ድለ

ፅንሰታ ለማርያም 29 ሕዳር 2013 ዓ.ም. (12/8/2020)

ንባባት፡ ኤፈ 1፡3-12፥ ዘፍጥ 3፡9-15፥ ግ.ሓ. 1፡12-15፥ ሉቃ 1፡26-38 ስብከት፡ መሰሠረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳን፥ ያበድሮን እግዚአብሔር ለአናቅጸ ጽዮን፥ እምኵሉ ተዓይኒሁ ለያዕቆብ። መዝ 87፡1-2
ብድምጺ ንምክትታል!

አብ ዋዜማ ናይ ጽንሰታ ለማርያም ለልየ በእዴየ ለሐኩዋ ለድንግል እንተ እምኔሃ ተስባእኩ ይቤ እግዚአብሔር መንበሩ ዘኪሩቤል ዘኢዮር ማኅድሩ ዘይትነገር ቃል ኀደረ ላዕሌሃ። መንበሩ አብ ኪሩቤል ማኅደሩ አብ ኢየር ዝኾነ እግዚአብሔር ባዕለይ ብኢደይ ንድንግል ፈጠርክዋ፤ ክንገር ዘይክአል ቃል አብአ ሓደረ፤ እናበለ ሕርየት ማርያም ካብ መጀመርያ ብእግዚአብሔር ከም ዝኾነንን ኩሉ ናታ ዘበለ ምስቲ ዝወለደቶ ክርስቶስ ተተሓሒዙ ከምዝኸይድ ይነግረና። ኩሉ እምነትና አብ ማርያም ካብ ክርስቶስ ፈሊና ክንርእዮ አይክአልን እዩ፥ ኩሉ ናታ ዘበለ ምስ ወዳ ዝተተሓሓዘ እዩ።

አብ እምነትና አርባዕተ አዕማድ እምነት ብዛዕባ ማርያም አለዉና፡

1.   ማርያም አደ አምላኽ እያ። አብ ጉባኤ ኤፈሱስ ብ431 አበው ማርያም አደ አምላኽ ኢሎም ወሲኖም።

2.   ማርያም ብዘይ ኃጢአት አዳም ተጸኒሳ። ፕዮስ ፱ ብ1854 ንኹሎም አቡናትን ጉባኤ ጳጳሳትን ሲኖዶሳትን ድሕሪ ምሕታት ድንግል ብሕልንአ ድንግል ብሥግአ ኢሎም አዊጆም።

3.   ማርያም ቅድምን ድሕርን ንክርስቶስ ምውላዳ ድንግል እያ። ፭ይ ጉባኤ ኮንስታንቲፕል ብ553 አዊጁ።

4.   ማርያም ብሥግአን ብነፍሳን ንሰማይ ፈሊሳ። ፕዮስ XII ብ1950 አዊጆሞ።

ብዓለ ጽንሰታ ለማርያም ብናይ ሃገርና ስርዓት አብ 13 ታሕሣሥን አብ 7 ነሓሰን ይዝከር፥ ማርያም ኃጢአት አይለኸፋን ካልኦት ኩልና አብ ኃጢአት ተወሊድና። ናይ ማርያም ብዘይ ኃጢአት ምጽናሳ ከም ዓምዲ እምነት አብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ታሕሣሥ 8 1854 ብፕዮስ 9ይ አብ ሮማ ብዕሊ እምነት ቤተክርስትያን ምዃኑ ተአዊጁ። ካብ ፈለማ እዋን ጽንሰታ ጀሚራ ፍሉይ ብዝኾነ ጸጋን ናይ ከሃሌ ኩሉ አምላኽ ጉንዖን ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኅን ዓሌት ሰብ ትሩፋትን ብፅዕት ድንግል ማርያም ካብ ዝኾነ ርስሓት ኃጢአት ናጻ ኮይና ተዓቂባ እያ ፕዪስ ፱ይ Ineffabilis Deus (1854). እዚ ዓምዲ እምነት ዝአውጆ ማርያም ብጸጋ አምላኽ ካብቲ መጀመርያ ካልኢት ጽንሰታ ካብ ኩሉ ኃጢአት አዳም ነጻ ኮይና ከም ዝተወልደት ይነግረና። ማርያም ከም ኩሉ ሰብ ብሥጋዊ ርክብ አቦአን አዲአን (ሃናን እያቄምን) እያ ተወሊዳ፥ እንተ ኾነ እግዚአብሔር ብፍሉይ ክእለቱ ካብ ኩሉ ኃጢአት ነጻ ገርዋ። (ሓ/ት/ክ/ 491)። ካልኦት ኩልና አብታ ዝተጸነስናላ ደቒቕ ብኃጢአት አቦና አዳምን ሔዋንን ንልከፍ። እዚ ኃጢአት ብጥምቀት ነጥፍኦ። ማርያም ግን ካብ መጀመርያ ተፈጥሮአ ብዘይ ዝኾነ ሰብአዊ ድኽመት ኃጢአት እያ መጺኣ። አብዚ ዓለም ከምቲ አዳምን ሔዋንን ቅድሚ አብ ኃጢአት ምውዳቖም ዝነበርዎ ሕይወት እያ ተፈጢራ። እዚ ኹሉ አምላኽ ዝገበረላ ዓስቢ ናይ ዝኾነ ዝገበረቶ ሰናይ ግብሪ አይኮነን፥ ወይ እውን ባዕላ ብዝገበረቶ ዝረኸበቶ አይኮነን እዚ ኹሉ ብመንጽር እቲ አደ አምላኽ ክትከውን ተራእዩ አምላኽ ዝገበረላ እዩ። እምብአር እዚ ጽንሰታ ለማርያም እንብሎ ዘሎና ማርያም መን ምዃና ይገልጸልና። ከምኡ እግዚአብሔር መን ምዃኑን ንሕና አብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሩ እንታይ ክንከውን ከምእንኽእል ክነግረና ይክእል። 

