ር.ሊ.ጳ. ንካህናት ሰበኻ ሮማ፡ ኣዕሩኽ ኩኑ፡ ካብ ቅንእን መርበባትን ተጠንቀቑ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 19 ለካቲት ምስ ናይ ርእሰ ሰበኻታት ሮማ ውሉድ ክህነት ኣብ ዘካየድዎ ግልጽን ቅንዕና ዝመልኦ ርክብ ድሕሪ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፡ ካብቶም ካህናት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ከም ዝሃቡ ዝዝኸር ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ካብቶም ካህናት ዝቐረቡሎም ኣርባዕተ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኣገዳስነት ኣበ ነፍስን፡ ክሳብ ጭቡጥ ምልክታት ኣገልግሎትን ጉስነትን፡ ከምኡ እውን ስብከታት ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከዳሎ የብሉን ዝብል ዘጠንቅቕ ሓሳብ ዘጠቓለለ ለበዋታት ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ንመንእሰያት ኣርኣያ ምዃን
እቲ ዕጹው ናይ ሕቶን መልስን መደብ ናይ ርእሰ ሰበኻታት ሮማ ተራዳኢ ጳጳስ ካርዲናል ባልዶ ራይና ድሕሪ ዘስምዕዎ ሓጺር መደረ እቲ መደብ ሕቶን መልሲ ከም እተበገሰን፡ ካብዚኣቶም ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ብር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ማዕርገ ክህነት ካብ እተቐብሉ ሓደ መንእሰይ፡ መንእሰያት ካህናት ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ንመዛኑኦም ብኸመይ ኪድግፍዎም ይኽእሉ ዝብል ንዘቕረበሎም ሕቶ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ፈለማ ናብተን ብዙሓት መንእሰያት ዝመጹለን መብዛሕትኡ ግዜ "ኣዝዩ ኸቢድ ቅልውላው" ዘሕለፉ ወለዲ ወይ "እተፋትሑ ዳግማይ እተመርዓዉ" ኣባይቲ ስድራ "ኣዒንቶም ክኸፍቱ" ተማሕጸኖም። ብዙሓት መንእሰያት ዝተጠንጠኑ መንሰያት ምህላዎም ድማ ብምዝኽካር፡ ካህናት "እቶም መንእሰያት ዝነብሩሉ ክውንነት ኪፈልጡ ኣለዎም፡ ከሰንይዎም፣ ግናኸ ሓደ ካብቶም መንእሰያት ጥራይ ኣትኹኑ፡ ምስክርነት ካህን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚርኖም፡ "ኣርኣያ ህይወት" ምዃን ከም ዘድሊ ብኣጽንዖት ከም ዘዘካኸሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ተነጽሎን ዘስካሕክሕ ህይወትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ካህናት በቶም ናብ ሰበኻ ብዝመጹ መንእሰያት ጥራይ ከይዓግቡ ተላብዮም፡ ናብ ካልኦት ቀረባ ክንከውንን ክንበጽሕን ዘኽእለና ተበግሶታት ክንውድብን ክንሓስብን ከነናድን ኣሎና።" "ባዕልና ናብኣቶም ክንከይድን ንኻልኦት መንእሰያት ክንዕድሞምን ናብ ዝርከብሉ ጐደናታት ክንወጽእ ኣሎና፣ ምናልባት ኣብ እተፈላለየ መገድታት ብናይ ስፖርትን ስነ ጥበብን ባህልን መገድታት ኣቢልና ቀረባኦም ክንከውን ንኽእል” እብክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ንኻልኦት ምፍላጥ ቀንዲ ረቛሒ እዩ፡ ፍልጠት ከኣ ምስቶም "በይኖም ኣብ ከቢድ ጽምዋ ዝነብሩ ብፍላይ ድሕሪ ተመክሮ ለበዳ ኮቪድ - 19 ከምኡ እውን ሓድሽ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ብዘይ ቀጥዒ ምጥቃም ኣዚዩ ከም ዝወሰኸ እዚ እውን