ሓድሽ ጸብጻብ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም’ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ደቡብ ሱዳን ሓድሽ ጸብጻብ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም’ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ደቡብ ሱዳን 

ሓድሽ ጸብጻብ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም’ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ደቡብ ሱዳን

ካብ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘይ ኣፈላላይ ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽ፡ ግዱድ ዕስክርና፡ ከምኡ’ውን ኮነ ኢልካ ትካላት ጥዕና ዒላማ ዝገብር ምዃኑ ኣነጺሩ ብምኹናን፡ ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ሓደ ዓመት ጥራይ 762 ሽሕ ሰባት ብዘይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከም ዝተረፉ የረጋግጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባይቲ ሕክምና ብቦምባታት ተደብዲበን፡ ዓድታት ተቓጺሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚጸን፡ ቆልዑ ብሓይሊ ክዕስክሩን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ብዘይ መግብን ማይን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ክም ዝመዛበሉን ዘረጋግጽ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ዕለት 19 ግንቦት ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ የቕርብ።

ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝፍጸም መጥቃዕቲ

ብመሰረት እቲ ትካል፡ ካብ መጀመርታ 2025 ክሳብ ሚያዝያ 2026 ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ትሕተ ቅርጺ ክንክን ጥዕናን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብምውሳኹ፡ ኣስታት 762 ሽሕ ሰባት ብዘይ ክንክን ጥዕና ከም ዝተረፉ፡ ማሕበር ዶብ ኣልቦ ሓኻይም - MSF ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብ ልዕሊ ሰራሕተይናታቱን መሳለጥያታቱን ብውሑዱ 12 ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን፣ እዚ ድማ ምዝማትን፣ ጭውያታትን ምፍንጃር ቦምባታትን ዘጥቓልል ኮይኑ፡ "ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝብን ኣባይቲ ሕክምናን ከቢድ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ'ዩ" እንክብል ኣስሚሩ፡ ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ወገናት ንህዝቢ ምክልኻልን ውሑስ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝን ከረጋግጹ ጻውዒት የቕርብ።

ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ዝርከባ ኣባይቲ ሕክምና

በቲ ዓመጽ ዒላማ ዝኾኑ ሰላማዊ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስርዓት ክንክን ጥዕና እውን ዒላማ ናይቲ ግጭት ኮይኑ ኣሎ። እቲ ብዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ዝድገፍ ቤት ሕክምና ጥንታዊ ፋንጋክ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2025 ብሓይልታት መንግስቲ ከም እተደብደበን፡ ቤት ሕክምና ላንኪን፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2026 ከም እተደብደበን፡ ካልኦት ትካላት ክንክን ጥዕና፡ እንኮላይ እተን ኣብ ኡላንግ፡ ፒየሪን ኣኮቦን፡ ብዕጡቓት ጉጅለታት ከም እተዝመተን፡ ውጽኢቱ ድማ ኣብቶም ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ከባቢታት ሕክምናዊ ክንክን ቀስ ብቐስ ምፍራሱ ኮይኑ፡ ካብ ጥሪ 2025 ጀሚሩ፡ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣብ ሓያሎ ዞባታት እታ ሃገር፡ እንተላይ ኣብ ጆንግለይ፡ ላዕለዋይ ናይል፡ ከምኡ’ውን ማእከላይ ኢኳቶርያ፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ 16 ሰባት ምስ ዓመጽ ዝተኣሳሰር መጉዳእቲ ከም ዝሓከመን እቲ ጸብጻብ ብንጹር እቲ ኩነታት ከም ዝገደን ኣብ 2025 138 መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክም እተመዝገበን ይሕብር። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ቁጽሪ ናትዮም ብዶብ ኣልቦ ሓኻይም ዝተሓከሙ ሰባት ብ77% ወሰኽ ከም ዘረኣየ የረጋግጽ።

ጥሜት፡ ምምዝባልን ጾታዊ ዓመጽን

እቲ ጸብጻብ ካብ ዝሃድሙ ሰላማውያን ሰባት ብዙሕት ዝሃብዎ ምስክርነት ዝሓዘ ኮይኑ። ብፍላይ ድማ ብዝሒ ጾታዊ ዓመጽ ዘሰክፍ እዩ። ኣብተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ኣዋርሕ 2026 ጥራይ፡ 885 ካብ ዓመጽን ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕትን ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ዘድሊ ሕክምናው ሓገዝ ከም ዝሃበ ኣብቲ ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ ተመልኪቱ ኣሎ።

ምትዕንቓፍ ሰብኣዊ ሓገዝ

ዶብ ኣልቦ ሓኻይም እውን ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምንቁልቋል ሰብኣዊ ኩነታት ኮኒኑ፡ ብመሰረት ሓላፊ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ተልእኾ ዛካርያ ምዋትያ፡ ዘይውሕስነት፡ ድሩት ተበጻሕነትን "መሳለጥያታት ምትእትታው ሓገዝን" ሰብኣዊ ትካላት ናብቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ህዝቢ ከይበጽሕ ይገብር ከም ዘሎን፡ ተጻባእቲ ውድባት፡ ሓገዝ ከም ፖለቲካውን ወተሃደራውን መጋበርያ ብምጥቃም፡ ናብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ከቕንዕዎ ከም ዝረኣይን፡ እቲ ቅድሚ ዓመታት ዝጀመረ ግጭት ደቡብ ሱዳን ካብ 2025 ጀሚሩ ብሓይሊ ዝተወልዐ፡ ሕጂ ብብሄራውን ዞባውን መስመራት ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ምልሻታትን ምሕዝነታትን ዝሓቖፈ ዝተበታተነ ከባብታት ዘጠቓልል እዩ። እዚ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ኲናት ብፍላይ ነቲ ኣብ መንጎ ዓመጽን ጥሜትን ስእነት ምክልኻልን ተዓጽዩ ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ዘለዎ ጽልዋ ይቕጽል ምህላዉ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ የረጋግጽ።

20 May 2026, 14:38