አብዚ ምስ ካልኦት ምስራቓውያን አብያተ ክርስትያናት ንፈላለ ማለት ምስራቓውያን ማርያም አብ ማሕፀን አዲአ ክትጽነስ እንከላ ምስ ኃጢአት እያ ተጸኒሳ ድሕሪ ምጽናሳ ግን ብጸጋ አምላኽ ድሒና ይብሉ። ንሕና ካቶሊካውያን ማርያም አደ ክርስቶስ ስለ ዝኾነት ዝኾነ ኃጢአት ክትንክፋ አይክእልን እዩ ምኽንያቱ ብመንጽር ክርስቶስ ተራእዩ። ከምኡ እቲ መልአኽ ከበስራ እንከሎ ጸጋ ዝመልአኪ፥ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ ክብላ እንከሎ ነቲ አብአ ዘሎ ጸጋ አምላኽ እዩ ዝሕብር ስለዚ ማርያም ካብ መጀመርያ ብዘይ ኃጢአት ተፀኒሳ ንብል።

ማርያም ነቲ ኩሉ ካብአ ዝድለ ክትፍጽም ምልእተ ጻጋ ክትከውን ግድን እዩ ነሩ ምኽንያቱ አብ ከርሳ ዝሓድር ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ስለ ዝኾነ ማኅደር አምላኽ ክትከውን ካብ ኩሉ ኃጢአት ነጻ ክትከውን አልአ።

አብ ወንጌል ሉቃስ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ ክብላ መልአኽ ንሰምዕ። ኩሉ እምነትናን አኽብሮናን አብዚ እዩ ዝምስረት። እዚ ብስራት ገብርኤል መልአኽ ብዛዕባ ማርያምን ብዛዕባ እትጻወቶ ተራ አብ መደብ ድሕነትን እዩ ዝነግረና። እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ ክብላ እንከሎ ሕይወት ማርያም አምላኽ ምስአ ዘይነበረሉ እዋን የለን፥ ኩሉ ጊዜ ጸግኡ ምስ ዓደላ ንሳ ከአ ነቲ ዝዓደላ ጸጋ ትቕበል።

ማርያም ቀዳመይቲ ካብ ኩሎም ቅዱሳንን አደ ቤተ ክርስትያንን እያ። ሓዲስ ትምህርቲ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን ነዚ ክገልጸልና እንከሎ ማርያም ካብ ፈለማ እዋን ጽንሰታ አትሒዛ ዝተሸለመቶ ነፀብራቕ ፍሉይ ቅድስና ብምልኡ ካብ ክርስቶስ ዚመጽእ እዩ። ንሳ ብዝለዓለ አገባብ ብናይ ወዳ ትሩፋት ዝደኀነት እያ፥ እግዚአብሔር አቦ ድማ ካብ ካልእ ፍጡር ሰብ አዝዩ ብዝበለጸ ብኽርስቶስ አብ ሰማያት ባረኻ አብ ቅድሚኡ ብፍቕሪ ቅድስትን መንቅብ ዘይብላን ምእንቲ ኽትከውን ብኽርስቶስ ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ንኣኣ ሓርይዋ (ሓ/ት/ክ/ 492) ይብል።

