናዊ ጫፋት ሃገረ ህንዲ ዝርከብ ዞባ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ እተተሓሓዘ ክኸውን ከም ዝኽእል ኢዩ ዝግመት ዘሎ።

ብተወሳኺውን ሓይልታት ጸጥታ ካብ ከተማ ኒው ደልሂ ወጻኢ ንዘሎ ከም "ግብረ-ሽበራዊ ዋህዮ ተባሂሉ እተጠርጠረ ጉጅለ" ከም ዝፈጸሞ ብምግላጽ፣ ሸውዓተ ጥርጡራት ዕጡቓት ከም ዝኣሰሩን፣ ሓያሎ ኣጽዋርን ቦምብታትን ንምድላው ዘድሊ ናውትን ከም ዝሓዙ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ርእሰ ከተማ ፓኪስታን ኢስላምኣባድ ርእሰ-ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ፣ እንተ ወሓደ 12 ሰባት ሞይቶም ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ድማ ቈሲሎም ውን ይርከቡ ኣለዉ። ኣብ መንጎ እቲ መጥቃዕትታት ቀጥታዊ ምትእስሳር እኳ እንተ ዘይተረኽበ፣ እቲ ብተኸታታሊ መዓልትታት እተፈጸመ መጥቃዕታት ቦምብ ግን ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ንዘሎ ወጥሪ ኣጐሃሂርዎ ይርከብ ኣሎ።

ትማሊ ረቡዕ ትካል ዜና ሃገረ ቫቲካን ፊደስ ከም ዝገለጾ፣ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ፣ በቲ ኣብ ከተማ ኒው ደልሂ እተፈጸመ መጥቃዕትን፣ "ብሞት ንጹሃትን እተጐድኡን ሰባትን" ዓሚቝ ሓዘን ከም ዝተሰምዖም ገለጹ፣ ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ ምእመናን "ንቑሓት ኪዀኑን ኪጽልዩን" ጻውዒት ኣቕረቡ።

"ሓሳባትናን ጸሎትናን ምስቶም ኣብዚ እዋን እዚ ከቢድ ስቓይ ዜጋጥሞም ዘሎ ሰባት እዩ። ነቶም ዝቘሰሉ ብቕልጡፍ ምእንቲ ኺሓውዩ እውን ንጽሊ ኣሎና" ይብል እቲ መግለጺ። እዞም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታት "ንቑሓት ክዀኑን ንዝዀነ ይኹን ጥርጣረ ዝመልኦ ንጥፈታት ብዘይ ምድንጓይ ንኣኽበቲ ጸጥታት ክሕብሩን" ይምሕጸኑ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣንጻር ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትታት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሃገራዊ ሓድነት ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም የከቡ። ብተወሳኺውን ካህናት ሰበኻ "ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጥርጣረ ዘለዎ ንጥፈታት ወይ ኣብ ጥቓ ህንጻ ቤተ-ክርስትያን ወይ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እተደርበየ ነገራት እንተ ኣልዩ፣ ንሰብ መዚ ኪሕብሩ" ኣጽኒዖም ተማሕጺኖም።

"ከም ሓደ ማሕበረሰብ መጠን ሓድነት ይሃልወና፣ ሰላም ንምዕቃብን ድሕንነትን ውሕስነትን ኵሎም ዜጋታት ንምርግጋጽ ብሓባር ንስራሕ። ሰላምን ደሓንን ኣብ ሃገርና ክሰፍን ድማ ንጸሊ" ብምባል እቲ መልእኽቲ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ይድምድም።

13 Nov 2025, 09:46