ኣብ ስጳይና ናይ መንበሪ ፍቓድ ንስደተይናታት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ስጳይና ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ስጳይና ዝርከቡ ናይ መንበሪ ፈቓድ ዘይብሎም ስደተይናታት ናይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝህብ ኣዋጅ ከም ዘጽደቐ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ውሳነ እዚ ድማ ኣብ ካልእ ቦታታት ስደተይናታት ምስጓግን ምእሳርን ኣብ ዝዓብለለሉ ዘሎ እዋን፡ ጐሊሑ ዝረአ ኣብነታዊ ምርጫ ተባሂሉ ይግለጽ።
ኣብ ስጳይና፡ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት “ንዓመታት ኣብ ጽላሎት” ዝነብሩ ኮይኖም፡ ኣማያ ቫልካርሰል፡ ነቶም ካብ 500,000 ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዝግመቱ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዘይሕጋውያን ስደተይናታት፡ ሕጋዊ መንበሪ ምሃብ ማለት “ህላወኦም ኣፍልጦ ምሃብ” ከምኡ’ውን “ናብ ሕጋዊ ውሕስነት ዝወስድ ስጉምቲ” ምርግጋጽ ማለት ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘክየደቶ ቃለ መሕትት ገሊጻ፡ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ኣብ ስጳይና፡ ኣብ ከም ሕርሻ፡ ኣብ መእለዪ ኣረጋውያንን ህሙማንን፡ ህንጻን ስራሕ ገዛን ዝኣመሰሉ ዓውድታት፡ “መተካእታ ዘይብሉ” ስራሕ ከምዘካይዱ ኣስሚራ፡ ይኹን እምበር፡ ወግዓዊ ውዕላት ስራሕ ወይ መርበብ ድሕነት ብዘይምርካቦም፡ “ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ሓደጋ” ዝነብሩ ከም ዝኾኑ ተጒልሕ።
እቲ ውሳነ ግብረ ገባዊ እምበር ቁጠባዊ ጉዳይ ኣይኮነን
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንስደት ዝድግፍ ስነ - ሞጎት ቑጠባዊ ኣረኣእያ እዩ ዝማእክል፡ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ሓይሊ ዕዮ ኣበርክቶ ክገብሩን ብቕልጡፍ ዝኣረጉ ህዝቢ ጡረታ ክኸፍሉን ስደተይናታት የድልዮም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ መራሔ መግንስቲ ስጳይና ፔድሮ ሳንቸዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ “ቀዳማይን ኣገዳስን” ምኽንያት ናይቲ መንግስቱ ዘጽደቖ ኣዋጅ፡ ቁጠባዊ ዘይኮነስ ግብረ ገባዊ ምዃኑ ኣጽኒዑ የመላኽት። እዞም ስደተይናታት፡ ድሮ ኣካል ሕብረተሰብ ስጳይና ኮይኖም እዮም፡ ከምኡ ክሕሰቡ ይግባእ ይብል።
ሳንቸዝ፡ “ኣብ መዓልቲ ዕረፍቶም እቶም ስደተይናታት ኣብ መናፈሻታት፡ ናብ ቤት መግቢ ይኸዱን ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነት ስፖርቲ ዝነጥፉ ክነሶም፡ ክሳብ ሕጂ ግን “ዝለዓለ ትምህርቲ ክወስዱ፡ ግብሪ ክኸፍሉ፡ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ድሕነት ኣበርክቶ ክገብሩ ኣይክእሉን፡ እዚ ንመጻኢ ንሃገርን ማሕበረሰብን ብቐንዱ ድማ ንገዛእ ርእሱ ነቶም ስደተይናታት ሓደጋ እዩ።
ስደተይናታት “ንቁጠባ ከም ጠቓሚ ጸጋታት ጥራይ ክረኣዩ ከምዘይክእሉ” ዘጉልሕ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራውን ሰብኣውን መዳያት ምስዃዕ ኣድላዪ ምዃኑ ቫልካርሰል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ኣብሪሃ። ስደተይናታት “ንቁጠባ ከም ጠቓሚ ጸጋታት ጥራይ ጌርካ ናይ ምርኣይ ኣገባባት ብምቅዋም፡ ቤተ ክርስቲያን “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዕላማ እዩ”፡ ተሰካሚ “ዘይግሃስ ክብሪ” እምበር፡ “ንሓጺር ግዜ ድሌታት ዘገልግል መጋበርያ” ከምዘይኮነ ተዘኻኽረና ትብል።
ዝቕጽል ስጉምትታት
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ እቲ ነቶም ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ብምሃብ ሕጋውያን ምግባር "ውዱእ ፍታሕ ኣይኮነን - ቢላ - ኣብ መጀመርታ ንሓደ ዓመት ጥራይ ክጸንሑ ዘፍቕድ እዩ። እዚ ድማ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ናይ መንበሪ ፍቓድ እንታይ ከም ዝመጽእ ብዝምልከት ዘይርጉጽነት ይፈጥር - ቢላ - ስለዚ እዚ ሓድሽ ኣዋጅ እዚ ኣድላይነት ዓሚቝ መዋቕራዊ ጽገናታት ኣየወግድን እዩ። ካብቶም ኣድለይቲ ለውጥታት፡ ትብል ቫልካርሰል ምስቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ሕጊ ውህደትን፡ ድልዱል ሓለዋ ዕዮ፡ ብወሳኒ ድማ ንጹር መንገድታት ሕጋዊ ስደት ዝብሉ ትጠቅስ።
'ሲኖዳዊ - ዜግነታዊ ጽምዶ'
ኣብ መወዳእታ ቫልካርሰል ነቲ ብድሕሪ እቲ ስጕምትታት ዘሎ ውሳነ ናይ ሕጊ ዘቐይር መስርሕ እውን ከተጒልሕ እንኮላ፡ እቲ መንግስቲ ዘጽደቖ ሓድሽ ውሳነ ድሕሪ ልዕሊ 700,000 ክታም ብምእካብን ደገፍ ልዕሊ 900 በርገሳውያን ማሕበራትን ማሕበረሰብን ብምርካብ እዩ ተበጊሱ። ሳንቸዝ ኣብ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከም ዝሓበሮ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እውን ጎስጓስ ከም ዝገበረትሉ ዘነጽር እዩ።
ልዕሊ 17,000 ወለንተይናታት ማዕጾ ኳሕኲሖም ናብ መናብርተ ጥበብ ማእከላት ማሕበረሰብን ኣብያተ-ክርስትያንን ብምኻድ ምይይጥ ጀሚሮም፡ ነቲ ጥርዓን ኣብ ህዝባዊ ምይይጥ ክግበረሉ ዝድርኽ ዘድሊ ክታም ከም እተኣከበ ቫልካርሰል ኣዘኻኺራ፡ ካብ መላእ ሕብረተሰብ ስጳይና ዝመጹ ውልቀ - ሰባትን ውድባትን ብምትሕብባር እቲ መስርሕ – ቛንቋ ቤተ-ክርስትያን ብምጥቃም – ሓደ ዓይነት "ሲኖዳዊ ዜግነታዊ ተሳትፎ" ቢላ ብምግላጽ እዚ ድማ "ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ውልትውና ኣዚዩ ኣብ ዝረኣየሉን ምግምማዕ ዝነገሰሉ ኣብ ዝመስል እዋን ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ምዃኑ ዘሕጒስ እዩ” ቢላ ዝሃበቶ መግለጺ ትዛዝም።