ሎሚ እምብአር ፍሉይ እንታይነት ማርያም ዘኪርና አሎና ብዘይ ናይ አቦና አዳም ኃጢአት ተጸኒሳ ዝብል። እዚ ዓምዲ እምነት ክንርድኦ ከቢድ እዩ ኩልና እንሰማማዓሉ ማርያም አብ ጉዳይ ድሕነትና ምስ አምላኽ ተሓባቢራ እያ። “ከምዝበልካኒ ይኹን” ክትብል እንከላ እሽታአ ገሊጻ እያ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ክብርሃልና ኢሉ ጊዜኡ ምስ በጽሐ አምላኽ ነቶም አብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ከድኅን ንሕና እውን ናይ ውሉድነት ሥልጣን ምእንቲ ኽንረክብ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ አብ ትሕቲ ሕጊውን ዝኃደረ ወዱ ለአኾ (ገላ 4፡4-5) ይብል። ምሉእ ድላያ ብምግላጻን ነቲ አምላኽ ዝሓተታ ክትእዘዝ ፍቓደኛ ምዃን ምስ ገለጸት ነቲ አዳምን ሔዋንን ብዘይ ምእዛዞም ዝፈጸምዎ አፍሪሳቶ። ንሳ አብ ሕይወታ እንታይ ከምዘድላያ አይ ኮነትን ሓቲታ ነቲ አምላኽ ዝመደበላ እያ ተቐቢላ።

እዚ ናይ ማርያም እሽታ ንድለት አምላኽ ንኹልና ክንርድኦ ከቢድ እዩ አብ ዝተፈላለየ እዋን አምላኽ ድላዩ ክንገብር እሽታና ይሓትት እዩ እንህቦ መልሲ ግን ንድላይ አምላኽ ዝነጽግ ይኸውን። ፍቃድካ ይኹን ብቓል ክንብሎ ቀሊል እዩ ክንገብሮ ክንፍጽሞ ግን ከቢድ እዩ።

ቅ. ዮውሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ8 ታሕሣሥ 2003 አብዚ ብዓል ከምዚ እናበሉ ጸልዮም፥ ኦንግስተ ሰላም ለምንልና. . . ንናይ ጓህን ስክፍታን ጸልማት ናይ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን መንፈስ ቀንጥልና። አእምሮና ልባትናን ንእምነትን ንሕድገትን ክፈትልና። ንሕና አብ ሕይወትና ነዘን ቃላት እናደገምና እንተ ነበርና ምሉአት ጸጋ አምላኽ ክንከውን ንኽእል ኢና።

አምላኽ ካባና ዝደልዮ ነገር አልኦዶ? እወ ይደሊ ክንእዘዞ ክንሰምዖ ድላዩ ክንፍጽም ይደሊ። ንሱ ጎደሎ ኮይኑ ዘይኮነ ንአና አብቲ መደቡ ከሳትፈና ይደሊ እዩ እዚ ካብ ማርያም ንምሃሮ። ማርያም ምስተ ሓተት ሕራይ ኢላ ተቐቢላ። እቲ ሕራይ ዝበለቶ ቀሊል አይነበረን እንተ ኾነ ንአምላኽ ሒዛ ሕራይ ኢላ። አብ ሕይወትና አምላኽ ሕራይ ክንብሎ ይደሊ እዩ። ብፍላይ ብሰንኪ ድኽመትና ወይ ናይ ከማና ዝበሉ ሰባት ድኽመት ንድላይ አምላኽ ከይንሓድግ ናይ ሎሚ ብዓል የዘኻኽረና።

ማርያም ሓንሳእ ጸጋ ምስ ተቐበለት ብዘይ ፈተናን ጸገምን ትነብር ነራ ማለት አይኮነን እኳድአ ዝኸበደ ፈተናን ጸበባ ተሕልፍ ነራ ብፍላይ ንወዳ ከዋርድዎ ክጸርፍዎ አብ መወዳእታ ኸአ ንሞት ፈሪዶም ክሰቕልዎ ክትርኢ እንከላ ክትቅበሎ ቀሊል አይነበረን። ንኹሉ ፈተናን ጸበባን እትኽእሎ ዝነበረት ኲኖ ጸበባ ዘሎ ራህዋ ኲኖ ፈተና ዘሎ ዓወት ርእያ ትኽእል ስለዝነበረት እዩ። አብ ቅድሚ ማርያም ቆምና አብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወትና ንፈተናን ጸበባን ክንሓልፎ ክትሕግዘና ሎሚ ንለምና።

