ድለ

ሕጋዊ ምልክታ

ሕጋውያን መተሓሳሰቢታት

ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን (ስዒቡ ብኣሕጽሮተ ቃል SPC – ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን) ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ሓደ ኣካል ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መዋቕራት ኩሪያ ሮማኖ ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ኰይኑ ዕለት 27 ሰነ 2015 ዓ.ም. ብፍሉይ ናይ ተኸታሊ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣን መሰረት እዋናዊ ኣቀማምጣ መራኸቢ ብዙሓን ብዝብል ኣርእስቲ ብዝተመሓላለፈ ሓዋርያዊ መልእኽቲ መሰረት ዝቖመ እዩ፡ እዚ ሓዋርያዊ መዋቕር’ዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎ እዩ።

ሓላፍነት ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ወንጌል ዘገልግል ነቲ ኣብ ታሪኽ ናይ ሓዋርያዊ መንበር ዝነበሩ ክፍልታት መራኸቢ ብዙሓን ብብቕዓት ዘርብሕ ውሁድን ኵለንተናውን ሓድሽ ኅብረ - ኣራኻቢ (Multimediale) ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሜላ ዘማዕብል እዩ።

ናይ ኣጠቓቕማ ደንብን ኩነትን

እትዎትን ውከሳን ኣጠቓቕማን ናይዚ ህልው መርበብ ሓበሬታ (ስዒቡ ‘Portal - በሪ’ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ) ከምኡ እውን እዚ መርበብ ሓበሬታ ዝህቦ ኣገልግሎታት ንምጥቓም፡ ተቐባልነት ካብ ተጠቓሚ/ተገልጋሊ (ነዚ ስዒቡ ‘ተጠቃሚ’) ዝሓትት ብምዃኑ ኣብ ኣጠቓቕማኡ እዞም ዝስዕቡ “ኣገባባትን ኩነታትንን” ይሓትት።

ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ብዘይ ቅድመ ሓበሬታ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ናይቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዘንብሮ ትሕዝቶታትን ብመሰረቱ ንምቕያርን /ወይ ከኣ ምምሕያሽ ንገዛእ ርእሱ ዝዕቅቦ ተግባር ይኸውን፡ ነቲ ኣብ ዝተጠቕሰ ናይ ኣጠቓቕማ ስርዓትን ኩነትን ንተጠቃሚ ክፈልጦ ይገብር። ናብቲ ምምሕያሽ ዝተገብሮ ዝስዕብ እትወትን / ወይ ከኣ ናይ ኣጠቓቕማ ስርዓትን ኩነትን ምምሕያሻት ምስ ተግብረ ተጠቃሚ ኣካል ምሉእ ብምሉእ ክቕበሎ ይሕተት።  

ናይ ኣእምሮኣውነት ንብረት በዓል መሰል

ናይዚ መርበብ ሓበሬታ ትሕዝቶ ብምሳሌታት ዘይኰነስ ብምሉእ ገጻቱን ዘቕርቦን ምስልታትን ድምጽታትን ርእየትን ሙዚቃታትን ሰነዳትን እሳእልን፡ ጽሕፈተ ኣሳእል ብጣምራን መዝገባቱን መለለዪ ምልክታቱን ጥቕስታቱን ዜናታቱን ረቂቕ ንዋታቱን (software) ካልእ ኵሉ ንብረታቱን ወይ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝህቦ ሓበሬታ ብፍሉይ (ስዒቡ ብ‘ትሕዝቶታት’ ብዝብል ቃል ዝጠቓለል) ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ንብረት እዩ፡ ዝዀነ ኾይኑ ንምጥቃሙ ቅርቡ ዝኸውን ብመሰል ደራሲ ሕልው እዩ፡ ብዝዀነ ይዅን ምኽንያት እውን ብምሉኡ ድዩ ብኽፋሉ ብዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣገባብ ድዩ ብዝዀነ ይኹን መጋበርያ ምጥቃሙን ክትቕይሮን ክትቐድሖን ከተሕትሞን ክትዝርግሖን ከተመሓላልፎን ክተግዕዞን መሊስካ ክተርብሖን ወይ ንተጠቃሚ ቅሩብ ምግባር ከምኡ እውን ንመሸጣ ንምቕራብን ንኡስ ፍቓድ ምህላውን ካብኡ ብምጥቃም ዝፍጠሩ ጽሑፋትን ድርሰታትን ወይ ብነጻ ንምዝርጋሕ ብዝዀነ ይዅን ዓይነት ኣገባብ ብዘይ ፍቓድ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ዝተኸልከለ እዩ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ ብፍቓድ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ መራኸቢ ብዙሓን ዘጠቓልሎም ወይ ዘንብሮም ምስልታትን ሰነዳትን ዘፍርዮን መለለዪ ምልክታቱን ዕላመቱን ኩሉ ብመሰል ደራሲ ሕልው እዩ ዝኸውን።

ብጋህዲ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዕላመቱን ወይ ፍሉይ ምልክታኡ ምዝርሕ ክልኵል እዩ።

ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት  መጸውዕ ሽም ብኻልኦት መርበባት ሓበሬታ ድዩ ወይ ከም ናይ መርበባት ሓበሬታ ክፍለ ኣድራሻ ጌርካ ምጥቓም ክልኩል እዩ።

