ድለ

2020.12.27 ሰንበት ዘብርሃን 2020.12.27 ሰንበት ዘብርሃን 

ሰንበት ዘብርሃን 18 ታሕሣሥ 2013 ዓ.ም. (12/27/2020)

መዝሙር፡ አቅዲሙ ነገረ በኦሪት ከመ ይመጽእ ወልድ በስብሓት. . . . ። “ወልድ ንጽዮን ቃል ተሓጓስ ኬስምዕ ከም ዝመጽእ ቀደም ብኦሪት ተናገረ፥ እንደገና ከአ ብአፍ ዳዊት እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ተባህለ፥ ንሱ ንጻድቃን ዘብርህ ናብ ዓለም ዝመጽእ ብርሃን እዩ፥ ንዝጠፍኤ ኪረድእ ንዝተበትኑ ኪእክብ ንቤተ ክርስትያን መርዓዊአ ኰይኑ ናብአ መጸ”
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ሮሜ 15፡4-9፥ ፩ዮሓ 1፡1-ፍ፥ ግ.ሓ.26፡2-23፥ ማቴ 3፡1-12።   ምስባክ፡  ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ፥ እማንቱ ይምርሓኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ፥ ወውስተ አብያቲኪ እግዚኦ። ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ ንሳተን ይምርሓኒ፥ ናብ ጽዮን ናብታ ቅድስት እምባኻን ናብታ ማኅደሪኻ ዝኾነት ቤት መቕደስን የብጽሓኒ። መዝ. 43፡3-4

ብርሃን አምላኽ አብ መገዱ አብ ቤተ መቕደሱ ከብጽሓና ንልምን። አብ አምላኽ ገጹ ዝወስድ መገዲ ክንሕዝ ከሎና አብ መገድና ብርሃን አሎ ከይንዕንቀፍን ከምኡ መገዲ ከይጠፍአና ንሱ ብጸጋኡን ብርሃኑን ምሳና አሎ። ብርሃና አብሪህና አብ ምንጪ ብርሃን አምላኽ ገጽና ክንጉዓዝ ዝሕግዘና ስብከት።

ካልኣይ ሶምን ናይ ምጽአት ንጅምር አሎና። እዚ ሰንበት ዘብርሃን ንብሎ። ኢየሱስ አነ ብርሃን ዓለም እየ ይብለና። ካብ ብርሃኑ ተኻፊልና ክንርኢ ይደልየና። ሎሚ ክርኢ እደሊ አሎኹ እናበልና አብቲ ሓቀኛ ብርሃን እሞ ልብና ሕልናና ሕይወትና አብ ቅድሚ አምላኽ ክንርእየሉ እንኽእል ጸጋ ክዕድለና ክንልምኖ ይግባእ። አብ ሕልናና ብርሃን አትዩ ንኃጢአትና ክንርኢ አብ ጸጋ አምላኽ ክነብር ፍቓደኛታት እንኾነሉ ጊዜ እዩ። አብ ዓለም ምርአይ ጥራሕ እኹል አይኮነን ነቲ እትርእዮ ክትፈልጦ ጥቕሙ ክተለሊ እሞ ክፍሊ ሕይወትካ ገርካ ምንባር የድሊ።

አብ ሕልናና ብርሃን ክርስቶስ ክአቱ ድሕሪ አፍቂድና ሰላም ሕድገት ምሕረት ክንገብር አይክኸብደናን እዩ። ብርሃን ክርስቶስ ክአቱ ስለ ዘይነፍቅድ እዩ ብዙሕ ጊዜ አብ ቂምታ አብ ጽልኢ እንነብር። ሰንበት ዘብርሃን እምብአር ነቲ ጸልማት ጥራሕ ወሪስዎ ዘሎ ሕይወትና ብርሃን ክርስቶስ ክአትዎ እነፍቅደሉ ሰንበት እዩ።

