2026 ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ሰላም፡ ኣብ ሰላም እምበር ኣብ ውግእ ወፍሪ ክንገብር የብልናን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንዝሓለፉ ዓሰርተ ክልተ ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም ሰላም እናተበላሸወ ከም ዝመጸን: ዝያዳ ሃገራት ኣብ ግዳማዊ ግጭታት ተዋፊረን ከምዘለዋን፡ ኣብ መንጎ 2018ን 2025ን ቁጽሪ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ልዕሊ 11,500% ወሰኽ ከም ዘርኣየን: ካብ 2007 ጀሚሩ ድማ ቁጽሪ ኣብ ውሽጣዊ ውግእ ዝሞቱ ሰባት ብሽዱሽተ ዕጽፊ ክብ ከም ዝበለ ሳላ ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ሰላም ክፍለጥ እንከሎ። ኣካል ተቕዋም ስነ-ቑጠባን ሰላምን ዝኾነ መስራትን ፈጻሚ ኣቦ መንበርን ስቲቭ ኪለሊያ፡ ሰባት፡ መንግስታትን ሃገራትን ኣብ ዓለም ንሰላም ብጭቡጥ ክሰርሑ ዘድልዮም ሓበሬታ ንምሃብ ኣሚቱ ነዚ መዓቀኒ እዚ ዝፈጠረ፡ "ገለ ሰባት እዚ ንምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይግረሙ። ንሓደ ነገር ክትዕቅኖ እንተዘይክኢልካ ግን ብሓቂ ክትርድኦ ትኽእል ዲኻ?"፡ እንክብል ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ ምግለጺ የስተብህል።
ከመይ ጌርካ ትፈልጥ?
ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2007 ዝተጀመረ ዓለማዊ መዐቀኒ ሰላም (GPI) ኣብ ዓለምና ንመዐቀኒ ዓለማዊ ሰላም ዝምልከት ኣገዳሲ መጽናዕቲ ዝገብር ኮይኑ። ሰለስተ ምድባት ኣኪቡ ምሉእ መዐቀኒ ይፈጥር- ወተሃደራዊ ምትእስሳር፡ ቀጻሊ ግጭት፡ ከምኡ’ውን ውሽጣዊ ድሕነትን ጸጥታን።
ቅድሚ ዓለማዊ መዐቀኒ ሰላም (GPI) ንሃገራት ብሰላም ዝዝርዝር ደረጃ ዝሓለወን ኩለመዳያዊ መዐቀኒ ኣይነበረን። እዚ ግቡእ መለክዒ እንተዘይሃልዩ፡ ተግባርካ ዕላማኻ ንምዕዋት ወይ ይሕግዝ ድዩ ይዕንቅፍ ብኸመይ ትፈልጥ? ስለዚ በዝይ መዓቀንታት ክትፈልጥ ዝክኣል ኣይኮነ" ይብል።
ኣብ ዝዓበየ ነገር ወፍሪ ምግባር
ልኡከ መግንስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ቅድስቲ መንበር ኪት ፒት ዕለት 22 ሰነ ኣብ ሮማ ናይ 2026 ዓለማዊ መዐቀኒ ሰላም (GPI) ንምቕራብ ኣብ ዘዳለወሉ እዋን ኪለሊያ ኣብ ዝሓለፈ 19 ዓመታት ናይ ዓለማዊ መዐቀኒ ሰላም (GPI) ኣገዳሲ ዕዮ ከም ዘጒለሐን፡ ጭብጥታት ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ግጭታት ከምዝወሰኸ ዝገልጽ ኮይኑ፡ እቲ መስራቲ ድማ ውግኣት ብኸመይ ከምዝዛዘሙ ለውጢ ከምዘርኣየ ኣመልኪቱ። ኣብ ሰብዓታት 23% ብስምምዕ ሰላም ኣብ ምዝዛም በጺሑ። ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ 2010ታት እዚ ናብ 4% ከም ዝወረደ ይሕብር። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ ስለምንታይከ ሎሚ ኣብ ዓለም ብዙሕ ግርጭታት ኣሎ? ክሌለያ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሕቶ ብምቕራብ፡ ብርክት ዝበሉ "ዝጸንሑ፡ ንኣሽቱ ናይ ደረጃ ግርጭታት" ከምዘለዉን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ዓበይቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉን ኣስተብሂሉ፡ "እቲ ግርጭታት ደው ከነብሎ እንተዘይክኢልና፡ ብስነመጎት ቁጽሮም ክዓቢ እዩ - ቢሉ - ሓደ ኻብቲ ሎሚ ኣብ ኲናት ዚዝውተር ዝነበረ ኣጽዋር ምስቲ ቕድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረ ኺነጻጸር ከሎ ብቐዳምነት ሰብ ኣልቦ ነፍርቲ ይጥቀስ። እዚ ኣጽዋር እዚ እዚ ኸኣ ግጭታት ካብቲ ዓለም ክትቅጽሎ እትኽእል ንላዕሊ ቐልጢፉ ዚካየደሉ መገዲ ቐዪርዎ እዩ። ንድሕሪት ምእንቲ ከይተንቆልቁል መንግስታት "ግጭት ኣብ ቍጠባኦምን ኣብ ዜጋታቶምን ከምኡውን ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ እንታይ ጽልዋ ኸም ዜሕድር ብጥንቃቐ ኺምርምሩ" ከም ዜድሊ የጒልሕ።
