ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብዛ ብውግእ ዝዓነወት ዓለም ክብረትን ፍትሕን ምትእምማንን ንምድንፋዕ ምምሃር
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ብዕለት 27 ጥቅምቲ 2025 እተኣወጀ ሓድሽ ንድፍታት ተስፋ ምስኣል ዘርእስቱ ኣገዳሲ ሓዋርያዊ መልእኽቶም፣ ምስ መበል ስሳ ዓመት ዝኽሪ ምእዋጅ ሰነድ ካልኣይ ዋዕላ ቫቲካን ‘ዓቢይ ኣስተምህሮት’ (Gravissimum Educationis) ብምስምማዕ ዝወጸ ኣገዳሲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ኮይኑ፣ ብዛዕባ ትምህርቲ ደጊሞም ብምግላጽ፣ ኣብዛ ብምክፍፋላትን ዲጂታላዊ ምዕብልናን ዘስዓቦ ግጭትን ዓሚቝ በሰላን ዝመልአት ዓለምና ሰብኣዊ ክብርን ፍትሕን ሓባራዊ ምትእምማንን ንምድንፋዕ ብሉጽ መሳርሒ ምዃኑ ክረጋገጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ቘልዑን ህጻናትን ካብ መባእታዊ ትምህርቲ እተገለሉ ዘየቋርጽ ስኽነት ከምኡውን ብውግእን ስደትን ዘይማዕርነትን ድኽነትን ዝሰዓበ ናይ ሥነ ትምህርቲ ቅልውላው ውን የስተንትኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ እተኸፋፈለን ብተክኖሎጅያዊ መዳይ ዓብላሊ ዝዀነ ገጸ-ባህርይ እናኣስፋሕፍሐ ዝርከበሉ ዘሎ ዘምን፣ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ነዚ ዘመናዊ ብድሆታት ብኸመይ ምላሽ ኪህበሉ ይኽእል? ክብሉ ሓደ ብድሆ የቕርቡ።
ውህበት ህያው ትምህርትን፣ ልምዲ ኣገልግሎትን
ኣብዛ መልእኽቲ ተገሊጹ ከም እንረኽቦ፣ ትምህርታዊ ውህበት ደረቕ ዝኾነ ቀመር ዘይኰነስ ምስ ድሌታት ነፍሲ ወከፍ መዋእል ዚሰማማዕ ተለዋዋጢ ምላሽ ምዃኑ ትገልጽ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መልእኽቶም ንቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምጥቃስ፣ ሓቀይና ዝኾነ መምህር ኣብ ካልኦት ናይ ሓቅን ናጽነትን ባህጊ ዜለዓዕል ሰብ ክብሉ ገለጽዎ። ነቲ ሃብታም ልምዲ ቤተ-ክርስትያን ካብ ገዳማትን መነኮሳትን ጀሚርካ፣ ኽሳዕ ማእከላት መጽናዕቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ይምርምሩ፣ ከም ጆሴፍ ካላሳንዝ፡ ጆን ባፕቲስት ደ ላ ሳል፡ ማርሴሊን ሻምፓኛታን ከምኡውን ጆን ቦስኮ ዝኣመሰሉ ቅዱሳን ዝገበርዎ ፍሉይ ኣበርክቶ ድማ ብሞሳ ይዝክሩ። ከም ቪሴንታ ማሪያ ሎፐዝ ዪ ቪኩና፡ ፍራንሲስ ካብሪኒ፡ ጆሴፊን ባኪታ፡ ማሪያ ሞንቴሶሪ፡ ካትሪን ድሬክሰልን ከምኡውን ኤሊዛቤት ኣን ሴቶንን ዝኣመሰላ ገዳማውያንን ምእመናንን ደቂ ኣንስትዮ ከም ቀዳማውያን ኰይነን ምግልጋል፣ ንደቂ ኣንስትዮን ንስደተኛታትን እተገለሉ ሰባትን ትምህርቲ ብምክፋል ግቡእ ተፈላጥነት ዝረኸባ ኣዴታት ውን ይዝክሩ።
