ኣብ ሱዳን ዝያዳ ግፍዒ ከይፍጸም ስግኣት ህምህላዉ ይንገር ኣብ ሱዳን ዝያዳ ግፍዒ ከይፍጸም ስግኣት ህምህላዉ ይንገር  (AFP or licensors)

ኣብ ሱዳን ዝያዳ ግፍዒ ከይፍጸም ስግኣት ህምህላዉ ይንገር

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መላእ ዞባ ኮርዶፋ ኲናት እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ሱዳን ካልእ ማዕበል ግፍዒ ይፍጸም ምህላዉ የጠንቅቕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ኣብ መላእ ዞባ ኮርዶፋ ውግእ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ሱዳን ካልእ ማዕበል ግፍዒ ከምዘጋጥም ኣጠንቂቑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን፣ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን - ሰሜንን ዘጋጠመ ግጭት ልዕሊ 45 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ከም ዘገደደን ሓቢሩ፡ ንሰላማውያን ሰባት ብውሑስ መንገዲ ክሓልፉ፣ ሰራሕተይናታት ረድኤት ክሕለዉን ኣገልግሎት ናይ ስልኪ ርክብ ክምለስ ጸጻውዒት ብምቕራብ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ - RSF ኣብ ሰሜን ኮርዶፋን ንባራ ካብ ዝቆጻጸር ጀሚሩ፡ ቤት ጽሕፈት መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብውሕዱ 269 ሰላማውያን ሰባት ብደብዳብ ነፈርቲ፡ ተኹሲ መዳፍዕን ከም ዝተቐትሉ ዘረጋግጽ ሰነድ ከም ዘቕረበን፡ ቁጽሪ ናይ ዝተቐትሉን ዝተጎድኡን ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእልን፡ ምቁራጽ መርበባውን ናይ ስልክን ኣገልግሎት ጸብጻብ ንምቕራብ ከምዝዕንቅፍ እውን ይሕብር።

እቲ ቤት ጽሕፈት ሕነ ምፍዳይ ቅትለት፡ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ፡ ጭውያ፡ ጾታዊ ዓመጽን ህጻናት ከይተረፈ ናብ ውግእ ንምውፋር ዝድርኽ ግዱድ ምልመላን ዝምልከት ጸብጻባት ከም ዝተረኽበን፡

ሰላማውያን ምስ ተቐናቐንቲ ጉጅለታት ተሓባቢርኩም ብዝብል ክሲ ተኣሲሮም ከምዘለዉን እዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ተወሳኺ ዓመጽ ክፍጸም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ይውስኽ ምህላዊ ሓቢሩ፡ “ድሕሪ’ቲ ኣብ ኤል ፋሸር ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፍጻመታት፡ ኣብ ኮርዶፋ ኣብ ሓጺር ግዜ ክድገም ምርኣይ ብሓቂ ዘሰንብድ’ዩ። ዞባ ኮርዶፋ ካልእ ኤል ፋሸር ክኸውን ክንፈቅድ የብልናን” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መላእ ሰለስተ ግዝኣታት ኮርዶፋ ቀታሊ መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ ቢሉ፡ ዕለት 3 ሕዳር ኣብ ኤል ኦበይድ ኣብ ሓደ ናይ ሓዘን ዳስ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ - RSF ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 45 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ፣ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን እውን ሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 29 ሕዳር ኣብ ካውዳ ደቡብ ኮርዶፋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን (SAF) ብውሕዱ 45 ሰባት ከምዝሞቱ መብዛሕትኦም ሰላማውያን ሰባት ከምዝነበሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

05 Dec 2025, 15:18