ቃል አምላኽ ንሎሚ ዝተነበና አብ ልብና ከምብርሃን አትዩ ክንርኢ ዝሕግዘና ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዝተወስደ እዩ። ዮውሓንስ መጥምቅ ፊተውራር ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝኾነ እሞ ንሰባት ነቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ አብ ሕይወቶም ክቕበልዎ ዓው ኢሉ ዝነግር ከም ዝነበረ ይነግረና። ንሱ ንመስሕ ነቲ አብ መንግኦም ዘሎ ከለለይዎ ክፈልጥዎ ዘይክአሉ፥ ርእዮም ክአምንዎን ክቕበልዎን ከም ዝመጸ ይነግረና። ኢየሱስ በይሁድ ክልለ አይተኻእለን ምኽንያቱ ከም ትጽቢቶም መስሕ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ድዋዕዋዕ እናበለ ከም ዝመጽእ እሞ ንኹሎም ጸላእቲ እስራኤል ከም ዝጥፍኦም እዩ ነሩ። ብአንጻሩ ኢየሱስ ካብ ሰበይቲ ተወሊዱ ከም ኩሉ ሰብ ኮይኑ መጺኡ ካብ ሰባት ዝፈልዮ ሓንቲ ነገር አይነበሮን፥ ነቲ ዝነበሮም ትጽቢት ዘማልእ አይነበረን።

ዮውሓንስ እምብአር ነዚ ክቕይር አብ በረኻ እናሰበኸ ኩሉ ክበራበር እናጸውዐ መጺኡ። ኩሉ ኩነታቱ ፍሉይ እዩ ነሩ ፍሉይ ድምጺ ሒዙ ብሩህ ገጽ ዘልኦ ኮይኑ ንኹሎም ዝመጽእዎ ዝነበሩ ሒዞሞ ዝንበሩ ሕይወትን መገዲ ክሳብ ክንደይ አብ ጌጋ ከምዘለዉ ኽገልጸሎም ኢሉ ዓው ኢሉ ክንስሑ ይነግር ነሩ። መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እያ እሞ ተነስሑ፥ ጎደና እግዚአብሔር ጽረጉ መገዱውን አቕንዑ እናበለ ይዛረቦም ነሩ። ብናይ ንስሓ ጥምቀት እናአጠመቖም አዒንቶም ነቲ ምእንትኦም ክመጽእ ዘለዎ ጎይታ ብተስፋ ከምዝርእዩ ገርዎም።

አብቲ ቀንዲ ስብከት ዮውሓንስ እንተ ርአና ንሱ ነቲ አብ መንግኦም ዘሎ አምላኽ ርእዮም ክኽእሉ እምበር ንምጽአት መስሕ አይ ኮነን ዝሰብኮም ዝነበረ። ዮውሓንስ ነቲ አብ ማእከሎም ዘሎ ኢየሱስ ክርእይዎ እሞ ነቲ ንሱ ዝሰምኮ ሰናይ ዜና መንግስቲ አምላኽ ዘምጽኦ ክቕበልዎ እዩ ዝጽውዖም ዝነበረ። መልእኽቲ ዮውሓንስ ብግሩህ መገዲ ኢየሱስ ክልለን ክንቅበሎን አይንኽእል ኢና ምኽንያቱ ሒዝናዮ ዘሎና መገዲ ሕይወትና ዝዕንቅፍ ጎቦታት፥ ሸናጥሮን ጥውጥዋይን መሊእዎ ስለ ዘሎ።

