LEBANON-ISRAEL-IRAN-US-WAR LEBANON-ISRAEL-IRAN-US-WAR  (AFP or licensors)

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሊባኖስ ኣስታት 60 ህጻናት ተቐቲሎምን ቆሲሎምን ከም ዘለዉ ተገሊጹ

እቲ ባዕባ ህጻናት ዝሓሊ ማሕበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሊባኖስ እንተ ወሓደ 59 ቈልዑ ተቐቲሎምን ካልኦት ድማ ከም ዝቖሰሉ ኣመልኪቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብዕለት 17 ሚያዝያ 2026 ተዅሲ ደው ንምባል እኳ እንተ ተሰማምዑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሊባኖስ እንተ ወሓደ 59 ቈልዑ ከም እተቐትሉ ካልኦት ድማ ከም ዝቘሰሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ህዝባዊ ጥዕና ሊባኖስ ብወገኑ ከም ዘመልከቶ፣ እቲ ተዅሲ ደው ካብ ዝብል ኣትሒዙ እንተ ወሓደ 23 ቈልዑ ሞይቶም 93 ድማ ቈሲሎም ይርከቡ ኣለዉ።

ካብ ዕለት 2 መጋቢት ንነጀው ብድምር 200 ቈልዑ ከም እተቐትሉ፣ 806 ድማ ከም ዝቘሰሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ዩኒሴፍ ከም ዝገለጾ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዳርጋ 14 ቈልዑ ይሞቱ ወይ ከቢድ መጉዳእቲ ይወርዶም ኣሎ።

እቲ ትካል ኣስዒቡ፣ ኩሎም ወገናት ንቘልዑ ከዕቍቡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩን ከምኡውን እቲ ተዅሲ ደው ንምባል ኣድላዪ ዝኾነ ስጕምትታት ክወስዱ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ዞባዊ ዳይረክተር ዩኒሴፍ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኤድዋርድ በይግበደር ከም ዝገለጾ፣ ቈልዑ "ናብ ኣባይቲ ትምህርቶም ክምለሱን፣ ምስ ኣዕሩኽቶም ክጻወቱን ከምኡውን ካብቲ ንኣዋርሕ ዝኣክል ዝጸንሐ ፍርህን ህውከትን ክወጹ ኣለዎም ኣለዎም" በለ።

"እቲ ሓቂ ግን ኣዝዩ እተፈልየ ምዃኑ የረጋግጽ ኣሎ" ክብል ወሲኹ፣ "ቀጻሊ መጥቃዕትታት ንቘልዑን ህጻናትን ይቐትልን ይጐድእን ኣሎ፣ ንበሰላ እተቓልዑ ድማ የጋድዶን ኣብ ምሉእ ህይወቶም ክቕጽል ዝኽእል ኣዕናዊ ሳዕቤን ድማ ይገድፈሎም ኣሎ" ክብል የጠንቅቕ።

ዩኒሴፍ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፣ 770,000 ቈልዑን ህጻናትን ብተደጋጋሚ ዓመጽን ጭቅያን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምምዝባልን ብምቅላዕ ዝገደደ ጭንቀት የጋጥሞም ኣሎ ክብል የመላኽት።

እቲ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ፣ ቈልዑን ኣለይቲ ሕሙማትን ምስ ዜሰምብድ ውጥረትን ሓዘንን ዚተሓሓዝ ዝኽእል ምልክታት ከም ፍርሂ፡ ዘባህርር ሕልምታትን፡ ድቃስ ምስኣን፡ ተስፋ ቍርጸትን ዝኣመሰለ ምልክታት ኣብ ጸብጻቡ ዘመላኽት። ብዘይ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ስነ-ኣእምሮኣዉን ማሕበራዉን ደገፍ፣ ብዙሓት ቈልዑ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ኬጋጥሞም ከም ዚኽእል እውን የጠንቅቕ።

ዩኒሴፍ ኣብ መወዳእታ፣ ቈልዑ ካብ ሳዕቤን እቲ ግጭት ንኽወጹ ንምሕጋዝ፣ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ኣገልግሎትን ህጹጽ ወፍሪ ከም ዘድሊ ገሊጹ።

19 May 2026, 09:58