ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብቲ ማእከላይ ሱዳን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ዓመጽ መዕቆቢ ይደልዩ ኣለ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን (RSF) ዝካየድ ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ኲናት ሓድሕድ፣ ድሮ ኣስታት 14 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ከም እተመዛበሉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ድማ ዓመጽ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ኩነታት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ኣባይቶም ሃዲሞም ክስደዱ ይርከቡ ኣለዉ።
እቲ ግጭት ኣብ 2023 ዓ.ም. ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣስታት 120,000 ሰባት ከም እተቐትሉ ውን ይግመት።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰሜናዊ ዳርፉር፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ግፍዕን ገበናት ኲናትን ዝገልጽ ዘስካሕክሕ ጸብጻባት ድሕሪ ምቕራቡ - ተቐናቐንቲ ዕጡቓት ሓይልታት (RSF) ንከተማ ኤል ፋሸር ድሕሪ ምቁጽጻሮም - ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ሰበ-ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ማእከላይ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልትታት ኣስታት 2,000 ሰባት ካብ መረበርቶም ተመዛቢሎም ከም ዘለዉ ገሊጾም።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ካብ ዝሓልፈ ዓርቢ ክሳዕ ሰንበት፣ ካብ ሓያሎ ኸተማታትን ኣቝሻትን ዞባ ሰሜናዊ ኮርዶፋን ይመዛበሉ ከም ዘለዉ የመልክቱ።
ኮርዶፋን ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉርን ኣብዚ ቐረባ እዋናት ሓደ ኻብቲ ማእከል ናይቲ ኲናት ኮይነን ኣለዋ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ኣብ ሃገረ ሱዳን ዘጋጠም ዘሎ ዓመጽ ውን ኰነንዎ፣ ብህጹጽ ተዅሲ ደው ክብልን ኣብ መንጎ ወገናት ዝርርብ መተሓላለፊ ሰብኣዊ ረድኤት ክኽፈት ከምኡውን ኣህጉራዊ ደገፍ ረድኤት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ትካላት ግብረ ሰናይ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ቅልውላው፣ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ህጹጽ ኵነታት ብምባል ኢዮም ዝገልጽዎ ዘለዉ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ቐጻሊ ዓመጻ ድማ ዓጸቦ ኣብ እተፈላለየ ዞባታት እታ ሃገር ንህይወት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት የስግእ ከም ዘሎ ውን የጠንቅቑ።
(ምንጪ፦ APን ካልኦት ትካላት ኣገልግሎት ዜናን)