ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ዝኽሪ ውሳኔ ዓቢይ ኣስተምህሮት (ስነ መዕበያ) ሓዋርያዊ መልእኽቲ ለጊሶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ተማሃሮ ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበብ ዕለት 27 ጥቅምቲ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ከም ኣካል መዓልቲ ኢዮቤል ትምህርቲ ዓለም ዕለት 27 ጥቅምቲ ኣብ ዘተራኸብሉ ዕለት ብምኽንያት መበል ስሳ ዓመት ዝኽሪ Gravissimus Educationis – ዓቢይ ኣስተምህሮት (ስነ መዕበያ) ዘርእስቱ ኣዋጅ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ህሉው ተዛማድነት እቲ ኣዋጅን ኣብዚ እዋን’ዚ ትምህርቲ ብፍላይ ንካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ዘጋጥመን ብድሆታትን ዘስተንትን ዝኸተምዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዕለት 28 ጥቅምቲ ብወግዒ ንንባብ ከም ዝበቐዐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅዱስነቶም ነቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ምኽታቶም ንመዓልቲ ኢዮቤል ተመሃሮ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ንኢዮቤል ዘመልክት ዓሚቝ ምሳሌ ንግደት ዘኪሮም: ህይወት ትርጉም ዝህልዎ ከም ጉዕዞ ምስ ዝንበር ጥራይ እዩ” ክብሉ ስብከቶም ኣበጊሶም፡ ብቕዱስ ኣፍደገ ምሕላፍ እምነት ከም ህይወት ዕኑድ ከም ዘይኮነት ዘዘኻኽረና እዩ፡ ፣ ካብ ሞት ናብ ህይወት፣ ካብ ጊልያነት ናብ ሓርነት፣ ተመክሮ ናይቲ ናብ ቀጻሊ ምሕዳስን ተስፋን ዝጽውዓና ናይ ፋሲካ ምስጢር እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዝሰፍሐ ኣጠማምታ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣቓልቦኦም ናብ ተማሃሮን ምሁራትን ገይሮም፡ ንህይወቶም ብዕምቆት ዝትንክፍ እንታይ ዓይነት ጸጋ እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡ ቅድሚ መልሲ ምሃቦም፡ “እቲ . . . ጸጋ ናይ ሓደ ስፍሕ ዝበለ ራእይ፡ ንኣድማስ ክሕዝ ዝኽእል ኣረኣእያ፡ ኪኖ ምጥማት” ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ቅዱስነቶም ካብ ወንጌል ሉቃስ (13፡ 10 – 17) ዝተወስደ፡ ኢየሱስ ንሓንቲ ንዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት መንፈስ ድኻም ዝሓደራ ሰበይቲ ዝፍውሰሉ ንባብ ኣስተንቲኖም፡ ነቲ ዝረኸበቶ ፈውሲ ምስቲ ውህበት ፍልጠት ኣነጻጺሮም፡ ኩነታት እታ ጓል ኣንስተይቲ፡ ነቲ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ምዕጻው፡ ኪኖ ገዛእ ርእስኻ ክትጥምት ዘይምኽኣል ዘንጸባርቕ እዩ - ቢሎም - "ደቂ ሰባት ኪኖ ገዛእ ርእሶም፡ ኪኖ ናይ ገዛእ ርእሶም ተመኩሮ፡ ሓሳብን እምነትን፡ ኪኖ ናይ ገዛእ ርእሶም ውጥናት ክርእዩ ዝድርኽ ዕምቆት ምስ ዝጎድሎም፡ ኡሱራትን፡ ጊልያዎት ኮይኖምን ብሱል ፍርዲ ኣብ ምሃብ ዓቕሚ ዘይብሎም" ይኾኑ ኣንክብሉ ኣብሪሆም፡ ሓቀይና መጽናዕቲ እምበኣር ናይ ሓርነት ተግባር እዩ ክኸውን ዘለዎ። ከምቲ ክርስቶስ ነታ ሰበይቲ ትኽ ኢላ ደው ክትብል ዝገበራ፡ ትምህርቲ እውን ንመንፈስ ሰብ የልዕሎ፡ ብርእሰ - ምውሓጥ ይፍውስን ዝሰፍሐ ምስጢርን ሓቅን ምስ ካልኦት ሕብረት ዝሓቖፈ ራእይ ይህብ። እቶም ዘጽንዑ ‘ይትንስኡ ንቑልቁል ዘይጥምት፣ ግን ከኣ ንላዕሊ ክጥምት ዝኽእል ራእይ ንምምላስ ናብ እግዚኣብሔርን ናብ ካልኦትን ምስጢር ሕይወትን” ኣድማሶምን ኣረኣእያኦምን የስፍሑ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ እምነትን ኣመክንዮን ሓድነት
