መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያን ኤውሮጳ ዝኸተምዎ እዋናዊ ኤቑመናዊ ሰነድ ከም መጋበርያ ንሰላም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳ (CCEE)ን ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤውሮጳን (CEC) ኣብ ሮማ ካብ ዕለት 4 – 6 ሕዳር 2025 ዓ.ም. ኣብ ስግር መናድቕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ሰማእትነት ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዝርከብ በነዲክታውያን ገዳም ነቲ እተመሓየሸ ኤቍመናዊ ሰነድ - Charta Œcumenica ንምፍራም ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ ንሓድነትን ምይይጥን ምትሕብባርን ዘለዎም ሓባራዊ ቘራጽነት ደጊሞም ከም ዘጒልሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኤቍመናዊ ሰነድ - Charta Œcumenica
ኣብ 2001 ብጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳ (CCEE)ን ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤውሮጳን (CEC)ን ኣበ መናብርት ዝተኸተመ ኤቍመናዊ ሰነድ - Charta Œcumenica ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ንኤቍመናዊ ምትሕብባር መሰረት ኰይኑ ከም ዝጸነሐን ኣብዚ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ከምኡውን ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ሕብረተ - ሰብን ክርስትና ዝቀያየር ክውንነት ግምት ብምሃብ ኣመሓይሾም ከም ዝኸትምዎን፡ እቲ ኣብ 2022 ዝጀመረ መስርሕ ገምጊሞም፡ እቲ ዝተመሓየሸ ጽሑፍ ምስ ህሉው ኤቍመናዊ ድሌታት ዝሰማማዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝመጻ ኣብያተ ክርስቲያናትን ኤቍመናዊ ትካላትን ኣበርክቶ ብጥንቃቐ ግምት ንምሃብን እቲ ናይ ሓባር ጻዕሪ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤውሮጳ ሓድነትን ሰላምን ሓባራዊ ስጉምትን ዘስፍሕ ሰነድ ንምቕራብ ዝዓለመ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ዝተመሓየሸ ኤቍመናዊ ሰነድ ናይ ጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳ (CCEE) ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጊንታራስ ግሩሻስን ናይ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤውሮጳን (CEC) ኣቦ መንበር ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ትቫተይራን ዓባይ ብሪጣሊያን ሊቀ ጳጳሳት ኒኪታስ ዝተኸተመ ምዃኑ የመላኽት።
ናይ ሓባር ምስክርነት ክርስትና
ሊቀ ጳጳሳት ግሩሻስ ነቲ እተመሓየሸ ኤቍመናዊ ሰነድ ንር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምቕራብ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምስትንታን ነቲ ብሓባር ዘሕለፍዎ ግዜ "በረኸት" እንክብሉ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መገልጺ ሓቢሮም፡
"እቲ ሰነድ ቲዮሎጊያዊ መዘኻኸሪ ኣይኰነን የግዳስ ከም ክርስትያንን ካቶሊክን ካልኦት ኣብ ኣውሮጳ ዘለዋ ኣቢያተ ክርስቲያንን ነቲ ቃል ኣምላኽ ካብ ምስማዕን ካብ ዝተቐበልናዮ ምስጢረ ጥምቀትን ዝምንጭው ሓባራዊ ምስክርነት ብኸመይ ከም እንርእዮ ዝገልጽ ሓባራዊ መግለጺ ኢዩ" እንክብሉ የብርሁ።
ናይ ጉባኤ ጳጳሳት ኤውሮጳ (CCEE) ኣቦ መንበር ኣስዒቦም "ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ከምዝተቐየረት" "ብሰንኪ ጉዳያት ስደት ይኹን፡ ብሰንኪ እቲ ሓልዮት ፍጥረት ዝጠልብ ለውጢ ይኹን፡ ኣድላይነት ኣቓልቦና ናብ ምሕላው ፍጥረት፡ ናብ ለውጢ እደ ጥበባውን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ይኹን፡ እዚ እውን ብክርስትያናዊ ኣረኣእያ ክረአ ከምዘለዎ" ግምት ብምሃብ እቲ ሰነድ ክመሓየሽ ግድን ምንባሩ ኣስተብሂሎም፡ እቲ ሰነድ ንኹነታት መንእሰያት እውን ዝምልከት ምዃኑ ገሊጾም፡ "ኣብ መላእ ኤውሮጳ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ቤተክርስትያን ዝምለሱ መንእሰያት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምስክርነት" ኣጒሊሖም፡ ስለዚ ኣብዚ ኵሉ ሓደስቲ ብድሆታትን ዓበይቲ ኣረኣእያታትን ዕድላትን እውን ኣለዉ” ኢሎም።
