ድለ

2026.02.19 Incontro con il Clero della Diocesi di Roma 2026.02.19 Incontro con il Clero della Diocesi di Roma  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንካህናት ሰበኻ ሮማ፦ ተስፋ ክርስቶስ ንምእዋጅ ብህጹጽ ንእምነትኩም ኣነቓቕሑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንካህናት ሰበኻ ሮማ ውህበቶም እንደገና ከነቓቕሑን፣ ወንጌል ክሰብኩን ምስ ስድራ ቤታትን መንእሰያትን ቅርበት ክህልዎምን ከምኡውን ኣብ ክህነታዊ ሕውነት ንሓድሕዶም ክደጋገፉ ብፍላይ ከኣ ነቶም እተጨነቑ መንእሰያት ካህናት ክድግፉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተረኽቡ ናይ ሰበኻ ሮማ ኣጳጳሳትን ካህናትን ተቐቢሎም፣ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ዕዮኡ ንምስታፍ ዝሃቦም ውህበት ምስ ተቐበሉ፣ እቲ ኣብ ፈለማ ዝተሰምዖም ሓዊ እንደገና ከቀጻጽልዎ ተማሕጺኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስኦም ብምርኻብ ዝተሰምዓም "ዓብዪ ሓጐስ" ብምግላጽ፣ ዘመነ ጾም ገና እኳ ኣብ ምጅማሩ እንተ ሃለወ፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ እዚ ርክብና ግን "ናይ ንስሓ ተግባር ኣይኰነን" ብምባል ተዋዘይዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ንካህናት ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታትን፣ ቀዳምነት ዝወሃቦም ነገራትን እኳ እንተ ኣመልከቱሎም፣ ብእምነት ክጸንዑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ውህበት ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኣብርሁ

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ካህናት ንገዛእ ርእሶም ከም "ኣብ ሓደ ድሮ እተመደበ ጕስነታዊ መደብ ከም ልኡማት ኣተግበርቲ" ጥራይ ገይሮም ከይርእዩን፣ የግዳስ ምስ ዕዮ ኣምላኽ ብምትሕብባር ናይ ፈጠራ ክእለቶም ክጥቀሙ ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "ቤተክርስትያን ሮማ ውህበት ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኣብ ንቕቓሕ ክትዝንግዕ የብላን" በሉ።

መብዛሕትኡ ግዜ "በቲ ቕልጡፍ ባህላዊ ለውጥታትን፣ ተልእኾና ዚፍጸመሉ ዅነታትን፣ ሓድሓደ ግዜ ብድኻምን ክበድን ልማዳውን ኮይኑ ስለ ስለዝስምዓናን ወይ ከኣ በቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዘይተገዳስነት ኣብ እምነትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ተስፋ ስለ ዘቝርጸና፣ ነዚ ሓዊ እዚ ክንምግቦን ከነቐጻጽሎም ከም ዜድልየና ዀይኑ እዩ ዝስምዓና" በሉ።

ቅዱስነቶም ብምቕጻል፣ ነቶም ካህናት ብሓባር ኪዓዩ እውን ተማሕጸንዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ህይወት ደቂ ሰባትን ናብራ ሰበኻታትን ብኸመይ ብዘስደምም መገዲ ኸም እተቐየረ እንከስተንትኑ፣ "ንበይንና ኽንሓስብን ክንገብርን ኣይንኽእልን ኢና" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ካህናት ሰበኻ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ካህናት ሰበኻ ሮማ   (@VATICAN MEDIA)

"ናብ ስብከተ ወንጌል ክንምለስ ድማ ህጹጽ ኩነት እዩ" በሉ። ኣስዒቦም ድማ “እዚ እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ነገር እዩ" ብምባል፣ "ሰባት ምስ ተስፋታት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንደገና ንኽራኸቡ ዚሕግዝ መገድታትን ጐደናታት" ኪህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ተስፋ ከይቖረጽኩም ንእምነት ኣመሓላልፉ

ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳኖም ብምቕጻል፣ ንእምነት ብውጽኢታዊ መገዲ ኣብ ምምሕልላፍ፣ ካህናት ንቘልዑን ንመንእሰያትን ንስድራ ቤታትን ብዝሓሸ መገዲ ዜጠቓልል ካልእ መገድታት ኬናድዩ ኣተባብዕዎም።

ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ንናይ እምነት ባእታታት ምስ ባህላውን ማሕበራውን ረቛሒታት ብምዝማድን፣ ንመንእሰያት ምግልጋል ዜምጽኦ ብድሆታትን እውን ኣፍልጦ ብምሃብ፣ "ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎ ዓሚቝ ናይ ህልውናን ንናብራ ዘይምቝራጽን ምድንጋርን ዘስዕቦ ብዙሕ ጸገማቶም ክንርድኦን ክንትርጕሞን የድሊ" በሉ።

ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ሰበኻታት "ምስተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ተቕዋማት ሥነ ትምህርትን ሰብዊ ሥነ-ፍልጠን፣ ምስ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ክኢላታት ከምኡውን ምስ ኵሎም እቶም ብዛዕባ ጽሕፍቶን መጻእን መንእሰያትና ዝግደሱ" ዘተ ከካይዱ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ቅልጡፍ ውጽኢትን ውሕስነት ዝህብ ቀሊል መፍትሒ የብልናን፣ እንተዀነ ግን ብእተኻእለና መጠን ንመንእሰያት ኣቓልቦ ኽንገብረሎምን ምስአቶም ክንርከብን ሓንጐፋይ ኢልና ክንቅበሎምን ከምኡ ውን ኩነት ህይወቶም ክንካፈል ንኽእል ኢና" ብምባል ተማሕጸንዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ካህናት ሰበኻ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ካህናት ሰበኻ ሮማ   (@Vatican Media)

ዋላ እኳ እንተ ሰልቸወኩም፣ ቀጽሉ ደአ

ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት ዝኾኑ ካህናት ብተወሳኺ፣ "መብዛሕትኡ ግዜ ንተኽእሎን ጾርን ወለዶኦምን፣ ኣብዚ ዘመንን እዚ ንብዓይኖም ኢዮም ዝጾረዎ" ብምባል ኣመልከቱሎም።

"ፈጺምኩም ከይትዕጸዉ እዕድመኩም ኣለኹ፣" ድማ በሉ። "ብዛዕባ ድኻምኩምን ብዛዕባ ጸገማትኩምን ብፍላይ ከኣ ምስቶም ክሕግዙኹም ዝኽእሉ እትኣምንዎም ኣሕዋትኩም ኻህናት ንምዝርራብ ኣይትፍርሁ" ብምባል እውን መዓድዎም።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተረኸቡ ካህናት ሰበኻ ሮማ "ብጭቡጥ ዝኾነ ክህነታዊ ሕውነት ኪነብሩ" ተማሕጸንዎም፣ "ንሓድሕድና ንተሓጋገዝን ንደጋገፍን" ክብሉ ድማ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ካህናት ሰበኻ ሮማ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ካህናት ሰበኻ ሮማ   (@Vatican Media)
20 Feb 2026, 11:20