ትምህርቲ ከም ሓባራዊ ተልእኾን፣ ማእከልነት ሰብኣዊ ኣካልን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትምህርቲ ኣስዒቦም፣ ንመምህራንን ንተመሃሮን ንስድራ ቤታትን ንኣመሓደርትን ጓሶት ነፍሳትን ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ዘሳተፍ ናይ ምትሕብባር ጸዋዕታ ምዃኑ ኣትሪሮም ይምስክሩ። ነቲ ሕጂ ኣብ ጐድኒ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲኖ ተሓባባሪ ናይ ትምህርታዊ ዓለም ተባሂሉ እተጸውዐ ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን ከም ኣርኣያ ጽኑዕ ኣእምሮን ዓሚቝ ሰብኣውነትን ጠቒሶም ውን ይርከቡ። ቅዱስ ኣቦና ብድንጋጸን ግልጽነትን ኣቢልካ ትምህርታዊ ሃዋህው ንምሕዳስ የተባብዑ፣ ንምሉእ ሰብኣውነት ማለት ንኣእምሮን ልብን ሕልናን ቀዳምነት ኪወሃቦ ድማ ይምሕጸኑ። ቅዱስነቶም ኸም ዝገለጽዎ፣ ተቕዋማት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ፍትሕን ምሕረትን እተመስረተ ምርምርን ሞመያን ከምኡውን ናይ ኣገልግሎት ጽዋዕታ ኼማዕብሉ ኣለዎም ክብሉ ድማ ይምሕጸኑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘጠንቀቕዎ ትምህርቲ ናብ ተክኒካዊ ስልጠና ወይ ቍጠባዊ ረብሓ ጥራይ ከይወርድ የጠንቅቑ። ትምህርቲ ንተፈጥሮኣዊ ክብቲ ወዲሰብን ሓባራዊ ጥቕምን ከገልግል ኣለዎ፣ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ከም ፍሉይን መተካእታ ዘይብሉን ደኣ እምበር እኽብካብ ክእለት ወይ ዲጂታል ገጸ ባህርይ ጥራይ ኣይኰነን ክብሉ ውን የመልክቱ።
ዳግም ተኣማንነት ምምላስን፣ ሕብረት ምምዕባልን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንናይ ሕሉፍ ናፍቖት ብምንጻግ፣ ነባሪ ስርዓታት ንምምልካት ምስሊ ቀዋሚ ኸዋኽብቲ ተጠቒሞም ነባሪ ስርዓታት ማለት ኣብ ሕብረት እተረኽበ ሓቂ ምስ ሓላፍነት እተተሓሓዘ ሓርነት ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ዝግለጽ ስልጣን ክምዕብል። ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ድማ ኣብቲ ፍርህን ምክፍፋልን ዝመልኦ መዋእል ምትእምማን ዳግም ምሕዳስ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ሃገራትን ሓባራዊ ዋንነትን ሕውነትን ከም ዝስምዖም ክግበር ይምሕጸኑ።
እምነትን ባህልን ስድራ ቤትን ብስኒት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ኣብ ቺክለዮ ፔሩ ዘሕለፍዎ ናይ ሓዋርያዊ ጕስነት ተመክሮ ተመርኲሶም ንኣብያተ-ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን እምነትን ባህልን ህይወትን ከም እተኣሳሰረሉ ማሕበረሰብ ገይሮም የቕርብዎ። ተክኒካዊ ምምሕያሻት ንበይኑ እኹል ከም ዘይኰነ ድማ ይምስክሩ። ሜመያን ስኒት ዘለዎ ራእይን ድማ የድሊ ክብሉ የመልክቱ። ብኣእምሮኣውን መንፈሳውን ባህላውን መዳይ ቀጻሊ ሥነ መዕበያ መምህራን ኣድላዪ ምዃኑ ውን ገሊጾም። ስድራቤት እታ ቀዳመይቲ ክትካእ ዘይትኽእልን መምህር ኰይና ትቕጽል ከም ዘላ ድማ ብኣጽኖኦት ይገልጹ፣ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት ትካላትን ኣብ ምስማዕን ሓባራዊ ምትእምማንን እተመስረተ ኣብ ናይ ምትሕብባር መንፈስ የገልግሉ ኣለዉ ክብሉ ውን ይምክሩ።