ንገዛእ ርእሱ ዝፈጥሮ ጽምዋ ብምዝኽካርን ኣብዚ ጽምዋ እዚ ንዝርከቡ መንእሰያት "ሰብኣዊ ተመክሮ ዕርክነት" ምምስካር የድሊ፡ እዞም ኣብ ከቢድ ጽምዋ ዝነብሩ ካብ ካልኦት ካብ ሃብትን ክቡር ዋጋ ናይ ሓቀይና ሰብኣዊ ርክባትን ርሒቖም ዝነብሩ እያቶም፡ ስለዚ ንመንእሰያት "ካልእ ዓይነት ናይ ዕርክነት ናይ ምክፋል ከምኡውን በብቝሩብ ናይ ሕብረት ተመክሮ" ብኸመይ ከም እነቕርበሎም ክንርዳእ ከም ዘሎናን ካብዚ ተመክሮ እዚ ድማ "ንኢየሱስ ኪፈልጥዎ እውን ክንዕድሞም" ኣሎና። ሎሚ ብዙሓት ካብዞም መንእሰያት እዚኣቶም ኣብ "ዘስካሕክሕ ህይወት" ምጥቃም ዕጸ ፋርስን ገበንን ዓመጽን ከም ዘለዉ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ግዜን መስዋእትን” ዝሓትት እውን ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ኣፍሊጡ።
ሓደ ሰብ ንዘገልግሎ ማሕበረሰብ ምፍላጥ
ምቅርራብን ምስ ካልኦት ምልላይን ዝብሉ ኣገባባት ድማ ቅዱስነቶም ንዕዮ ጉስነት ዘገልግል ክልተ መገዲ ምዃኑ ብምምልካት፣ ሓደ ቆሞስ ወይ ናይ ቀምስና ካህን ኣብዚ ድህረ ዘመናዊ ባህሊ ውጽኢታዊ ክኸውን ካብ "ስርዓት ኣልቦነት" ኣቀራርባታት ክርሕቕ ኣለዎ። እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ "ነቲ ንኸገልግሎ እተጸዋዕኩሉ ማሕበረሰብ ብሓቂ ምፍላጥ" እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ . . . ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሰንበት ዕለት 15 ለካቲት ኣብ ደቡባዊ ከባቢ ኦስቲያ ናብ ዝርከብ ሰበኻ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብምዝካር፡ "ምስ ሰባት ንምዝታይ ብእተኻእለና መጠን ንክውንነቶም ብዕምቈት ካብ ምፍላጥ ክንጅምር ኣሎና" እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብሰብ ስረሖ ኣስተውዕሎ ንዝተዳለወ ስብከታት ኣይፋል ምባል
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ “ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ስብከት ንምድላው ካብ ዝድርኽ ፈተና” ምርሓቕ ከም ዘድሎ ነቶም ካህናት ኣጠንቂቖም፡ "ከም ኩሎም ኣብ ኣካላትና ዝርከቡ ጭዋዳታት፡ እንተዘይተጠቒምናሎም፡ እንተዘይኣንቀሳቒስናዮም ከም ዝሞቱ፡ ሓንጎል ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ስለ ዘድልዮ፡ ብልሕና እውን ዓቕሚ ከይስእን ቁሩብ ምውስዋስ ኣካላት ክገብር ኣለዎ . . . ሓቀይና ስብከት ምሃብ እምነት ምክፋል እዩ እምነት ህይወት ስለ ዝኾነ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ድማ እምነት ከካፍል ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፡ "ኣብቲ እንሰርሓሉ ቦታ ኣብ ቁምስ ኣብ ባህሊ ዝሰረጸ ኣገልግሎት ከነቕርብ ንኽእል እንተ ዄንና ሰባት እምነትናን ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምፍላጥን ናይ ምፍቓርናን ተመክሮና ኪርእዩ እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ናይ መርበብ ምትላል