እዚ ኩሉ ጸገማት መሊእዎ አብ ጸገም ዘሎ ልቢ ነፍሲ ወከፍና እዩ። ነፍሲ ወከፍና አብ ውሽጢ ልብና አቲና ነቲ ካብ ክርስቶስ አርሒቑ ንብርሃኑ ከይንርኢ ዓጊቱ ሒዙና ዘሎ አለሊና ክንረልጥ ይግብአና። ንመገዲ ክርስቶስ ከይንሕዝ አብ ዓዘቕቲ ቂምታ ጽልኢ ክፍአት ክነብር ከም ካትራመ አጥቢቑ ሒዙና ዘሎ ኃጢአት ርኢና ክንክእል እሞ ክንሳሕ ክንቕየር አብ ብርሃን ክንመላለስ ንሕተት አሎና። ነፍስወከፍና ሕይወትና ክንርኢ ክንክእል እንተ ኸአልና ካብ ካልኦት ፍሉያት ዝገብረና ድኽመት አሎና ገለ ናይ ሓሶት ዝንባሌ፥ ገለ ናይ ሕመታ፥ ገለ ናይ ቂምታ፥ ገለ ናይ ስርቂ፥ ገለ ናይ መስተ፥ ገለ ናይ ዝርጋን ገለ ዘይምምሓር፥ ገለ ጸሎት ገርካ ዘይምኽአል . . . እዝን ካልእን ንሕይወትና ጥውጥዋይን ዘደናግርን ይገብሮ። ዮውሓንስ ነዚ ክንቅይር እንተ ደለና ሰለስተ ነገራት ይሕብረና፥ ኃጢአትካ ተቐቢልካ ምኽአል ማለት እዚ ኃጢአተይ እዩ ኢልካ ምኽአል ምእማን፥ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ምግባር፥ ከምኡ ደቂ አብርሃም ኢና አይትበሉ ንአብርሃምስ ኻብዘን አእማን እዚአን ውሉድ ኬተንሥአሉ ንአምላኽ ከም ዝክአሎ እብለኩም አሎኹ ይብል። ዓለትና ስድራና ከምኡ ባህልና ንድሕነትና እኹል አይኮነን አምላኽ ግላዊ ሕይወትና እዩ ዝግድሶ።

አብ ዘመና ንብዙሓት ከቢዱ ዘሎ ክርስትናና ባህላዊ ወይ ግዳማዊ ምዃኑ እዩ። ብዙሓት ዝተጠምቁ ክርስትያን ጌና አይተቐየሩን አለዉ ከምኡ ኢሎም ከአ ይነብሩ። ሱቕ ኢልካ ትነብር አብ ጥምቀት አብ ሞት አብ ዓበይቲ ጉዳያት ጥራሕ ንአምላኽ ንደልዮ እዚ ሕይወት ዘለዎ ክርስትና አይኮነን። ብዙሓት ብስም ተጠምቁ ዝተቐብኡ መጀመርያ ቅዱስ ቍርባን ብስም ገበሩ እኹሉ ኮይኑ ዝስምዖም አለዉ፥ ከምኡ አብ ቤተ ክርስትያን መጺኦም ከይቆረቡ እንተ ኸዱ እኹል ኮይኑ ዝስምዖም አለዉ። ልክዕ ከምዚ እዮም ገሮም እቶም አብ ጊዜ ዮውሓንስ ዝነበሩ አይሁድ። ካብ ዓለት አብርሃም ምምጽኦም ደቂ አምላኽ ዝገብሮም ይመስሎም ነሩ፥ ንሕና ደቂ እቲ ሕሩይ ዝኾነ ህዝቢ ኢና እናበሉ ዘይቅኑዕ መገድን ርድኢትን ሒዞም ይነብሩ ነሮም። ዮውሓንስ ነዚ ሓዲጎም አብ ሓቀኛ መገዲ ክምለሱ ይነግሮም ነሩ። ሎሚ አምላኽ ምስ ንነፍስ ወከፍና ብግልና ምስኡ ርክብ ክንፈጥር ይደልየና አሎ እምነት ወለድና አይኮነን ዘድሊ ዘሎ (ሕዝ 18፡1-4)፥ ከምኡ ናይ አዕሩኽና እምነት አይኮነን ዘድሊ ዘሎ (ማቴ 25፡1-13)፥ ከምኡ ምስጢራት ብዘይ ዓሚቕ እምነት ወይ ሱቕ ኢልካ ብልምዲ ብስም ተቐበልካ ድሒንካ ማለት አይኮነን። (ማቴ 7፡22-23)።