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ዘመናዊ ዓለም ሰብኣውነት "ኣብ ንኣሽቱ ዝርዝራት ክውንነት ክኢላታት" እኳ እንተ ዀኑ ንፍልጠትን ትርጕምን ዘጣምር ሓፈሻዊ ራእይ ንምምላስ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ኣስተብሂሎም፡ ነዚ ኣብ ስነ ትምህርቲ ዝርአ ምግምማዓት ብምቅዋም ምሁራት ነቲ ኣብ መንጎ ኣእምሮን መንፈስን ዘሎ ስኒት እንደገና ክረኽብዎ ዓደሞም፣ እዚ ሓድነት እዚ ኸኣ ከም በዓል ኣጎስጢኖስን ቅዱስ ቶማስ ዘኣዅይናስን ተሬዛ ብዓል ኣቪላ ከምኡውን ኤዲት ስታይን ዝኣመሰሉ ቅዱሳን ዘንጸባረቕዎ እዩ። “ቤተክርስትያን ንሎምን ንጽባሕን እዚ ውሁድ ኣረኣእያ የድልያ። ተማሃሮን መምሃራንን ብማዕረ፡ ስነ ትምህርታዊ ስርሖም “ረቂቕ ምሁራዊ ተግባር” ኮይኑ ከይተርፍ፡ እንታይ ደኣ ንህይወት ዝቕይር፡ እምነት ዘዕሙቕ፡ ምስክርነት ወንጌል ዘደልድል ሓይሊ ክኸውን ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲክን የመላኽት።
ትምህርቲ ከም ናይ ፍቕሪ ተግባር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም ተልእኾ መምህራን ሓቀይና ናይ ምሕረት ስራሕ እንክብሉ ገሊጾም። ምምሃር ከምቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ተኣምር እዩ፣ “ምኽንያቱ ንጥፈት መምህር ንሰባት ምትንሳእ፣ ገዛእ ርእሶም ንኽኾኑ ምሕጋዝን ሓበሬታ ዘለዎ ሕልናን ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ ከማዕብሉ ምሕጋዝ እዩ። ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበብ ነዚ ናይ ኢየሱስ ምልክት - “ብመጽናዕቲ ዝግለጽ መልክዕ ፍቕሪ (ልግሲ)” ዘንጸባርቕ ምልክት ክቕጽላ ኣለወን እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ንዘለካ ናይ ሓቂ ጥምየት ምምጋብ ስነ ትምህርታዊ ግዴታ ጥራይ ዘይኮነስ ኣገዳሲ ሰብኣዊ ዕማም ምዃኑ ኣስተብሂሎም። "ንጥሜት ሓቅን ትርጉምን ምምጋብ ኣገዳሲ ዕማም እዩ፡ ምኽንያቱ ብዘይ እዚኦም ኣብ ባዶነት ምወደቕና፡ ዋላ'ውን ኣብ ሞት ምወድቕና" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ናይ ኣካልነትን ተስፋን ጉዕዞ
ቅዱስ ኣቦና ቃል ቅዱስ ጳውሎስ ብምጥቃስ - “ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን” (ሮሜ 8፡15) - ኣብ መጽናዕትን ምርምርን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ካብ ኩሉ ዝዓሞቐ ሓቂ ዳግማይ ክረኽቦ ከም ዝኽእል፡ ንሕና በይንና ከም ዘይኮንና፡ እንታይ ደኣ ናይ ሓደ ንህይወትና መደብ ዘለዎ ፈቃር ኣቦ ከም ዝኾንና ገሊጾም፡ ኣብ መወዳእታ ኩሎም እቶም ኣብ ስነ ትምህርቲ ጸዋዕታ ዝተዋፈሩ “ኣብ ዝኸድው ዘበለ ሓጐስን ምጽንናዕን ወንጌል” ሒዞም “ኣብ ገዛእ ርእሶም ፈጺሞም ዘይተዓጸፉ ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ቅኑዓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን” ክኾኑ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
