ቈልዑ ቓዛን ናይ ሰላም መልእኽቶምን

ኣብ ከተማ ሮማ ስነ ጥበባዊ ምርኢት፡ ዛንታ ኲናት ቃዛ ብዓይኒ ህጻናት ብዝተፈላለዩ ስእልታት፡ ግጥምታትን ብምስማዐ ርእየትን ተሰንዩ ከም ዝቐረበን እዚ ምርኢት እዚ ድማ ኣብ መንጎ ዕንወትን፡ ዝኽርን ናፍቖት መጻኢን ህልዉን ንሕሉፍን ዘስተንትን ዓሚቝ ጉዕዞ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ካብ ዕለት 14 ግንቦት ክሳብ ዕለት 28 ሰነ 2026 ሮማ ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ሜሩላና ዝቐርብ ምርኢት ቈልዑ ብኸመይ ይንቀሳቐሱ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝገበረን ቈልዑ ቓዛን ናይ ሰላም መልእኽቶም ዘቃልሕን ኣጠማምታ ቁልዑ ቓዛ ምስክርን ዝኽርን ዝኾነሉን፡ በዚ ከይተሓጸረ ድማ ክስማዕ ጻውዒት ምዃኑ ዘረጋግጽ  እዩ።

እዚ ስነ ጥበባዊ ምርኢት እዚ ናይ ባህልን ትምህርትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቡ ብዙሓን ጉዳያት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝድገፍ ኮይኑ፡  እቲ ምርኢት ነቶም ኣብ መንጎ እቲ ንመዓልታዊ ህይወት ዚቕይር ዘሎ ግጭት እናዓበዩ ዚኸዱ ዘለዉ ቘልዑ ክብረትን ምሕሳብን ንምምላስ ዝጽዕር ከም ዝኾነን። ይኹን እምበር ብዛዕባ ቈልዑ ቓዛ ዝዛረብ ምርእኢት እውን እንተኾነ መልእኽቱ ግና ኩላዊ እዩ። ምኽንያቱ ቈልዑ ኣብ ኮሉ በታታት ስለ ዝርከቡ።

ድልድላት ምህናጽ

“ነፍሲ ወከፍ ውግእ ኣንጻር ህጻናት ዝካየድ ውግእ እዩ”: እዚ ድማ እቲ ንሕጻናት ዝሓልይ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ዝመርሕ መትከል እዩ። ስለዚ ንቕሓት ንምዕባይ ዝሕግዝ ኮይኑ ኩነታት ህጻናት ቓዛ ኣድማሳዊ መልእኽቲ ሰላም፡ ምስማዕን ሰብኣውነትን ብምትሕልላፍ መራኸቢ ድልድል ንኽህነጽ ዘተባብዕ እዩ፡ ቈልዑ መብዛሕትኡ ግዜ ግዳያት ናይቲ ክጻወሩዎ ዘይመረጹ ክውንነት እዮም - ክውንነትን መጻእን ተስፋን ህጻናት ማእከል ምግባር መገዲ ሰላም ምስዓብ ምዃኑ ዘረጋግጽ ምርኢት እዩ።

ብዓይኒ ህጻናት

እቲ ብዓይኒ ህንጻናት ዝቐርብ ታሪኽ ኲናት ናይ ኲናት መዓት ጥራሕ ዝገልጽ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ስቡር ኵነታት ዘሎ ሓይሊ ህይወት ዝሕብር እዩ።  እቲ ምርኢት ቃላት ወይ ድማ ስምዒታዊ ኣይኮነን ክውንነት ብስእሊ ዘቕርብ። እቲ ታሪኽ ቈልዑ ነንሕድሕዶም ብኸመይ ይራከቡ: ሕልምታቶም እንታይ ምዃኑ: ካብ ገዛእ ርእሶም ኣዝዩ ዝዓቢ ክውንነት ክገጥሞም እንኮሎ ስምዒታቶም ከይተረፈ ብኸመይ ይዓብጥዎ ኣብ ውሽጦም ከም ዝቐብርዎ” ዘነርጽር ኮይኑ በዚ ኸምዚ ንእስነት ንህሉው ንምትርጓም መረጼን ይኸውን።

ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ማእከል

ኣቀራርባ እቲ ምርኢት ነዚ ስምዒታዊ ወጥሪ ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ጽልዋን ቅርበትን ኣብ መንጎ ውልቃዊ ተመኩሮን ሓባራዊ ሸነኽን ቀጻሊ ዘተ ዝርእይ፡ ክብሪ ወዲ ሰብ ኣብ ኣቓልቦ ህዝቢ ማእከል ዝኾነሉ ሃዋህው ኣብ ምፍጣር ኩሉ ኣበርክቶ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኵሉ ዘበራብር እዩ።

ብዙሕነት ድምጽታት

ጎኒ ጎኒ እቲ ዝቐረበ ምስልታት ኣሳእልን ምስማዐ ርእየትን፡ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ክሳብ ሕጂ ብህጻናት ቓዛ ዝተጻሕፉ ጭቡጥን ሓቀይናን ናይ ህይወት ግጥሚ እዩ፡ ቃላት ነቶም ስእልታት ይገልጹን የሰንዩን፡ ብተወሳኺ ቦታታት ዝኽርን ፍርሕን ናፍቖትን ዝኸፍት ህብረ ድምጺ ይፈጥር። ኣብ ልዕሊ እዚ ስእልታት ነቲ ካብ ምጅማር እቲ ግጭት ክሳብ ሎሚ ኣብ ቃዛ ዝተመኮሮ ክውንነት ካብ ውሽጢ ዝሰነደ ኮይኑ፡ ነቲ ምርኢት ብዓይኒ ዝርአ ዛንታ ብዝያዳ ይገልጽ።

ስነ-ጥበብ ከም ምሳልያዊ መግለጺ

እቲ ምርኢት ስነ ጥበብ ከም ምሳልያዊ መግለጺ ገይሩ ዘቕርብ፡ ኣበርክቶኡ ዝያዳ ምሳልያውን ቅዲ ዘለዎን ስእላዊ ቋንቋ ዘተኣትትው ኮይኑ፡ ንመገዲ ምርኢት ዘየቋርጽ ግን ከኣ ስምዒታዊ ድምጹ ዘሐይል እዩ።

ንኽትሰምዕ ዝሕግዝ ቦታ

እዚ ምርኢት ምስልታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣቓልቦን ምስማዕን ንምንቃሕ ዝተዳለወ ቅያዊ ሃዋህው እዩ -  “ክውንነት ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ዘቕርብ፡ ብፍላይ እቲ ክውንነት ኣብ ኣዒንቲ ቆልዓ፡ ዝጥምታኻን ዋላ ብዘይፍላጥ፡ ንኹሉ ኣብ ውሽጦም ዘርድኣን ኣዒንቲ ምስ ዝህልዋ፡ ንርእስኻ ቅድሚ ህያዋን ፍጡራት፡ ኣማራጺ ዘይብሎም ቆልዑ ከም እትረክብ ዝገብር ንሓደ ኩነታት ጥራይ ኣይኮነን ዝገልጽ፤ ነቲ ኩነታት እቲ ዝዕዘበሉ ኣገባብ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ኮይኑ፡ ብመንጽር ቁልዕነት ኣቢሉ እዩ ዘቕርቦ፡ ብተወሳኺ ንበጻሕቲ ዘሰንይ ምዕባይ እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሓደ ዓቢይ ሕቶ ዘቕርብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

15 May 2026, 14:53