ወጥሪ ኢራንን ሕ.መ. ኣሜሪካን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ስነ ስርዓት ቀብሪ ካሜነይ ተፈጺሙ ወጥሪ ኢራንን ሕ.መ. ኣሜሪካን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ስነ ስርዓት ቀብሪ ካሜነይ ተፈጺሙ 

ወጥሪ ኢራንን ሕ.መ. ኣሜሪካን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ስነ ስርዓት ቀብሪ ካሜነይ ተፈጺሙ

ሽማግለ ዘተ ሕቡራት መግንስታት ኣሜሪካን ኢራንን ዘተ ዳግማይ ንምጅማር ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብ ኢራን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣያቶላህ ዓሊ ካሜነይ ከም እተፈጸመ ይሕበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 10 ሓምለ ብዙሓት ሰባት ንቐብሪ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላ ኣሊ ካመኒ ኣብ መካነ ንግደት ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኢማም ረዛ ስነ ከም እተኸታተሉን እቲ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ መላእ እታ ሃገርን ኣብ ጐረቤት ዒራቕን ዝተሳተፎ ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ ሃገራዊ መዓልቲ ሃዘን ከም እተዛዘመ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ደድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዳግማይ ዝርአ ዘሎ ምልውዋጥ መጥቃዕትታት ነቲ ካመኒ እተቐትለሉ ውግእ ደው ንምባል ዝዓለመ ስምምዕ ከሰናኽሎ ከም ዝኽእል ይንገር። ሓለውቲ ሰውራ ኢራን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንተህራንን ማሽሃድን ዘራኽብ መስመር ባቡር ክልተ ድልድላት ለይቲ ብዝፈነወቶ ናይ ቦምብታት መጥቃዕቲ ከም ዘዕነወት እንክሕብሩ፡ ካመኒን ሓያሎ ኣባላት ስድራቤቱን ዕለት 28 ለካቲት እስራኤል ኣብ ተህራን ኣብ ዝርከብ መንበሪኡ ብዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ከም እተቐትሉን እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ቀዳመይቲ መዓልቲ ዝተፈጸመ ምዃኑ ይዝከር።

ዕንወት ቓዛን ሽቕለት ኣልቦነትን

ኣብ ካልእ ዞባዊ ዜናታት፡ ኣብ ቓዛ፡ ኣብ 2025 ሽቕለት ኣልቦነት ካብ 80% ከምዝሓለፈ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ 29% ከምዝነበረ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣሃዛዊ ጸብጻብ ፍልስጤም ቅድሚ ዓለምለኸ መዓልቲ ኣህዛብ ወግዓዊ ከም ዝገበረን ዓለማዊ ብዝሒ ህዝቢ ፍልስጤም ኣብ መወዳእታ 2025 ኣስታት 15.5 ሚልዮን ከም ዝበጸሐን እዚ ድማ ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤም ዝርከቡ 5.6 ሚልዮን፡ ኣብ ሃገራት ዓረብ 6.8 ሚልዮን፡ ከም እውን ኣብ እስራኤል ዝርከቡ 1.9 ሚልዮን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ እቲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣሃዛዊ ጸብጻብ ፍልስጤም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ግጭት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝባራዕ ንደሓር ኣብ ቓዛ ልዕሊ 198 ሽሕ ህንጻታት ከምዝተሃስዩን ልዕሊ 102 ሽሕ ህንጻታት ከምዝዓነዉን የረጋግጽ።

11 Jul 2026, 16:51