ር. ሊ. ጳ.፦ ሓድሽ ኢቑመናዊ ካርታ ብዛዕባ ሓባራዊ ጕዕዞ ኣብያተ-ክርስትያን ኤውሮጳ ይምስክር
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልይ መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ዕለት 6 ሕዳር ምስ ኣባላት ሓባራዊ ኮሚተ ጉባኤ ኣብያተ-ክርስትያን ኤውሮጳን (CEC) ከምኡውን ምስ ቤት ምኽሪ ጉባኤታት ጳጳሳት ኤውሮጳን (CCEE) ብሕብረት ተራኺቦም።
ተወከልቲ ናይተን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ገዳመ ትረ ፎንታና ነቲ ከም እምኒ መኣዝን ናይ ኣውሮጳ ኢቍመናዊ ምትሕብባር ኰይኑ ዘገልግል ሓድሽ ሰነድ ኢቁመናዊ ካርታ ድሕሪ ምኽታሞም ሓደ መዓልቲ ጸኒሖም ኢዮም ስም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተራኸቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ደድሕሪ እቲ ናይ መጀመርታ ኢቁመናዊ ካርታ 25 ዓመታት ጸኒሑ እተፈረመ፣ እተመሓየሸ ሰነድ ኮይኑ ነተን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ኣብዚ ብቐጻሊ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ኢቁመናዊ ጕዕዞ መፍትሔ ንምርካብን ከምኡውን ነቲ ኣብ ስብከተ ወንጌል ዘሎ ገለ ገለ ዘተሓሳስቦ ነገራት ምላሽ ንምሃብ ከም ዝጽዕር እውን ገለጹ።
ኣብ ኣውሮጳ ኣብዚ ግዜ እዚ ሓደስቲ ወለዶታት ከም እተወልዱን፣ ካብ ርሑቕ ሃገራት ዝመጹ ሕዝብታት "እተፈላለየ ታሪኽን ባህላዊ መግለጺታትን" ሒዞም ከም ዝመጹን ውን ኣመልከቱ።
"ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ኣውሮጳ ኣወንታውን ዜተባብዕን ምልክታት ዕቤት እኳ እንተ ሃለወ፣ ብዙሓት ክርስትያናውያን ማሕበራት ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እና ወሓዱ ይኸዱ ከም ዘለዉ እዩ ዚስማዕ ዘሎ" በለ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ን ኣብያተ-ክርስትያን ኣውሮጳ ሓደስቲ ድምጽን ዛንታታትን ክሰምዑ ኣተባብዕወን፣ በዚ ኸምዚ ድማ ክርስትያን ምእመናን ኣብ መንጎ እዚ "ጫውጫውታን ዓመጽን ውግእን ዓለምና" ዝርርብን ሕውነትን ብዝሓሸ መገዲ ብኸመይ ከም ዘስፋሕፍሑ ክመሃሩ ይኽእሉ ኢዮም ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።
"ኣብ ኵሉ እዚ ዅነታት እዚ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ጐይታ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ መለኮታዊ ሓገዝ ጥራይ እዩ ኣብዚ ኣዝዩ በዳሂ ዝኾነ ዅነታት፣ ኣዝዩ ዜእምን መገዲ ወንጌል ክንሰብከሉ እንኽእል መንገዲ ከርእየ ዝኽእል ክርስቶስ ኢዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ኣምላኽ "በቲ ቅዱሳት ዝኾነ ህዝቡ ኣቢሉ ከም ዚዛረብ" እውን ኣረጋገጹሎም፣ ንኢቁመናዊ ካርታ ድማ "ኣብ ኤውሮጳ ዚርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ንታሪኸን ብዓይኒ ክርስቶስ ኪርእያኦ ፍቓደኛታት ምዃነን ዜርኢ ምስክርነት ኢዩ" ክብሉ ገለጽዎ።
ኣስዕብ ኣቢሎም እውን፣ መንፈስ ቅዱስ ንኣውሮጳውያን ክርስትያን ምእመናን ብሓባር ወንጌል ኣብ ምስባኽ እተዓወቱሉ ቦታታትን፣ ከምኡ ውን ነቲ ብድኻምነት ዝወደቑሉ እዋናትን ዳግም ንኽርድኡ የኽእሎም ኢዩ ክብሉ መስከሩ።
"እዚ ካርታ እዚ ሜላታት ጥራይ ዘይኰነስ ንብጾት ኣብ ጕዕዞ ንቕድሚት ክግስግዙ ዘኽእል መገድታትን እውን ብኣጽንዖት ይምስክር ኢዩ" በሉ። "ከምዚ ኽንገብር ከሎና ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝህበና ድራኸታትን ዘይተጸበናዮ ነገራትን ወትሩ ኽፉታት ንኹን!
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እትገብሮ ጕዕዞ ምስ ጕዕዞ ሲኖዳውነት ኣተሓሓዝዎ፣ እዚ ኢቁመናዊ ካርታ ድማ ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዚግበር ክርስትያናዊ ጕዕዞ ንሓድሕዶም ንምስማዕን ወንጌል ንምምስካርን፣ እቲ ዝበለጸ መገድታት ብሓባር ንምልላይን ከም ዘጕልሕ እውን ሓበሩ።
"ሓደ ኻብቲ ኣብ መስርሕ ምምሕያሽ እዚ ካርታ እተረኽበ፣ ጐሊሑ ዝርአ ዓወታት ብዛዕባ እዋናዊ ብድሆታትና ሓባራዊ ርድኢት ናይ ምርካብን፣ ንመጻኢ እዛ ኣህጉር እዚኣ ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገራት ናይ ምምልካትን ክእለትን፣ ከምኡውን ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ኣገዳስነት ስብከተ ወንጌል ጽኑዕ እምነት ከም ዘሎ ዘመልክት ኢዩ" በሉ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብቲ ኣብ 325 ዓ.ም. ኢቍመናዊ ጉባኤ እተኻየደሉ ቦታ ዝገበርዎ ምብጻሕ ዘኪሮም፣ ምስ መራሕቲ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናትን ማሕበራትን ክጽልዩ ምዃኖም እውን ኣመልከቱሎም።
"ኣብዛ ዓመት እዮቤል እዚኣ ንዅሎም ህዝቢ ኤውሮጳ 'ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና እዩ!' ቢለ ክእውጅ እደሊ እየ፣ ከመይሲ ንሱ እንስዕቦ መገድን ናይ መወዳእታ መዓርፎ መንፈሳዊ ጕዕዞናን ክንዲ ዝኾነ" ብምባል ቃለ ምእዳኖም ዛዘሙ።