ኣብዚ መዳይ እዚ "ናይ ጸሎት ህይወት" መሰረታዊ እዩ - "ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ናይ ምድጋም ልማድ" ጥራይ ዘይኰነስ "ምስ ጐይታ እነሕፍሎ ግዜ" ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣነጺሮም፡ "ኣብ ጐይታ ሱር ዝሰደደ ህይወት" ንኻልኦት ከቕርብ ከም ዝኽእል ገሊጾም፣ ኣስዕብ ኣቢሎም እውን መብዛሕትኡ ግዜ "ኣብ መርበብ ኣብ ቲክቶክ ማለት ሓደ ሰብ ንገዛእ ርእሱ የቕርብ ከም ዘሎን በዚ መገዲ እዚ 'ላይክ - ተፈታዊ ዝብል ምልክት' ከምኡውን 'ሰዓብቲ' ምብዛሕን ዘሎ ሕልሚ" ኣጠንቂቖም፡ “መልእኽቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘየመሓላልፍና እንተ ዄንና ምናልባት ተጋግየና ንኸውን ብዛዕባ መንነትናን እንታይ ንገብር ከም ዘሎናን ብጥንቃቐን ብትሕትናን ከነስተንትን ኣሎና" እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ካልእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካህናት ዝሃብዎ ምኽሪ ድማ ኣብ ሕውነትን ዕርክነትን ክነብሩን ኣብ መንጎኦም ኣብ መንጎ ሰባት ዝምድናታት ከማዕብሉን ዝዕድም ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ቅዱስነቶም ብዛዕባ "ሓደ ኻብቲ ኣብ ኵላውነት ደረጃ ዝረአ 'ለበዳ' ማለት ካብ "invidia clericalis" ኣብ መንጎ ክሃናት ክህሉ ዝኽል ቅንዒ ካህናት ኣመልኪቶም፡ ቅንኢ ናብ ሕሜታ ክብ ምስ ዝብል ድማ ድልዱል ዕርክነት ኣክንዲ ዝሓንጽ ዕንቅፋት ይኸውን። ኵላትና ሰባት ኢና፣ ግንዛበታትን ስምዒታትን ዘሎና ኢና፡ እንተዀነ ግን ከም ካህናት መጠን ካህናት ጸላእቲ ወይ ንሓድሕዶም ሸለል ዝበሃሃሉ ዘይገደሱ ዘይኰኑስ ኣዕሩኽን ኣሕዋትን ተኻኣሊ ምዃኑ ዝምስክር ኣርኣያ ህይወት ከነቕርብ ንኽእል ኢና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኣብነት ክህነታዊ ሕውነታት
ምስዚ ብዝምልከት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዝተወለዱላ ከተማ ቺካጎ ዘሎ “ሰናይን ጽቡቕን” ዝኾነ ኣብነታዊ ክህነታዊ ሕውነት ዘኪሮም፣ ገና ኣብ መንበረ ጵጵስና ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ካብ ዝኾኑሉ እዋን ጀሚሮም ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ከም ዝኣከቡን፡ ገሊኦም ክሳብ ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ እውን ከም ዝሓብሩን ኣብቲ መደብ ጸሎትን መጽናዕት ከም ዝሳተፉ እውን ሓቢሮም። ኣትሓሒዞም መጽናዕትን ትምህርትን ዝብሉ ክልተ ነጥብታት ኣልዒሎም፡ "መጽናዕቲ ኣብ ህይወትና ነባሪ፡ ቀጻሊ ክኸውን ኣለዎ። መጽናዕትን ምንባብን ኣብ ህይወትና ነባሪ እዩ ክኸውን ዘለዎ . . . ቢሎም ኣስዒቦም ነቶም ካህናት ንጡፋት ክኾኑ ዓደሞም፡ "ኣፍደገ ካልእ ክንኩሕኩሕ፡ ተበግሶ ክንወስድ፡ ብጾት ወይ ጉጅለ ኣዕሩኽ ምባል ከፍርሓና የብሉን: በብእዋኑ ተኣኪብና ብሓባር ከነጽንዕ፡ ብሓባር ከነስተንትነን፡ ንሓጺር እዋን ጸሎት ክንገብር ድሕሪኡ ናይ ምሳሕ መኣዲ ክንቋደስ ኣብ ቁምስናታትና ክንተዓዳደም ኣሎና . . . ዕርክነትን ምቅርራብን ሓደራ ኣገዳሲ እዩ! ማዕረ ማዕሪኡ ድማ “ቁሩብ ዕምቆት ዘለዎ ሕውነታዊ ዝምድና” ምስ ዝህልዎም ሰባት ምልላይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ናብ ብሕትውናን ሓድሕዳዊ ምንጻጻል ዝመርሓና ዝንባለ ንምስባር ኩነታት ምፍጣር የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
እርጋን
