2025.11.09 COP30 2025.11.09 COP30  

COP30፣ ኣተኩሮ ናብ ኣማዞን

ኣሕጉራዊ ዋዕላ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር (COP30) ኣብ ቤለም ብራዚል ኣብ ዝጅመረሉ ዘሎ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ማእከል ዱር ኣማዞን ዝካየድ ዋዕላ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ኣገዳስነት ንዕዘብ ኣሎና።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝናማዊ ዱር - ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ቦታ ንላዕሊ ዝበዝሑ ዓይነታት ኣትክልትን እንስሳታትን ዝርከቡሉ - ኣፍደጊኡ ክኸፍት ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ድማ ነታ ንደቂ ሰብ ኣአንጊዳ ዘላ ዓለም ቅኑዕ ዘበለ ንኽገበረላ ኣጋጣሚ ይኸፍት ኣሎ። ኣብ ዝናማዊ ዱር ክንጐዓዝ ከለና ህርመት ልብን ሳናቡእን ዓለምና ምዃኑ ስለ ዜዘኻኽረና ትሕት ክንብል ኢና እንርከብ።

ኣብ ቤለም ብራዚል "ኣፍ ደገ ኣማዞን" ህይወትን ተፈጥሮን ኣብ ግዜ እዮም ዝንቀሳቐሱ። እቲ ኣየር ብጠሊ ዝዘቕበበ ክንዲ ዝኾነ፣ ሃንደበታዊ ትሮፒካላዊ ዝናም ይዘንም፣ ብድሕርዚ ድማ ደሓይ ሓሸራታትን ደሃይ ኣዕዋፍ ይስማዕ። ኣሞራታት ኣብ ላዕሊ ይዝምብዪ፣ ኣብ ገማግም ኣፍላጋት ከኣ ኣዕዋፍ ሰፈረን ይገብራ፣ ካፒባራ ዝበሃሉ እንስሳታት ድማ በቲ ንሰማይ እታ ኸተማ ዝሰርብ ቀጠልያ ቦታታት ኰለል ክብሉ ይረኣዪ። ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ድማ ናይ ኮኮናት ማይ ዝሸጡ ድኳናት ተዘርጊሖም ይርከቡ፣ ጁኽ ዝሕብሩ ኣካይ ኣብ ከናፍር እቶም ዝበልዕዎም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ህጻናትን - ምስ ዝበልዕዎ ዓሳ ወይ ኣብ መትሓዚ ጸባ ዝህዝዎ ይርአ። ኣብ መንጎ እቲ ሕፍሽፍሽ ናይቲ ከተማ እውን ከይተረፈ ጐደናታት ኪመልእ ከሎ፣ ቤለም ካብቲ ኣብ ሕቝፋ ዘሎ ጫካ ዘይትፍለ ምዃና ንጹር እዩ።

ኣብ ገማግም ፈለግ ኣማዞን ሓደ ማይ ኮኮናት ዝሸይጥ ዘሎ ሰብኣይ
ኣብ ገማግም ፈለግ ኣማዞን ሓደ ማይ ኮኮናት ዝሸይጥ ዘሎ ሰብኣይ

እታ ኸተማ ብሙዚቃ ዝመልአት - ካሪምቦ ብዚበሃል ህርመት ጐደናታታ እትዛነ እያ። ኣብ ዕዳጋታትን ኣብ ጥቓ መዐሸጊ መራኽብ ውን መደርቲ ከም በዓል ዶና ኦኔተ ዘዳለውዎ "ኖ ሜዮ ዶ ፒቲዩ" ዝኣመሰለ መዝሙራት ክዝመሩ ይስማዕ። ግጥምታታ ብዛዕባ እቶም ጸለምቲ ኣሞራታትን ጸሊምን ጻዕዳን ዝሕብረን ኣዕዋራን ኢዩ ዝዛረብ - ልክዕ ከም ከተማኦም ብኣንጻር ስኒት ዝነብሩ ፍጥረታት ። ኣብ ኣማዞን ብሓባር ምንባር ፍረ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ እንኮ መገዲ ህይወትን መነባብሮን ምዃኑ ዜዘኻኽር እዩ።

