ር. ሊ. ጳ.፦ "ኣምላኽ መንፈስ እዩ እቶም ዜምልኽዎ ኸኣ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ኢዮም!"
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ እውን ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ንዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምእዋጅ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምዝካር፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ዘተን ምትሕብባርን ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ኣስተንትኖ ኣካፊሎም።
ቅዱስነቶም ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእሙናን ነጋድያንን መንፈሳውናን በጻሕንትን ከምኡ ውን ተወከልቲ እተፈላለያ ሃይማኖታትን ብዛዕባ ሓቀይና ሃይማኖታዊ ዘተን ምትሕግጋዝን ከስተንትኑ ዓደምዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ፣ ካብቲ ብዛዕባ ኢየሱስን እታ ኣብ ዔላ ሲካር ማይ ትቐድሕ ዝንበረት ሳምራዊት ሰበይትን ዚገልጽ ዛንታ ወንጌል ተበጊሶም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ "ኣምላኽ መንፈስ እዩ እቶም ዜምልኽዎ ኸኣ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ኢዮም" (ዮሓ 4 24) ክብል ከም ዝኣወጀ ጠቐሱ።
ቅዱስነቶም ከም ዝገልጽዎ እዚ ርክብ እዚ ሓቀይና ትሕዝቶ ሃይማኖታዊ ዝርርብ ዘንጸባርቕ ኢዩ ዝንበረ፣ እዚ ድማ ብግሉጽነትን ጽን ብምባልን፣ ብጥንቃቐ ብምስማዕን፣ ብሓባራዊ ብልጽግና ብዝፍለጥ ልባዊ ምልውዋጥ፣ ኣብ ኩሉ ዶባት ኣብ ዘሎ ሓባራዊ ጽምኢ ኣምላኽን ህላወኡን እተመስረተ ኢዩ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም 60 ዓመት ትገብር፣ እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ሓድሽ ርክብን ኣኽብሮትን መንፈሳዊ እንግዶትን ዝጀመረ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን Nostra Eatate (እዚ ዘሎናዮ ዘመን) በዕለት 28 ጥቅምቲ 1965 ከም እተኣወጀ ዘከሩ።
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም እዚ ሰነድ ብፍላይ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ህዝቢ ኣይሁድን ሕውነታዊ ርክባት ኣብ ምምዕባል ዘለዎ መሰረታዊ ግደ ኣጕልሑ፣ ቤተ-ክርስትያን ንኣይሁዳዊ መበቆል ክርስትና ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳውን ስነ-ሃይማኖታውን ሓቅታት ኣፍልጦ ኸም እትህቦ ኣረጋገጹ። ከምቲ ኣብ ወንጌልን ትምህርትታት እቶም ኣቀዲሞም ዝነበሩ ሰባትን እተኣዘዘ፣ ቤተ-ክርስትያን ንጸረ-ሴማዊነትን ንዅሉ ዓይነት ኣድልዎን ብዘይነቓነቕ እምንቶ ከም እትዅንኖ ደጊሞም ገለጹ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ኣብ መንጎ ኣይሁድን ካቶሊካውያንን ኣብ ዝግበር ዝርርብ እተራእየ ምዕባለ ውን ዘለዎም ምስጋና ገለጹ፣ እዚ ምዕባለታት እዚ ድማ ብሰብኣዊ ጻዕርን መለኮታዊ ሓገዝን ከም እተበጽሐ ኣመልከቱ። ነቲ እተላዕለ ብድሆታትን ግጭታትን ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃቡሉ፣ እቲ ዝርርብ ከም ዝጸንሐን ብፖለቲካዊ ዅነታትን ዘይፍትሓውነትን ክትዓናቕፍ ከም ዘይብሉን እን ኣረጋጊጹ። ቅዱስነቶም ንዅሎም ካቶሊካውያን ማለት ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያን ገዳማውያንትን ምእመናን ምእመናትን ምስ ሰዓብቲ ኻልኦት ሃይማኖታት ብቕንዕና ኺዘራረቡን ኪተሓባበሩን ውን ጻውዒት ኣቕረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ወሲኾም ኣብዛ ግጭትን ውግኣትን እናወሰኸ ዝኸይደላ ዘሎ ዓለም፣ ሕውነታዊ ሓባራዊ ራብራ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ፣ ምእመናን ፍልልያቶም ኬኽብሩ፣ ሓባራዊ ሰብኣውነት ኬረጋግጹ፣ ንዅሉ ዓይነት ዓመጽን መስጐጕትን ኣድልዎን ኪነጽግዎ ውን ተማሕጸኑ። ስቓይ ደቅሰብ ንምቅላልን ንሓባራዊ ቤትና ዝዀነት ምድሪ ንምክንኻንን ምትሕብባር ክግበር ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ፣ ንስም ኣምላኽን ሃይማኖታትን ዝርርብን ብዘይግቡእ ምጥቃም ከምኡውን ሃይማኖታዊ ጥሩፍነትን ጽንፈይናነትን ዘስዕቦ ሓደጋታት ኣመልኪቶም እውን ኣጠንቀቑ። ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ነቲ ስነ-ምግባራዊ ብድሆታት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት እውን ኣመልኪቶም፣ ንሰብኣዊ ክብርን መሰረታዊ መሰላትን ንምሕላው መምርሒ ክግበረሉ ተጣበቑ።
ኣብ መደምደምታ ኣስተንትኖኦም ቅዱስ ኣቦና፣ ኵለን ሃይማኖታት ካብ ልቢ ሰብ ጀሚረን ሰላም ከም ዚምህራን ሃይማኖት ንውልቀ-ሰባትን ስድራ ቤታትን ማሕበረሰባትን ኣህዛብን ተስፋ ኣብ ምምላስ መሰረታዊ ግደ ኸም ዘለዎ ኣጕልሑ። ንዅሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕትን ድማ ኣብታ ብውግእን ኣከባብያዊ ዕንወትን እተሳቐ ዘላ ዓለም፣ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን Nostra Eatate (እዚ ዘሎናዮ ዘመን) ዝሃቦ ተስፋ እንደገና ኼለዓዕልዎ ከምኡ ውን መንፈስ ዕርክነትን ምትሕብባርን ናብ መጻኢ ወለዶታት ኬመሓላልፉን ተማሕጺኖም። ኣብ መደምደምታ፣ ነቲ ንጸሎት ኣብ ሓሳባትን ቃላትን ተግባራትን ናይ ምቕያር ሓይሊ ብምጥቃስ ንእተወሰነ እዋን ብጽሞና ክጽልዩ ብምዕዳም ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።
