ኣብ ናይጀርያ ልዕሊ 300 ተመሃሮ ካብ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ ተጨውዮም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሃገረ ናይጀርያ ካልእ ጃምላዊ ጭውያ ተፈጺሙ ይርከብ ኣሎ።
ኣብ ኣውራጃ ኣግዋራ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቅድስተ ማርያም፣ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ተመሃሮን መምህራንን በቶም ናይ ገጽ ጭምብል እተኸድኑ እጡቓት፣ ብሞተር ብሽክለታታትን ናይ ጽዕነት ማካይንን ዝኣተዉዎም ብሓይሊ ተጨውዮም ይርከቡ።
እታ ኣብ ምዕራባዊ ናይጄሪያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ኒዠር ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ኮማንዶ እተፈጸመ ጃምላዊ ጭውያ፣ እቲ ናይ መወዳእታ ዘሕዝን ፍጻመ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።
እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ግዝኣት ኬቢ 25 ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ድሕሪ ምጭዋየን፣ ብዕለት 18 ሕዳር ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ክዋራ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ኤሩኩ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙን ሓደ ሰሙን ጸኒሑ ዘጋጥም ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ እዩ።
ዋላ ሓደ ጉጅለ ነቲ ብለይቲ እተፈጸመ ተግባር ተሓታቲ ምዃኑ ዝገለጸ ወይ በጃ ዝሓተተ ሰብ ክሳብ ሕጂ የለን፣ እንተዀነ ግን ግብረ-ሽበራውያን ቦኮ ሓራም ብድሕሪኦም ከም ዘለዉ ርትዓዊ ኣመክንዮ ዘለዎ ይመስል።
ምላሽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፣ ነቲ ኣብ ናይጀርያ "ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝወርድ ግፍዒ" ክብል ዝጸውዖ ምላሽ ብምሃብ ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ግብረ መልሲ ከም ዝገብር ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እዚ ግብረ-ሽበራዊ ተግባር እዚ እንተ ዘየቋሪጹ፣ ንናይጀርያ ዝወሃብ ረድኤትን ሓገዝን ብኡንብኡ ከም ዘቋርጾ እውን ገሊጹ። መንግስቲ እታ ሃገር ግን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ክርስትያን ስደት ይወርዶም ከም ዘሎ ነጺግዎ ይርከብ ኣሎ፣ ኣብ ክንዳኡስ እቲ መጥቃዕትታት ሃይማኖታዊ መንነት ብዘየገድስ ንዅሎም ናይጀርያውያን ከም ዘጥቅዕ ዘሎ ኢዩ ገሊጹ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጕዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆናታን ፕራት ብግዲኡ፣ ዋሽንግተን ብሓገዝ ፔንታጎን ኣብ ናይጄሪያ እገዳ ንምውጻእን ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ስጕምትታት ክትወስድን ትሓስብ ከም ዘላ ገሊጸ።
"እዚ ውጥን እዚ ንሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ንምዕቋብ ተወሳኺ ጻዕርታት ንመንግስቲ ናይጀርያ ዝወሃብ ናይ ጸጥታ ሓገዝን ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉን ከምኡውን ሓበሬታን ሜመያን ብምክያድ ትምርምሮ ከም ዘላ ውን ገሊጹ።
ናይ ሕዘን መግለጽን ኵነኔን ካብ ሰበኻታት ናይጀርያ
"ኣብ ኣውራጃ ኣግዋራ ካብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቅድስት ማርያም ተማሃሮን መምህራንን ከም እተጨውዩ ዝገልጽ ዜና ብዓብዪ ሓዘን ኢና እንቕበል" ክብል ጸሓፊ መንግስቲ (ኤስኤስጂ) ግዝኣት ኒዠር ኣቡባካር ኡስማን ገሊጹ፣ ወሲኹ ድማ "ልክዕ ቍጽሪ እቶም እተጨውዩ ሰባት ገና ጽጹይ ሓበሬታ ኣይተረኽበን" ዘሎ በለ። ኡስማን ብምኽንያት እቲ ኣብቲ ኸባቢ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላስ ድሕንነት፣ መንግስቲ እቲ ኸባቢ ንጥንቃቐ ንዅለን ሓዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ንግዜኡ ክዕጸዋ ከም ዝኣዘዘ ገሊጹ።
"እቲ ዘሕዝን ግን ቤት ትምህርቲ ቅድስተ ማርያም ንሰበኻ ከይሓበረ ትምህርታዊ ንጥፈታቱ ቀጺሉ ይርከብ እዚ ድማ ንተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ኣብ ሓደጋ ንኽኣቱ ኣቃልዖም" ኢዩ በለ።
ሰበኻ ኮንታጎራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሰበኻዊ ጸሓፊ ጃታው ሉካ ጆሴፍ ኣብቲ ንትካል ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ፊደስ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሓደ ሰራሕተኛ ጸጥታ ኣብቲ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ጕድኣት ከም ዝወረዶ ገለጸ።
እቲ መግለጺ "ሰበኻ ኮንታጎራ ነቲ መጥቃዕቲ ኣበርቲዑ ይዅንኖ፣ ንድሕንነት እቶም እተጨውዩ ቘልዑን ስድራ ቤቶምን ድማ ዘለዎ ዓሚቝ ሻቕሎት ይገልጽ። ትካላት ጸጥታ ብኡንብኡ ሓበሬታ በጺሕዎም ይርከብ፣ እቶም ጅሆ እተታሕዙ ድማ ብደሓን ከም ዝምለሱ ንምርግጋጽ ምትሕብባርን ጻዕርታትን ጀሚሮም ኣለዉ።"
ግብረ ሽበራ ጂሃዳውያን
ኣብ ናይጀርያ ብጃምላዊ ጭውያ ደቂሰባት ብተደጋጋሚ ይፍጸም እዩ ዘሎ። ኣብተን ኣብ ማእከላይን ሰሜናውን ምዕራብ ዘለዋ ግዝኣታት እታ ሃገር፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎ ከባቢታት ኮይኑ፣ ሓደ ኻብተን ብነዳዲ ሃብታማት ዝዀና ሃገታት፣ መብዛሕትኡ ግዜ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር፣ ብሓፈሻ "ሸፋቱ" ኢሎም ዝጽውዕዎም ገበነኛታት ዕቱቓት ጉጅለታት እዮም ዝፍጽምዎ ዘለዉ።
ሰሜናዊ ኽፋል እታ ሃገር እውን ንኣስታት ዕስራ ዓመት ምስ ጂሃዳውያን ኣናዓብቲ ይቃለስ ኣሎ፣ እዚ ድማ ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ መግለጺ ድማ ኣስታት 40,000 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ ኽልተ ሚልዮን ድማ ተመዛቢሎም ይርከቡ።