ብተወሳኺ ካብ 0.1 - 1 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ውትህድርና ዝወጽእ ገንዘብ ጥራይ ኢዩ ንምህናጽ ሰላም ዝውዕል - ቢሉ - ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ነቲ ዕላማ ንምውቃዕ ዜድሊ ግዜ ኻብ ሓደ መዓልቲ ናብ ካልኢት ክንክይ ገይሩ እዩ።
ጸገም ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ስነ - ምግባራዊ እዩ። ብዘይ ሰብኣዊ ቍጽጽር ናይ ምቕታል ክእለት ይህባ። እዚ እደ ጥበብ እዚ ንሰብኣዊ መዳይ ኲናት የወግዶ እዚ ድማ ሓደ መፍትሕ ብምትንካፍ ጥራይ ህይወት ካልእ ሰብ ንምቕታል ዝቐለለ ይገብሮ። ብዘይ ሰብኣዊ ጣልቃ ምእታው ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምትላል ድዩ ፈጢሩ ወይ ናይ ሓሶት ኣወታዊ ምዃኑ ዝፍለጥ መንገዲ የለን" እንክብል ኣጠንቂቑ፡ እዚ ማለት ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ክኾኑን ህይወት ክዓኑን ይኽእል ማለት እዩ።
መንግስታት ሰላም ንምምጻእ ብኸመይ ሕብረት ከም ዚፈጥሩ ኺፈልጡ ኸም ዘለዎም ገሊጹ። መስራቲ ተቕዋም ቍጠባን ሰላምን ከም ዝገለጾ መፍትሕ እዚ ዅሉ "መንግስትታት ኣብ ውግእ ወፍሪ ክትገብሩ ይኽእሉ እዮም እዚ ግን ሰላም ኣይፈጥርን እዩ። ሰባት ኣብ ሰላም ምስ ዘዋፈሩ ሰላም ክርከብ ይከኣል።
ነዚ ንምፍጻም ሰለስተ ጭቡጥ ማለት ቀዳማይ ዝያዳ ስነ ሜላዊ ክሌዋዊ ርክብ። ካልኣይ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ግጭታት ክንፈትሖ ኸለና ቅሬታታት ክንርድኦን ክትፈትሖን ዘለዎ ኣገዳስነት። ሳልሳይ ንመነባብሮ ሰባት ምምሕያሽ ዝብሉ መገድታት ኣቕሪቡ፡ "ሰባት ኵነታት መነባብሮኦም ክመሓየሽ ምህላዉ እንተ ርእዮም ንመንግስቲ ክዋግኡ ወይ ክግልብጡ ድላይ የብሎምን” እንክብል የረጋግጽ።
ኣዳማሳዊ ተስፋ
ይኹን እምበር እቲ ሓበሬታ ወይ ጭብጥታት ኣብ መወዳእታ እቲ መትረብ ብርሃን ከም ዘየለ ዚሕብር ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ተስፋ ኸም ዘሎ ዘጒልሕ እዩ። ተስፋ ደቅሰብ ኵላትና ብዑደታት ስለ እንሓልፍ ብዙሓት ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ንገዛእ ርእሰን ዘይትንከፋ ምዃነን ዝኣምናሉ ዝነበረ ቦታ ከም ዘይኰና ክግንዘባ ብምኽኣለን ተስፋ ክንረክብ ንኽእል ኢና ኢለ እኣምን።
ሎሚ ዘላ ዓለም ልኡኻት ሰላም ከም ዘድልያ ኣስተብሂሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰላምን ምይይጥን ዓመጻ ደው ንምባልን ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ ሰላም ኣብ ምምጻእ ጭቡጥ ግደ ኣለዎ።
"ኣብዚ እዋን እዚ ነብያት ሰላም የድልዩና ኸም ዘለዉ እኣምን እየ። ከም ዳላይ ላማ ዴዝሞንድ ቱቱ ኔልሰን ማንዴላ ዝኣመሰሉ ናይ ቀደም ሰባት ሕጂ ምሳና የለዉን። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ በትሪ እዚ ኼልዕልዎ ኸም ዚኽእሉ እኣምን እየ ስለዚ ብሓቂ ነብዪ ሰላም ክኾኑ ድማ ምሉእ ብምሉእ ከተባብዖም እደሊ” እንክብል መስራቲ ተቕዋም ቁጠባን ሰላምን ስቲቭ ኪለሌያ ንዜና ቫቲካን ዝሃቦ መግለጺ ይዛዝም።