ኣብ ቓዛ በናጹ ዝመሓላለፍ ሕማም እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ይንገር ኣብ ቓዛ በናጹ ዝመሓላለፍ ሕማም እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ይንገር  (AFP or licensors)

ኣብ ቓዛ በናጹ ዝመሓላለፍ ሕማም እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ይንገር

ቓዛ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ምስ ዕንወት፡ ምምዝባልን ምፍራስ ስርዓታት ጽሬትን ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን፡ ሓኻይም ምስ ሰፊሕ ወራር ኣናጹ ዝተኣሳሰር እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ህጹጽ ኩነታት ህዝባዊ ጥዕና የጠንቅቑ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ምንጭታታ ሓበሬታ ማእከላይ ምብራቕ ተወኪሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቓዛ ኣባይቲ ስድራ ብሰንኪ እቲ ልዕሊ 75,000 ሰባት ዝቐተለ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ህዝቢ ዘመዛበለ ከምኡውን ዓብዪ ዕንወት ዘስዓበ ኲናት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ተኣፋፊ ናይ ሰላም ስምምዕ ድሕሪ ምርግጋጹ እውን ከይተረፈ ሓኻይም ካልእ ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ህጹጽ ኵነታት የጋጥሞም ከምዘሎን - ረኽሲ ዘምጽእን ነቲ ድሮ ዘሎ ሓደገይና ሰብኣዊ ቅልውላው ዜጋድዶን ዘስፍሖን ዘሎ ወረራ ኣናጹ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ከም ዝሓበሩን፡ ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ መጀመርታ 2026 ንነጀው ኣብ ቓዛ ልዕሊ 70,000 ሰባት ብጽግዕተይና ተህዋስን በናጹን ዚመሓላለፉ ሕማማት ከም ዝተጠቕዑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕና ከም ዝገለጽዎ እቲ ዝወደቐ ስርዓት ጽሬት ኣኽራን ፍርስራስ ፈሳሲ ጓሓፍን ከምኡውን ብብዝሒ ተመዛበልቲ ዘዕለቕለቝ መዓስከራት ስደተይናታት ሕማም ንምስፋሕ ምቹእ ኵነታት ፈጢሩ ኣሎ። ይኹን እምበር ካብ ትካላት ግብረ ሰናይ ብተደጋጋሚ መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህበ፡ እቲ ኣብ ጽንኩር ጸገም ዝርከብ ህዝቢ ቓዛ ኣብ ሓደገይና ኵነታት ብህይወት ንምንባር ይቃለስ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ቕልውላው ብዙሕ ኣህጉራዊ ኣቓልቦ ኣይረኸበን። ኣብ ቓዛ እትሰርሕ ሓኪም ንድሕንነታ ስማ ከይፍለጥ ዝሓተተት ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝርከብ ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ዝዓነወ ህንጻታትን ኣናጹ ብለይቲ ብናጻ ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ግዝያዊ መዕቈቢታት ክድቅሱ እተገደዱ ኣባይቲ ስድራ ዘጋጥሞም ዘሎ ፍርሂ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ተጠንቅቕ።

ዕንወት መሰረተ ልምዓትን ሕጽረት ህዝባዊ ኣገልግሎትን

እታ ሓኪም ኣስዒባ፡ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዕስለ ኣናጹን ጽግዕተይና ተህዋሳትን ምስ ዕንወት ትሕተ-ቅርጽን መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዘይምህላውን ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣፍሊጣ፡ ፍርስራስ ንምእላይ፣ ስርዓተ መእለይ ፈሳስን ደረቕን ጓሓፍ ናብ ንቡር ንምምላስ፣ ኣገልግሎት ጽሬት ንምምሕያሽን ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምሃብን ህጹጽ ኣህጉራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ኣቕሪባ፡ "ኣባይቲ ስድራን ህጻናትን ብኣናጹ ከይነኸሱ ስለ ዝፈርሑ ድማ ለይቲ ክድቅሱ ኣዝዮም ይፈርሑ፥ ድሮ እውን ዝተነኽሱ ሕክምና ዝሓተቱን ብዝተኻእለ መጠን እውን ክንክን ዝተገበረሎም ኣለዉ” ትብል።

ሰብኣዊ ረድኤት ትካላት፡ ዋላ’ኳ ሰፊሕ ስርሒት ውግእ እንተነከየ፡ ሰላማዊ ህዝቢ ቓዛ ኣብ ተስፋ ዝቖረጸ ኩነታት ተዓጽዩ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቐን እየን። ሰፊሕ ከባቢታት ድማ ዑና ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ተበጻሕነት ክንክን ጥዕና ኣዝዩ ድሩት ከም ዝኾነን፡ ሕጽረት መድሃኒት፡ ነዳድን ቀረብ ጽሬትን ድማ ንሰላማዊ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ከም ዘሎ ይሕብራ።

ተስፋ ንሕውየትን መጻእን

እቲ ነቲ ከባብን ህዝብን ዘድሊ ሕውየት ካብ ህጹጽ ሓገዝ ጥራይ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ - ቢላ - ልዕሊ ኩሉ ድማ ዝተረጋገጸን ቀጻልን ተኹሲ ደው ምባልን ሰላምን ክህሉ ድማ ተስፋ እገብር። ሓለዋ ከባቢ፣ ምሕዳስ ኣባይቲ ሕክምናን፣ ወፍሪ ኣብ ሰራሕተራሕተይናታት ክንክን ጥዕናን ዳግማይ ተበጻሕነት ትምህርትን ዘጠቓለለ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዳግመ ህንጸት ክግበር” ጻውዒት ኣቕሪባ፡ "እዚ ድማ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣማራጺታት ሓድ ኣይኮነን። ናይ ሓደ ተግባራዊ ስርዓተ ክንክን ጥዕና መሰረታት እዮም፣ ብዘይ እዚ ኣገደስቲ መሰረታት ድማ ሞት ክቕጽል እዩ። ዋላ እኳ እቲ ዕንወት እንተሃለወ መንእሰይ ወለዶ ቓዛ መጻኢ ሃገሮም እያቶም ብምባል ዝሃበቶ መግለጺ ከም ዝዛዘመት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 May 2026, 14:36