SCATTIDELGIORNO: Flash flood causes widespread destruction in northern Nepal SCATTIDELGIORNO: Flash flood causes widespread destruction in northern Nepal  (ANSA)

ኣብ ጥቓ ዶብ ኔፓልን ቲቤትን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ጠፊኦም

ኣብ ሃገረ ኔፓል ድሕሪ ዝወረደ ባህርያዊ ሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ፣ እንተ ወሓደ ዕስራ ሬሳታት ተረኺቦም፣ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት እንተላይ ብዙሓት ኣጋይሽ ስለ ዝጠፍኡ፣ ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ኣጸቢቑ ክውስኽ ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

ዜና ቫቲካን

ትማሊ ረቡዕ ዕለት 27 ነሓሰ ኣብ ዶብ ሂማላያ ኔፓልን ቻይናን ቲቤትን ጭቃን ኣኻውሕን ዝመልኦ መሬት ብምህማሙ፣ ብወገን ኔፓል እንተ ወሓደ 20 ሰባት ሞይቶም፣ ብኣማእታት ዝቝጸሩ በጻሕቲ ኣግይሽ ድማ ጠፊኦም ኣለዉ።

ኣብቲ ገና ዝቕጽል ዘሎ ዕንወት፣ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ናብ ዶብ ከም ዝሃደሙ ዘርኢ እተረጋገጸ ቪድዮታት የመላኽቱ፣ ብኽልቲኡ ወገን ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ከኣ ዝለዓለ ግዳይን ዓብዪ ዕንወትን ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ስግኣታቶም ይገልጹ።

ኣብ ሃገረ ኔፓል ኣባይትን መገድታትን ውጥናት ኤለክትሪክን ተደምሲሱ፣ ሰበ-ስልጣን ቲቤት ከኣ ኣብ ኣውራጃ ጊዮሮንግ ኣብ ዶብ ዝርከብ መስቀላዊ መሬት እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ "ከቢድ ጕድኣት" ዝወረዶን ዝዓበየ ሓደጋ ክኽሰት ከም ዝኽእል ዘለዎም ስግኣታት ገሊጾም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኔፓል ሺሲር ካናል ትማሊ ረቡዕ ንፓርላማ እታ ሃገር ከም ዝገለጾ፣ ኣብቲ ኸባቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ውርጪ ኼለዓዕልን ምዕልቕላቕ ማይ ኬምጽእን ከም ዚኽእል እውን ሓቢሩ።

105 ህንዳውያን 93 ኔፓላውያን ሰለስተ ዜጋታት ኣመሪካን 12 ብሪጣንያውያንን ዝርከብዎም እንተ ወሓደ 384 ተጓዓዝቲ ኣብቲ ዞባ ከም ዝጠፍኡ ብዓል ስልጣን ቱሪዝም ኔፓል ሓቢሩ ይርከብ።

ትካል ዜና ደቡብ ኮርያ ዮንሃፕ ኣብ ኔፓል ኣስታት ሸሞንተ ዜጋታታ እውን ከም ዝጠፍኡ ጸብጸባት ኣውጺኡ ይርከብ።

ኣብተን ብብዝሒ ህዝቢ ዝዓበያ ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ዚርከባ ኡታር ፕራደሽን ቢሃርን ምስ ኔፓል ስለ ዝዳወባ፣ ሓያሎ ወሓይዝ ከኣ ካብ ኣኽራን ናብ ጐላጕል ክውሕዙን ናይ ምዕልቕላቕ ማይ ሓደጋታት ከጋትም ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ይህቡ ኣለዉ።

27 Aug 2026, 11:06