ገሊኦም ቅድሚ ነዊሕ እዋን ነዚ ትምህርቲ እዚ ኻብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ብዕምቆት ተማሂሮምዎ እዮም፦ እዚኣቶም ከአ እቶም ንኣሽሓት ዓመታት ንኣማዞን መንበሪኦም ኢሎም ዝጽውዕዎ ደቀባት ኢዮም። ወጻእተኛታት ከአ ክመጹን ኪኸዱን ረኣዩ፣ እቲ ጫካ ድማ ክቝረጽን ክነድድን ኪሸይጥን ከሎ ተዓዚቦም እዮም - ማዴራ (ኣእዋሙን) እንስሳታቱን ናብ መኽሰብ ተቐይሩ ድማ ይርከብ ኣሎ። ንሳቶም ግና ሓለውቲ ዀይኖም እዮም ዝርከቡ። ዞባ ኣማዞን ትሽዓተ ሃገራት ዝሓቘፈ ዀይኑ ልዕሊ 300 ቋንቋታት ዝዝረበሉ ኣስታት 400 ዓሌታት ደቀባት ዝሓዘ ዞባ እዩ። ኣብ ዋዕላ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት (COP30) ህልውናኦም ድማ ድምጺ ጫካ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ዕሽሽ ዝተባህሉ - ደቂ ኣንስትዮ ኣረጋውያን ድኻታት ኣብ ግጭት ወይ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተመዛቢሎም ዝነብሩ ዘለዉ - ንለውጢ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ኣዝዮም እተቓልዑ ሰባት ከም ምዃኖም ኢዮም ዘመልክቱ።

ሕጂ ግና ንመጀመርያ ግዜ ዓለም ናባታቶም መጺኣ ትርከብ ኣላ። ኣብዚ ኣብ መራኸቢታት ፈለግን ውቅያኖስን ኣሕጉራዉ ዋዕላ ምዝባዕ ኩነታት ኣየር (COP30) ይጅምር ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ጫፍ እቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ትሮፒካላዊ ዱር ዝካየድ ንኽልተ ሰሙን ዝወስድ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ክኸውን ኢዪ።

ልእምቲ እንስሳ ካፒባራ
ልእምቲ እንስሳ ካፒባራ

ይኹን እምበር ኣማዞን ንዅሉ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ዘሎ ሥነ ኣከባቢያዊ ሥርዓት እያ እትውክል፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ዝመክኽ በረድ ክሳዕ ዚጠፍእ መርጀን፣ ካብቲ ብደርቂ እተጠቕዐ ሳቫና ኽሳዕ ምዕልቕላቕ ማይ ዝመልአ ደልታታት ኢያ እተመልክት። ነዚ ኩሉ ምክልኻል ኪበሃል ከሎ፣ ንነፍሲ ወከፍ ኵርናዕ ዓለምና  ኣብ ትሕቲ ዝስዕብ ቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ምዕቋብ ማለት እዩ።

ንብራዚል ኣብ በለም ንኣሕጉራዊ ጉባኤ ምዝባዕ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር COP30 ምቕባል ዓሚቝ ምሳልያዊ ኩነት እዩ። ርእሰ ብሔር ሉላ ዳ ሲልቫ ነዚ ንዓለምለኻዊ ዋዕላ ኣብ ማእከል ምይይጥ ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ግቡእ ቦታኣ ኽትሕዝ ጻውዒት ኣቕሪባ ኣላ፣ እዚ ድማ ምዕቃብ ኣማዞን ዞባዊ ሓላፍነት ዘይኰነስ ዓለምለኻዊ ሓላፍነት ምዃኑ ዜዘኻኽር እዩ። እቲ ዋዕላ ነቲ ኣብ ስምምዕ ፓሪስ ዘሎ መብጽዓታት ናብ ጭቡጥ ስጕምቲ ኣብ ምትርጓም ዘተኰረ ክኸውን ኢዩ፣ ብፍላይ ከኣ ንኣከባብያዊ ዕቝባ ምስ ቍጠባዊ ፍትሒ ሚዛናዊ ንምዃን ዝጽዕሩ ሃገራት ከምኡውን ነዚ ፍትሒ እዚ ንምምጻእ ሓይልን ሃብትን ዘለወን ሃብታማት ሃገራት ዘጠቓልል ኢዩ።