ሓጐስን ጸገማትን ተመኩሮታትን ምክፋል ቅልውላዋት ንምስጋር ይሕግዝ ከምኡ’ውን ነቲ “እርጋን፡ ሕማም፡ ብሕትውና” ዝብጽሓሉ ግዜ ንኽትቅበሎ የዳሉ . . . ሓደ ሰብ ምሉእ ህይወቱ ከም ሓደ ንቕድሚት ዝወስድ ጉዕዞ ገይሩ ዋላ’ውን ምስ ክብደት ዓመታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ’ውን - ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ - ብሕማማትን ጸገማትን እንተነቢርዎ፡ ብጸጋ ኣምላኽ፡ መስቀል፡ ነቲ ዝመጽእ መከራ ናይ ምቕባል ክእለት ክህልዎ’ዩ። ኣብዚ መንጽር እዚ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝዝረበሉን ኣብ ከም ካናዳ ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ድማ ድሮ ሕጋዊ ዝኾነን ጉዳይ ገና መድሃኒት ብዝተረኸበሉ ሕማም ዝተጠቕዐ ሕሙም ብሕክምና እተደገፈ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ክመውት እንተሓቲቱ ድላዩ ክፍጸመሉ ዝእዝዝ ሕጊ ዘኪሮም። ንሕና ባዕልና ኣብ ህይወትና ኣዝዩ ኣሉታዊ ኣረኣእያ እንተሃልዩና፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ካብቲ መብዛሕትኦም ሰባት ዝስከምዎ ዝወሓደ ስቓይ ዘሎና እንተኾይንና፡ ከመይ ጌርና ኢና፡ ‘ኣይፋልን፡ ህይወትካ ብስቓይ ዘይብሉ ሞት ከተብቕዕ ኣይትፍቀድ ሞት ክትመርጽ ኣይትኽእል ኢኻ፡ ስቓይካ ክትቅበሎ ኣለካ’ ክንብሎም እንኽእል? እንክብሉ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ክቡር ዋጋ ህይወት ምምስካር
ወሲኾም ድማ፡ “ህይወት ዓቢ ዋጋ ከም ዘለዋ ቀዳሞት መሰኻኽር ክንከውን ኣሎና” ብምባል ምስጋናን ትሕትናን ቅርበትን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ “ብርግጽ ኩላትና ገለ ኣረጋውያን፡ ገለ ሕማም ዘለዎም፡ ካህናት፡ ዓለማውያን ምመናን፡ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት . . . ዓቢ ጸገም ዘለዎ ህሞታት ዝነብሩ ንፈልጥ ኢና። ንደውለሎም፡ ኬድና ድማ ንብጽሓዮም። ነዞም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት’ውን ንምሕጋዝ ጻዕሪ ንግበር” እንክብሉ ኣተባቢዖም፡ ብተወሳኺ ካህናት ንዝሓመሙ ምእመናን ቅዱስ ቁርባን ቅብኣ ህሙማን ናይ ምብጻሕ ጽቡቕ ልምዲ ክይዝንግዑ ተማሕጺኖም፡ “ሎሚ ምስ ምውሓድ ካህናትን ምብዛሕ ኣረጋውያን ካህናትን ተተሓሒዙ ‘ንዓለማውያን ምእመናን ክልእኽ ነዚ ከብጽሑን ዝከኣል ኮይኑ ኣሎ። ዓለማውያን ሰባት ዝህብዎ ሰናይ ኣገልግሎት እውን እዩ . . . እዚ ማለት ግን ካልኦት ክበጽሑ ከለዉ እቲ ካህን ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ብመርብብ ኣቢሉ ካልእ ነገራት ክዕዘብ ይኽእል ማለት ኣይኮነን - ቢሎም - ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንባዕሎም ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ካህናት “ዋላ ኣብ ዓራት ንዘለዉ ህሙማን ካህናት፡ ብሓቂ ናይ ኣገልግሎትን መስዋእትን ሕይወት የሕልፉ እውን እንተለዉ፡ ጸሎቶም ዓቢ ኣገልግሎት፡ ዓቢ ህያብ እውን ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጸቢቖም ዝፈልጡ እያቶም። ሕይወቶም ሕጂ’ውን ዓቢ ትርጉም ኣለዎ” እንክብሉ ዝሃብዎ መልሲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
