ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን 'ብርቱዕ ማዕበል' መጥቃዕቲ ፈጺማ
ዜና ቫቲካን
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ ደብዳባት ባላስቲክ ሚሳይል ንምክያድ ንዝገበረቶ ፈተነ ሕነ ንምፍዳይ፣ ኣብ ልዕሊ ኢራን ማዕበል ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ሰራዊት ኣመሪካ ሓቢሩ።
ማእከላይ ኣዛዚ ኣመሪካ ከም ዝገለጾ፣ ኢራን ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ መደበራት ኣመሪካን፣ ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ኣብ ዝርከባ መራኽብን መጥቃዕቲ ብምውራድ፣ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ዒላማታት ናይ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ከም እተወቕዐ ገሊጹ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ መንግስታዊ ረድዮ ኢራን ከም ዝጸብጸቦ፣ ሓደ ወዲ ኽልተ ዓመት ቈልዓ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ኣብ ደሴት ኬሽምን፣ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ክፍልታት እታ ሃገር ድማ ተወሳኺ ቦታታት ከም እተቐትሉ ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ እቲ ግጭት እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ሰሙን እዩ ተፈጺሙ፣ እዚ ድማ ኣብ ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ንሃገረ ኢራን ዝድገፉ ወከልቲ ሓይልታት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ናይ መጀመርታ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኢዩ ተኻይዱ።
ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እተሰማምዓሉ ናይ ተዅሲ ምቍራጽ ስምምዕ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ካብ ዝፈረሰሉ እዋን ኣትሒዘን፣ ተኸታታሊ መጥቃዕትን ደብዳባትን ተለዋዋጢን ይርከባ ኣለዋ። እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን እዘን ሃገራት ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ኲናት ደው ንምባል እዩ ዝነበረ።
ሃገረ ፓኪስታን ብወገና ዝሃለፈ ሓሙስ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ተህራንን ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ትቕጽል ከም ዘላ ብምግላጽ፣ ክልቲኦም ወገናት ናብቲ ናይ ኢስላምባድ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ክምለሳ ጻውዒት ኣቕሪባ ተርከብ።
ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ፓኪስታን ታሂር ሁሴን ኣንድራቢ ኣብ ኢስላምባድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ "እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ዝርርብ ነቲ ዅነታት ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ ወሽመጥ ሆርሙዝ ዘሎ ዅነታት ንቡር ንምግባርን ንምቅዋምን ይቕጽል ኣሎ" ክብል ኣመልኪቱ።