Federal immigration officers at U.S. Immigration Court in New York City Federal immigration officers at U.S. Immigration Court in New York City 

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ስደተይናታት መመልከቲ ቅጥዒ ምሃብ ተቋጽ

ምምሕዳር ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሉስ ብዛዕባ ሃገራዊ ድሕንነትን ህዝባዊ ድሕንነትን ዘሎ ሻቕሎት ብምጥቃስ፣ ካብ 19 ኣውሮጳውያን ዘይኰና ሃገራት ንዝመጹ ስደተኛታት ዘቕረቦ ዝንበረ ናይ ስደት መመልከቲ ቅጥዒ፣ እንተላይ ንቀጠልያ ካርድን ዜግነት ኣመሪካን ንዝምልከት ደው ከም ዘበሎ ገሊጹ።

ዜና ቫቲካን

እቲ ናይ ኢሚግሬሽን መመልከቲ ቅጥዒ ደው ንምባል፣ ነቶም ኣብ ውርሒ ሰነ ብኸፊል ናይ መገሻ እገዳ እተገብረሎም፣ ካብ 19 ሃገራት ዝመጹ ሰባት ዝምልከት ኢዩ ዝነበረ፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ስደት ተወሳኺ ቀይድታት ዘምጽእ ኢዩ - ቀንዲ መዳይ እዚ ኩነታት ድማ ፖለቲካዊ መድረኽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

ዝርዝር ናይተን ሃገራት ድማ ኣፍጋኒስታንን ሶማልያን የጠቓልል።

እዚ ሓድሽ ፖሊሲ ዝገልጽ ወግዓዊ ምልክታ፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣኽበርቲ ጸጥታ እታ ሃገር እተፈጸመ መጥቃዕቲ ጠቒሱ፣ ሓደ ኣፍጋኒስታናዊ ከም ጥርጡር ተኣሲሩ ይርከብ። ኣብቲ ተዅሲ ሓደ ኣባል ሃገራዊ ኣኽባር ጸጥታ ተቐቲሉን ካልእ ድማ ብከቢድ ጕድኣት ወሪድዎን ይርከብ ኣሎ።

ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣንጻር ሶማልያውያ "ጐሓፍ" ኢሉ ብምጽዋዕ፣ "ኣብ ሃገርና ኣይንደልዮምን" ብምባል ተዛሪቡ ይርከብ።

ካብቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣኽባር ጸጥታ ዝወረደ መጥቃዕቲ ንነጀው ንዝበሎ እገዳታት ኣብ ሕጋዊ ስደት ከይተረፈ ዝያዳ ኣትኵሮ ከም ዝግበረሉ ዝሕብር ሃገራዊ ድሕንነት ኣብ ምውሓስ ንነበር ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ዝወሰዶ ፖሊሲታቱ ተሓታቲ ኣብ ምግባርን እውን ዘተኮረ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣመሪካ "ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንስደተኛታት ዚጸሉ ዘሎ እናማዕበለ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት" ከም ዜተሓሳስቦም "ፍሉይ መልእኽቲ" ከም ዘመሓላለፉ ዝዝከር ኢዩ።

መልእኽቲ ጳጳሳት እታ ሃገር "መሰረታዊ ኽብሪ ኵሎም ሰባት እንተላይ ንስደተኛታት ኣፍልጦ ክወሃቦ" ጻውዒት የቕርብ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ናይ ስደት ሕግታትን መስርሓትን "ትርጕም ዘለዎ ተሓድሶ" ክግበር ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ዝርዝር እተን ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝወጸ ናይ መንግስቲ ምልክታ ዒላማ ዝተገብረለን ሃገራት ኣፍጋኒስታን በርማ ቻድ ሪፓብሊክ ኮንጎ ኢኳቶሪያል ጊኒ ኤርትራ ሀይቲ ኢራን ሊብያ ሶማልያ ሱዳን የመንን እንክኾና፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣዝዩ ኸቢድ ናይ ስደት እገዳ ተገይሩለን ዝነበረን፣ ገለ ኻብዚኣተን ድማ ንሒደት ፍልይ ዝበለ መእተዊ ፍቓድ ምሉእ ብምሉእ ተኣጊደን ኢየን።

ካልኦት ኣብ ዝርዝር እተን ኣብ ወርሒ ሰነ ብኸፊል እገዳ እተገብረለን 19 ሃገራት ድማ፣ ቡሩንዲ ኩባ ላኦስ ሰራ-ልዮን ቶጎ ቱርክሜኒስታን ቬንዙዌላ ዝኣመሰላ ሃገራት እውን የጠቓልል።

እቲ ሓድሽ ዝወጸ ፖሊሲ ነቲ ዝቐረበ መመልከቲ ዝዓግትን፣ ኵሎም ካብተን እተጠቕሳ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ድማ "ንዅሉ ሃገራዊ ድሕንነትን ህዝባዊ ድሕንነትን ዜስግኡን ምሉእ ብምሉእ ንምግምጋም ቃለ-መጠይቕ ኪግበረሎምን፣ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ድማ ዳግማይ ቃለ-መጠይቕ ኪግበረሎም" ይእዝዝ።

04 Dec 2025, 10:16