ሕቡራት ሃገራት፡ ቅልውላው ቓዛ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን እስራኤል ሰለስተ ተልእኾታት ረድኤት ትዓግት ሕቡራት ሃገራት፡ ቅልውላው ቓዛ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን እስራኤል ሰለስተ ተልእኾታት ረድኤት ትዓግት 

ሕቡራት ሃገራት፡ ቅልውላው ቓዛ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን እስራኤል ሰለስተ ተልእኾታት ረድኤት ትዓግት

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሸሞንተ ሰብኣዊ ተልእኾታት ንምውህሃድ ከምዝፈተነን ካብዚኦም እቶም ሓሙሽተ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልየሉ በታ ከም ዝበጸሐ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ ዝተፈላለያ ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ ዝከታተላ ሸሞንተ ናይ ግብረ ሰናይ ተልእኾታት ከተሓባበሩ ከም ዝፈተኑን ብሰበ-ስልጣን እስራኤል ሓሙሽተ ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን ሰለስተ ተልእኾታት ድማ ከም እተነጸገ ይሕብር።

እቲ ኣብ ቓዛ ዝተበጽሐ ስምምዕ ደው ምባል ቶኽሲ ኣርባዕተ ወርሒ ከም ዘቑጸረን ሰበ-ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጽዎ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤት ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ከም ዘድሓነን ጥሜት ከም ዘጥፍኦን እኳ እንተ ገለጸ፣ እቲ ዅነታት ግን ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑን ዝገደደ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ተልእኾታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘጋጥም እገዳታት ብምምልካት፡ እዚ ነቲ ንጥፈታት ሰብኣዊ ሓገዝ ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመላኺቱ፡  ዳርጋ 1.5 ሚልዮን ሰባት ማለት ዳርጋ ኽልተ ኻብ ሰለስተ ፍልስጥኤማውያን ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ መእለይ ተመዛበልቲ ተዓቈይቦም ከም ዝለዉን ኣፍሊጡ፡ ብብዙሕ ኣማኢት ዝቝጸሩ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ዝዓነወ ህንጻታት ይነብሩ ከም ዘለዉን እዚ እውን ንኻልእ ዝተፈላለየ ሓደጋታት የቃልዕ ምህላዉ ኣረጋጊጹ፡ ትካላት ግብረ ሰናይ ነቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ህጹጽ ኩነታት ንዝርከቡ ኣገዳሲ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምቕራብ ይዓያ ከም ዘለዋን ኣብ ወርሒ ጥሪ ጥራይ ንልዕሊ 85,000 ስድራቤታት ዘድሊ ሓገዝ ከም ዘቕረባን እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ፍልስጥኤም ነቲ እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበረቶ ምስፋሕ ምምሕዳራዊ ቍጽጽር ኰኒኑ፡ እቲ እስራኤል እትስዕቦ ዘላ መገዲ ንጻዕርታት ሰላም ከቢድ ዕንቅፋት ምዃኑ ኣትሪሩ ብምምልካት፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ እስራኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምክፍፋል ስልጣን ዓብዪ ለውጥታት ዘምጽእ ውሳነ ከም ዘጽደቐን፡ እዚ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ብሽምግልና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተኸተመ ስምምዕ ኦስሎ ዘንብሮ መሰናድዎታት ዝቕርይ ከም ዝኾነን እዚ ስጕምትታት እዚ ንስልጣን እስራኤል ካብ ወተሃደራዊ ቍጽጽር ሓሊፉ ናብቲ ኣቐዲሙ ብፍልስጥኤም ዝመሓደር ዝነበረ ቦታታት እንኮላይ ናብቲ ኣብ ዞባታት ፍልስጥኤም ዝርከብ ናይ ምምሕዳር ከተማ ስልጣኑ ዘስፍሖ ኮይኑ፣ ብተወሳኺ እውን ነቲ እስራኤል "ታሪኻዊ ቦታታት" ቢላ እትጽውዖ ኣገደስቲ ነገራት ሃብቲ ማይን ኣከባብያውን ስነ-ጥንታዊ ሃብትን ንምቍጽጻር ሰፊሕ ስልጣን ዝህባ ከም ዝኾነ ናይ ከተማ ኬብሮን ምኽትል ከንቲባ ኣስማ ኣል ሻራባቲ ንረድዮ ብሪጣንያ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ፡ እቲ ሓድሽ ኣሰራርሓ ንሰበ-ስልጣን ፍልስጥኤም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ፍልስጥኤም ኣብ ዝኾነ ዞባ እውን ከይተረፈ ኣብ ውሳነታት ውጥን ምዕባለ ከይሳተፉ ዝገብር እዩ ትብል።

18 Feb 2026, 16:04