እዚ ብዓል ብፍሉይ ነተን ምሉእ ሕይወተን ብመብጻዓ ዘወፈያ/ዩ ዝያዳ ትርጉም አልኦ። ማርያም አብነት ናይ እቶም ኩሎም ብንጽሕና ዝነብሩ እያ። አብ እምነትና ማርያም ምሉእ ሕይወታ ኃጢአት ዝብልዎ አይተንከፋን በዚ ንኹልና ብንጽሕና ክነብር ክንቃለስ ከምዘሎና አብ ሕይወታ ንርእዮ።

አብ ጽንሰታ ለማርያም ምእማን ማለት አብቲ ንኹሉ ዝሓሊ አምላኽ ምእማን እዩ። አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና አቀዲሙ ንፍሉይ ዓላማን ተልእኮን ከምዝፈጥረና ንርኢ። አምላኽ ቅድሚ ምፍጣርና አቐዲሙ ንኹሉ ዘድልየና ባህርያውን መልዕልተ ባህርያውን ጸጋታት ነቲ ንሱ ዝደልዮ ክንገብር የሰናድወልና። አምላኽ ቅድሚ አብ ከርሲ አደና ምጽናስና እንታይ ከምዝገብረና አቐዲሙ ይፈልጥ እዩ። አብ ኤርምያስ አብ ከርሢ አዴኻ ኽይሓነጽኩኻ ኃሬኹኻ ከይተወለድካ ኸአ ቐደስኩኻ ነሕዛብ ነብይ ኽትከውን ድማ መደብኩኽ በለኒ (ኤር 1፡5) ዝብል ነንብብ። እግዚአብሔር ክፈጥረና እንከሎ አብዚ ዓለም አምጺኡ ዝሓድገና ባዕልና ክንምሓደር አይኮነን ዝሓድገና። ፍቕሪ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ።

በዚ ብሩኽ ዕለት ብዓለ ጽንሰታ ለማርያም ክንዝክር እንከሎና ናይ ባዕልና ጽንሰት ዘኪርና ፍቕርን ምሕረትን አምላኽ ካብታ ዝተጸነስናላ ክሳብ እዛ ስዓት ዘይተፈልየና ነምስግኖ። ቅዱስ ጳውሎስ ካብ ካልኦት ብሉጽ ዝገበረካ መንእዩ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ አሎካ፥ ዝተቐበልካ ካብ ኮንካኸ ስለምንታይ ከምዘይተቐበልካ ትሕበን (1ቆሮ 4፡7) እናበለ ኩሉ ዘሎና ህያብ አምላኽ ምዃኑ አለሊና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክነብሮ ይነግረና። ኹሉ ዘሎና ዝተወሃብናዮ እዩ፥ ኩሉ አባና ዝርከብ ጽቡቕ ውህበት ጸጋ አምላኽ እዩ። ኩልና ደቂ አምላኽ ጸጋ ዝተዓደልና ወረስቲ ጸጋ አምላኽ ኢና። ማርያም ካብኩልና ዝበለጸት እያ፥ ናይ ኩልና ደቂ አምላኽ አደና እያ፥ ንሳ ብምልአት ጸጋ ረኺባ ብምልኡ እተስተማቕር እያ።

ሎሚ ነፍስወከፍና አብ አምላኽ ክንምለስ ልብና ንኸፈተሉ። ደቂ ማርያም ዘብለና ደቂ አምላኽ ክንከውን ከሎና ጥራሕ እዩ። ማርያም ጠበቓና ገርና ንክአልኩሉ አምላኽ ሰላም ፍቕሪ ምሕረት አውርደልና ንበሎ።

ኦማርያም አደና ብዘይ ኃጢአት አዳም ዝተጸነስኪ ንኃጢአት ንክፍአት ንቂምታ ንኹሉ ንአምላኽን ሓውናን/ሓፍትናን ዘጉሂ ነገራት ከይንገብር ካብ ወድኺ ለምንልና። ንስኺ ጠበቓና ንስኺ አደና ኢኺ እሞ በዚ ንአኺ አብ እንዝክረሉ ዕለት ምልአት ጸጋ ተዓዲልና ክንውዕል ንልምነኪ አሎና።

ብሩኽ ብዓለ ፅንሰታ ለማርያም።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።

08 December 2020, 04:09