ሃይቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ 1.5 ሚልዮን ተመዛቢሎም 1,600 ሰባት ድማ ተቐቲሎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሃገረ ሃይቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ጸጥታን ሕንፍሽፍሽን ብዘይምቍራጽ ይቕጽል ኣሎ። ብመሰረት ፍሉይ ተወካሊ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃይቲ ካርሎስ ሩዊዝ ማሲዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ዓመጽ ሸፋቱ ካብ ኣባይቶም ኪሃድሙ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ እንተ ወሓደ 1,600 ሰባት ተቐቲሎም ይርከቡ።
ገበነኛታት ጕጅለታት ነታ ርእሰ ኸተማ ይቈጻጸርዋ ኣለዉ
ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ኢንፎባይ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ካብ 10,000 ክሳዕ 15,000 ኣባልነት ዘለዎም ገበነኛታት ጕጅለታት፣ ኣብ ልዕሊ ካብ 70 ክሳዕ 75 ሚእታዊት ሕዝቢ ናይታ ርእሰ ኸተማ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ጽልዋ ወይ ቍጽጽር ከም ዘለዎም ገሊጹ። ሩዊዝ ማሲዩ ከም ዘመልከቶ፣ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንተልእኾ ጸጥታ ኣህጉራዊ ደገፍ እኳ እንተ ኣመልከተ፣ ኣብታ ሃገር ርግኣት ንምምላስ ኣብ ድሕንነትን ፍትሕን ምዕባለን እተተሓሓዘ ስጕምትታት ከም ዘድሊ ደጊሙ ገለጸ።
ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ግን ከኣ ብዓቢኡ እተረስዐ ቅልውላው
ሃገረ ሃይቲ እንተ ወሓደ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ርእሰ ብሔር ጆቨነል ሞይስ ካብ ዝቕተል ኣትሒዛ፣ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ኣጋጢምዋ ኣሎ። ካብ ሽዑ ንነጀው ዕጡቓት ሸፋቱ ቍጽጽሮም ብቐጻሊ ኣስፋሕፊሖም ይርከቡ፣ ትካላትን መሰረተ ልማትን ኣድላዪ ኣገልግሎታትን እታ ሃገር ድማ ከም ዘቋርጽ ገይሮም ኣለዉ።
ብመሰረት ባንክ ዓለም ቍጠባ ሃገረ ሃይቲ ኣብ 2025 ንሻውዓይ ዓመት ብተኸታታሊ ነክዩ ይርከብ፣ ሓቀይና GDP ብ2.7 ሚእታዊ ነክዩ ኣሎ፣ ብገምጋም ዋጋ ክብሪ ዕዳጋ ድማ ናብ 28.3 ሚእታዊት ደዪቡ ይከብ። ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ክቱር ድኽነት ይነብር ኣሎ፣ ኣብ መዓልቲ ብትሕቲ ሰለስተ ዩሮ ድማ ይነብር ኣሎ።
ናይ 2026 ዓ.ም. ትጽቢት ከአ ኣዝዩ ዘይተረጋገጸ እዩ። ኣህጉራዊ ገንዘባዊ ማዕከን ቍጠባ ተወሳኺ 1.7 ሚእታዊት ክንኪ ኸሎ፣ ቍጠባዊ ቕልውላው ቍሩብ ኪንኪ ትጽቢት ዝግበረሉ እኳ እንተ ዀነ፣ ናይ 23.5 ሚእታዊት ቅልውላው ከም ዘጋጥሞም ድማ ትጽቢት ይግበረሉ።
እናዓነወ ዝኸይድ ዘሎ ዅነታት ጸጥታ
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ እቲ ናይ ጸጥታ ዅነታት እታ ሃገር እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2025 ልዕሊ 5,500 ሰባት ተቐቲሎም፣ ልዕሊ 2,600 ድማ ቈሲሎም ይርከቡ ኣለዉ። ብመሰረት እቲ ኣብ ሃይቲ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ፣ ኣብ 2026 እቲ ዘይምርግጋእ ድሮ እንተ ወሓደ 1,642 ሰባት ቀቲሉ፣ 745 ሰባት ድማ ቈሲሎም ከም ዘለዉ ይንርግር። እዚ ኣሃዛት እዚ ስፍሓት እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን፣ ሰበ-ስልጣን ሥርዓት ንምምላስ ዘለዎም ቀጻሊ ጸገማትን ዜጕልሕ እዩ።
እቲ ኣብ 2024 እተዘርግሐ ብኬንያ ዝምራሕ ናይ ብዙሓት ሃገራት ደገፍ ጸጥታዊ ተልእኾ፣ ንገሊኡ ስትራተጂካዊ ህንጻታት ንምዕቃብ ሓጊዙ እዩ። ይኹን እምበር ክሳዕ ሕጂ ነቲ ኣብ ካልእ ክፋላት እታ ሃገር ህላወኦም እናኣስፋሕፍሑ ዝኸዱ ዘለዉ ንመብዛሕትኡ ርእሰ ኸተማ ዝተቖጻጸሩ ገበነይናታት፣ እቲ ውድባት ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ዞባ ቍጽጽር ክልውጦ ኣይከኣለን ዘሎ።