ናይ ሓላፍነት ደረት

ናይዚ ህልው መርበብ ሓበሬታ ትሕዝቶታ ብዘይ ካልእ ሕቡእ ዕላማን ተንኰልን ብግሩም ኣመለኻኽታ ወይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ብጥንቃቔ ተገዲሱ ዘቕርቦም ተኣማንነትን ቅኑዕን ምሉእነትን ምባል ዝሓትቶ መምዘንታት ዘኽብር እዩ፡ ግድፈት ክህሉ ይኽእል፡ ስለዚህ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ከምዚ ዓይነት ዝኣመሰሉ ጌጋታት ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ምስ ዝበጽሖ ብቅልጡፍ ንምእራም ዘድሊ ውሳኔታት ብህጹጽ የቕርብ።

ናይ መራኸቢ ብዙሓ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ትሕዝቶ ናይ ዝጥቀም ሳልሳይ ኣካል ሓላፍነት የብሉን።

ብዝዀነ ይዅን ምኽንያት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ዝዀነ ይኹን ተጠቓሚ ኣብቲ ናይ መራኸቢ ብዙሓን  ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ናይ ምጥቃም ዙረት ኣብ ዘካይደሉ እዋንን ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ምስ ዝኣትው ንዘጋጥሞ ዝዀነ ይኹን ዓይነት መረብታዊ ረኽሲ ዘስዕብ ሕዋስን ስዒቡ ዘጋጥሞ ብክሎት ተሓታቲ ከምዘይከውን።

ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት እቲ ኣብ ውሽጡ ዘንብሮም ሳልሳይ ኣካል ዝተፈላለዩ መላግቦ (ስዒቡ ተዛማድያን መርበብ ሓበሬታ ወይ መራኸቢታት-Links ብዝብል ዝግለጽ) መርበብ ሓበሬታ ብዘንብርዎ ትሕዝቶ ይኹን ነቶም ነዞም ተዛማድያን መርበብ ሓበሬታ ኣብ ኣጠቓቕማኦም ብምንም ዓይነት ናይ ተሓታትነት ሓላፍነት የብሉን። እቶም ተዛማድያን መርበብ ሓበሬታ ናይ ዘራኸብዎን ውስጣውያን መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘንብርዎ ትሕዝቶ ይኹን ጽፋትን ኣሳእልን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ናይ ተሓታትነት ሓላፍነት የብሉን። ተጠቃሚ ብውልቁ ነቶም ተላግቦ መርበብ ሓበሬታ ከፊቱ ክምልከቶምን ንዘጋጥም ሓደጋ መረብታዊ ረኽሲ ዘስዕብ ሕዋስን ብክሎትን ተሓታቲ እቲ ተጠቃሚ ባዕሉ እዩ ዝኸውን።

ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ንዘጋጥሞ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ኰነ ብተላግቦ ዘንብሮም ተዛማድያን መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝጥቀም ሳልሳይ ኣካል መጉዳእትን/ወይ ክስራንን ወይ ንዘጋጥም ካልእ ዓይነት ቅድመ ፍርድታት ናይ ተሓታትነት ሓላፍነት የብሉን።

ሓለዋ ናይ ግሊ ትሕዝቶ መንነታዊ ሓበሬታ

ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ብወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኡ ኣቢሉ ናይ ዝህቦ ኣገልግሎት (ስዒቡ ኣገልግሎታት) ተጠቃሚ በጋጣሚ ኰይኑ ናይዚ ተጠቃሚ ግላዊ መንነታዊ ሓበሬታ እንተድኣ ፈሊጡ ነቲ እቲ መርበብ ሓበሬታ ንዝህቦ ኣገልግሎት ምቕራብ ንዝብል ድምዳሜ እንተዘይኰነ ብዝለዓለ ደረጃ ሰቲሩ ከምዝዕቅቦ እዩ። ከምኡ እውን እቶም ነቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ዝህቡ ሳልሳይ መረብታውያን ትካላት ናይ ተጠቃሚ ግላዊ ትሕዝቶ መንነት ምስ ዝፈልጡ ልክዕ ብናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ብዝለዓለ ደረጃ ዝህቦ ውሕስነት ስታሮ ግላዊ መንነታዊ ትሕዝቶ ናይ ተጠቃሚ ብተመሳሳሊ መገዲ ይዕቅቡ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ተጠቃሚ ናይ ግሊ መንነታዊ ትሕዝቶ ብቐጥታ ባዕሉ ዝፈቅድ እዩ ዝኸውን፡ እንተድኣ ነዚ ዘይሰማማዓሉ ከ\ይኑ ግና እቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዘቕርቦም ኣገልግሎት ክጥቀም ከምዘይክእል እዩ።

ተፈጻምነት ዘለዎ ሕግን ኣገባብ ዘለዎ ፍርድን

እቲ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ‘ናይ ኣጠቓቕማ ውዕላትን ኩነታትን’ ተፈጻምነት ብዘለዎ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ሕጊ ዝመሓደር ኰይኑን ክፍጠር ዝኽእል ሙጉት ይኹን ኣተረጓጉማኡ ድዩ ኣፈጻጽማኡ ብፍሉይ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ስልጣን እዩ።