ብፍላይ ኣብ መንጎ ኲናትን መከራን ወንጌል ምምስካር
ነቲ ሰነድ ምፍራሞም "ሎሚ ኣብ ኤውሮጳ ስብከተ ወንጌልን ምስክርነትን ንምቕጻል ዝብል ዕላማኦም ከም ብሓድሽ ዘረጋግጽ ምዃኑ፡ ንሰማዕትነት ናይቲ "ብናይ ደም ሰማእትነት ወንጌል ናብ ኤውሮጳ ዘብጽሐ" ቅዱስ ጳውሎስ ብምጥቃስ ኣስተብሂሎም፡ "እቲ ወንጌላዊ ምስክርነት ክንቅጽል ዘሎና ድሌት ዘረጋግጽ እውን እዩ። ሓደ ካብቲ ክፋላት ናይቲ ሰነድ፡ ኣብ ስደትን ምቕባል ስደተይናታትን፡ ወጻእተይናታትን ዘተኮረ እዩ። ኣብዚ መንጽር እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልትን ስደተይናታትን ሓዊሱ።
"ኣቢያተ ክርስቲያን ነዞም ኩሎም ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ዓቢ ስራሕ ኣካይዳን ተሳልጥ እውን ኣላ፡ በዚ መንጽር እዚ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ነዞም "ዓቢ ምስክር ክርስትያናዊ እምነትና" ዝኾኑ "ተግባራትን ግብሪ ምሕረትን" ክንቅጽል ከም ዘተባብዖዎም እውን ዘኪሮም፡ "ሓድሓደ ግዜ ኣብ ጉዕዞ ኤቍመናዊ ዓለም ዘጋጥመና ጸገማት ጠቒሶም፡ ጉዕዞ ሲኖዶዳውነትና ኤቍመናዊ እዩ፡ ኤቍመናዊ ሲኖዳውነት" ምዃኑ ብዕምቆት ነስተውዕሎ፡ "ምኽንያቱ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ "ብሓቂ ነቲ መንፈስ ዝድርኸና ቦታ ናይ ምስማዕን ምላሽ ምሃብን ብሓባር ዚግበር ዕዮ ዘንጸባርቕ እዩ” ኢሎም።
'መንደቕ ምፍልላይ እናፈረሰ ይኸይድ ኣሎ’
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤውሮጳ (CEC) ኣቦ መንበር ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ትቫተይራን ዓባይ ብሪጣሊያን ሊቀ ጳጳሳት ኒኪታስ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ግሩሻስ ብሓባር ነቲ ኤቍመናዊ ሰነድ ዝኸተሙ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ኣብዚ እዋናዊ ታሪኽን ግዜን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሓባር ክንዓዪን ገለ ነገራት ክንዓምም ከም እንኽእል ብምሕባር ናይ ተስፋ መልእኽቲ ከነቕርብ ምኽኣልና ክብርን ሓለፋን በረኸትን እዩ። ናይ ዝሓለፈ ፍልልያት ሰጊርና ከም ዝመጻእና ዘረጋግጽ ጭቡጥ ምልክት እውን እዩ” ኢሎም።
"ፈላላይ መናድቕ እናፈረሰ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ሕጂ ብሓባር ንሰርሕ ኣሎና። ሓደ ቋንቋ፡ ቋንቋ ክርስቶስ፡ ቋንቋ ፍቕሪ ኢና ንዛረብ ዘሎና - ቢሎም - ሊቀ ጳጳሳት ኒኪታስ ከም ሊቀ ጳጳሳት ግሩሻስ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዝተበታተነት ዓለም ክርስትያን ብሓባር ንሰላም ምስራሕ ዘለዎም ኣገዳሲ ተራ ደጊሞም የረጋግጹ።
ወጻኢታት ንኣጽዋር ምንካይ፡ ንደቂ ሰባት ንምሕጋዝ ድማ ወጻኢታት ክብ ምባል
ናይ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤውሮጳ (CEC) ኣቦ መንበር ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ትቫተይራን ዓባይ ብሪጣሊያን ሊቀ ጳጳሳት ኒኪታስ ንዓለም ዝሓሸት ቦታ ክትከውን እንታይ ምግባር ይከኣል ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ "ምናልባት ኣብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋርን ካልእ ነገራትን ዘይኰነስ ነቲ ንደቂ ሰብ ንምዕንጋል ሕማማት ንምፍዋስ ንዝግበር ጻዕሪ ወጻኢታት ክብ ምባል” እዚ ንገዛእ ርእሱ ሓደ እቲ ንዓለም ሽሓሸት ክግበራ ዝኽእል እዩ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ጥራይ ኣብ ጃማይካ ዘጋጠመ ርኣዩ። ኣብ ፊሊፒንስ እንታይ ይፍጸም ኣሎ . . . ኣብ ቅድስቲ መሬት፡ ፍልስጤም፡ ቓዛ ርኣዩ። ሰባት ይሳቐዩ ኣለዉ" "ንብድሆታቶምን ጸገማቶምን መልሲ ክንህብ ተጸዊዕና ኣሎና" እንክብሉ ብኣንዖት ገሊጾም፡ ኣስዒቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ሰላም ምድንፋዕ ዘማእከለ ዘስምዕዎ፡ "ሓያል መልእኽቲ" ኵላትና እቲ ኣባና ዘሎ ሰላም ንምስፋሕ ዝብል ድላይ ኣደልዲልዎ እዩ፡ "ቅዱስነቶም ክዛረቡ እንከለዉ ዓለም እያ እትሰምዖም፡ እዚ ድማ ወሳኒ እዩ፡ ሰባት ብፍላይ ድማ ቅዱስ ኣቦና ድምጾም ከስምዑ የድልዩና" ኢሎም።