እዚ ኣብ ዞባ ኣማዞን እተኻየደ ናይ መጀመርታ ዋዕላ COP ክኸውን ኢዩ፣ ኣቀማምጣኡ ምሳልያዊ እኳ እንተ ዀነ ጕዳያቱን ኣትኵሮኡን ግን ዓለምለኻዊ ክኸውን እዩ ።

ካብ ዕለት 10 ክሳዕ ዕለት 21 ሕዳር 2025 መራሕቲ ዓለም ነቲ ዚፍኖ መጠን ዝተበከለ ኣየር፣ ብኸመይ ከም ዝከላኸላን ገንዘባዊ ደገፍ ሥነ ኣከባቢያዊ ዕቃቤ ብኸመይ ከም ዜስፍሑን ከምኡውን ምስታ ድሮ ሙቐታ እና ወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ብኸመይ ከም ዝቃለሱ ኺመያየጡ እዮም። ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ወግዓዊ መናድቕ ግን ከአ ኣብ መላእ እታ ኸተማ ካብ ዝሕደር ጸዓት ክሳዕ ድሕንነት ምግብን ዕቝባ ውቅያኖስን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ጐድናዊ ፍጻመታትን መድረኻትን ክግበር ኢዩ። ሓደ ኻብቲ 

 ጸጥታ ህድኣት ዝሰፈኖ ዝርርብ ድማ ብዛዕባ ስነ ምግባራዊ ሓላፍነት ክኸውን ኢዩ። ኣብ ዕለት 7 ሕዳር ኣብ እተገብረ ኣኼባ፣ መራሕቲ ቀቅድሚ እቲ ጉባኤ COP30 ምኽፋቱ ንቅድስቲ መንበር ወኪሎም ዝነበሩ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ኣብ ዝለገስዎ መደረ "ሰላም ከተማዕብል እንተ ደሊኻ ብዛዕባ ተፈጥሮ ተጠንቀቕ" ዝብል መልእኽቲ ጳጳስ ልዮን መበል 14 ኣዘኻኺሮም። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንመራሕቲ ዓለም እንክዛረቡ ቅልውላው ኣከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ናይ ተክኖሎጂ ወይ ፋይናንስ ኩነት ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ፍትሕን ድሕንነትን ሕቶ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም - 'እቶም ኣብ ኣዝዩ ተነቀፍቲ ዅነታት ዘለዉ ብቐዳሞት ይሳቐዩ ኣለው' ብምባል ውን ኣጕልሑ፣ COP30 ድማ ኣብታ ድሮ ብኣከባብያውን ሰብኣውን ግጭታት 'ብሃልሃልታ ዝመልአት' ዓለም 'ምልክት ተስፋ' ክኸውን ጻውዒት ኣቕረቡ።

ደጋዊ ስእሊ ናይቲ COP30 ዝካየደሉ ህንጻ
ደጋዊ ስእሊ ናይቲ COP30 ዝካየደሉ ህንጻ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ  ኣብታ ስቡህ ኣንተ እተሰምየእት ዓዋዲት መልእኽቶም ዘካፈልዎ ሓሳባት ድማ ዘቃልሕ ኢዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከኣ ንፍጥረት ንምጥፋእ "ከምዚ ዝበለ መሰል የብልናን" ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ፣ ናይ ደቂ ሰብ ተፍባር ንምድሪ ምክንኻንን ምዕቃብን ማለት ንዓለምን ንነፍሲ ወከፍ ምሳና ዝነብር ፍጡርን ምክንኻን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ፦ ንዓለምና ምክንኻን ንሓድሕድና ኻብ ምክንኻን ዘይፍለ እዩ።

ኣብ ዚቕጽል ክልተ ሰሙን ልኡኻት ኣብ ከተማ በለም ብራዚል ኪእከቡ ኸለዉ፣ ዓለም ቃላትን ተግባርን ዜጣምር መብጽዓታት ክትከታተል፣ ነቶም ንኣካላት ዓለም ዜዕቍቡ ማሕበረሰባት ዝበጽሖም ገንዘብ ኪወሃቦም ክትጽሊ ከምኡውን ንህዝብን ዓለምን ዜኽብር ስምምዓት ኪህሉ ተስፋ ይገብር ኣሎ ክብሉ ኣመልከቱ።

ፈለግ ፕረታ ኣብ ኢጋራፐ አጉዋ
ፈለግ ፕረታ ኣብ ኢጋራፐ አጉዋ
11 Nov 2025, 11:08