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ ኣብ መንጎ ኣብያተ ትምህርቲ ሰበኻታትን ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበባትን ሥነ ሞያውያን ትካላትን ዲጂታላዊ ጕስነታትን ኣብ ዝግበር ተበግሶታት ዝሰፍሐ ምትሕብባር ክግበር ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ናይ ሜላ ፍልልያት ከም ምንጪ ክግምገም ኣለዎ፣ እዚ ድማ ንሓድነት ዕላማን ፍረ ዘለዎ ምትሕብባርን ኣበርክቶ ክገብር ስለ ዘለዎ ክብሉ ድማ ይምሕጸኑ።
ምሉእ ትምህርቲ፡ ፍትሒ ከምኡውን ሓላፍነት ዝስምዖ ኣጠቓቕማ ተክኖሎጂ
እዛ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሉ መዳያት እቲ ንደቂሰብ ዜሕብር፣ ንእምነት ከም ህያው መሰረታዊ ስርዓት ትምህርቲ ገይሩ ዘቕርብ፣ ዘይተነጻጸለ ሥርዓተ ትምህርቲ ኺህሉ ውን ብኣጽንዖት የመልክቱ። ትምህርቲ ቅኑዕ ዘበለ ንምድላይን ቀጻልን ቀሊልን ኣነባብራ ንምድንፋዕን ሕልና ብምዕጣቕ ንሓፈሻዊ ሰብኣውነት መሰረት ክኸውን ኣለዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ ንማሕበራውን ኣከባብያውን ፍትሒ ብግልጺ የተሓሕዝዎ፣ ንምእመናን ድማ ምድሪ ኣብ እትሳቐየሉ ንድኻታት ዝያዳ ስቓይ ከም ዝወርዶም፣ ትምህርቲ ግና ሰላምን ዕርቅን፣ ቋንቋ ምሕረትን ፍትሕን ብንጥፈት ከማዕብል ከም ዘለዎ የዘኻኽሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንትምህርቲ ኣብ ናይ ዕዳጋ ዘርትዓዊ ሚዛን ወይ ንቝጠባዊ ረብሓታት ከይግዛእ ውን የጠንቅቑ። ተክኖሎጂ ንርክባትን ንማሕበረሰብ ህይወትን ኬበልጽግ ደኣ እምበር ኬዳኽም ኸም ዘይብሉ ውን ኣትሪሩ ይገልጹ። ዝዀነ ይኹን ኤለክትሮኒካዊ ሥርዓት ነቲ ናይ ሓቀይና ሥርዓተ ትምህርቲ መለለዪ ዝዀነ ናይ ምሕሳብ ክእለትን ፈጠራን ድንጋጸን ወይ ካብ ጌጋታትካ ንምምሃር ፍቓደኛ ናይ ምዃን ዝንባሌ ክትክኦ ኣይክእልን እዩ። ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ኤለክትሮኒካዊ ዓለምን ብስነ-ምግባራዊ ሜመያ ንሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ምድንፋዕ ከምኡውን ንፍትሕን ዋጋ ስራሕን ብዘለዎ ቁርጠኝነት ክምራሕ ኣለዎ።
ናብ ናይ ምርኻብን ናይ ምትሕንፋጽ መንፈስን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብክቡር ውርሻ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ዓለም ለኻዊ ውዕል ትምህርትን ተደሪኾም ነዚ ሕጂ ዘሎ መዋእል ሰለስተ ቐዳምነት ዝወሃቦም ነገራት ክገልጹ ውን ይርከቡ - ውሽጣዊ ህይወት ምምዕባል፣ ሰብኣዊ ባህሊ ዘለዎ ዲጂታል ምምስራት ከምኡውን ንሓደስቲ ወለዶታት ኣብ ሰላምን ዘተን ዕርቅን ምምሃር። ብምትሕብባርን ሓባራዊ ሞመያን ሓባራዊ ኣስተንትኖን ዝፍለጥ ሓድሽ ናይ ሥርዓተ ትምህርቲ ባህሊ ክምዕብል ድማ ጻውዒት ኣቕረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም፣ ንመምህራን ናይ ምሕዋይን ትብዓትን ልግስን መትረብ ክዀኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ነቲ ናይ ዲጂታል ዓለም ምክፍፋልን፣ ተነቃፊ ርክባት ማሕበራዊ ዘይምርግጋእን ከምኡውን ንዘይማዕርነት ብመንፈስ ወንጌላዊ ናጽነትን ጭቡጥ ተግባራት ፍትሕን ሓድነትን ምላሽ ክህቡሉ ድማ ይዕድሙ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ትምህርቲ ንድኻታት ፈጺሙ ዕሽሽ ክበሃል ከም ዘይብሉ ኣጠንቀቑ።