ብኃጢአትካ/ኪ ምእማን። እዚ እቲ ናይ መጀመርያ ደረጃ አብ ንስሓ ምንባር እዩ፥ ብቅንዕና ንኃጢአትካ ምቕባል። እዚ ክንገብር ድሕሪ ክኢልና ሓላፍነት ናይ እቲ ዝገበርናዮ ኃጢአት ንቕበል አሎና ከምኡ በቲ ዝገበርናዮ ክንጥዓስ ጀሚርና አሎና ማለት እዩ። አብዚ ክንርድኦ ዘድሊ ነገር አሎ ምንዛዝን (Confession) ምንሳሕን (Repentance) በበይኑ እዩ። ብዙሓት ብዛዕባ ምንሳሕ ክዝረብ እንከሎ ከም ኑዛዜ ገሮም ይርድእዎ ወይ ይወስድዎ። ንዮውሓንስ እዚ ብዛዕባ ብኃጢአትካ ምእማን ናብ ምንሳሕ ኃጢአት ገጹ ዝወስድ አብ ግብሪ ክነውዕሎ እንተ ኾና ናብ ኃጢአት ገጹ ዝወስደና ዝኾነ አፍደገ ምዕጻው፥ ነቲ አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ዘሎ ጋግ ምምልኡ፥ ንሕይወትና አብ ስሩዕ መገዲ ሰሪዕና ካብ ዝኾነ ኃጢአት ምርሓቕ እዩ።

ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ግበሩ (ከም ዝተነሳሕኩም መረጋገጺ አቕርቡ)። እዚ ክብሃል እንከሎ ዓወት አብ ልዕሊ ኃጢአት ብዘይ ጭቡጥ መረጋገጺ ብአፍካ ተነሲሐ ምባል እኹል አይኮነን። ንአብነት ቀደም ተባኣሳይ ነረ ሕጂ ግን ምስ ኩሉ ሰላም እየ ምባል የድሊ። ነቢይ ኢሳያስ አብ ሕይወት ሰባት ክርአ አምላኽ ዝደልዮ ክገልጽ ኢሉ ከምኡ እቲ ዝመጽእ መስሕ ዘምጽኦ ለውጢ ክነግር ኢሉ ከምዚ ይብል ተኵላ ምስ ዕየት ክሰፍር እዩ፥ ነብሪ ኸአ ምስ ማሕስእ ክድቅስ እዩ፥ ምራኽን ኵርኹር አንበሳን ብሓንሳእ ክበልዑ እዮም፥ ንእሽቶ ወዲ እውን ክጓስዮም እዩ። ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ክበልዓ፥ ወለልደን ከአ ብሓደ በጥ ክቡሉ እዮም፥ አንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ፥ ዚጠቡ ሕፃን አብ ጥቓ እንዳ ተመን ክጻወት ኅዳግ ጡብ ድማ ኢዱ አብ ጕፍጓድ ከይሲ እናእተወ ኺጻወት እዩ (ኢሳ 11፡6-9)። እዚ ዅሉ አብ እዋን ምጽአት አብ ዘሎናዮ እዋን አብ መን ሰባት ዝኾነ ዘይፍታሕ ጸገም ከምዘየሎ ክረድእ ኢሉ፥ አብ ኩሉ ዝኾነ ጽልኢ አብ መንጎ ከምዘይ ህሉ፥ ዝኾነ ፍልልይ፥ ቅርሕንቲ፥ ምጥፍፋእ ከምዘይ ህሉ ንምግላጽ እዩ።

ክትንሳሕ ክትቅይር ቀሊል አይኮነን እንተ ኾነ ካብ አምላኽ ርሒቕካ አብ ስቓይ ምንባር ከአ ጽቡቅ አይኮነን። ቅሳነት እውን አይህበናን እዩ ብዓቢኡ ካብ አምላኽ ምፍላይ ሞት እዩ። እዚ ጸልማት ዝኾነ ሕይወትና ክንቅይሮ ሎሚ አምላኽ ዕድል ይህበና አሎ። ንዝዓበየ ጸጋ አምላኽ ንምቕባል ንሕይወትና ብድፍረት ክንስዕሮ ይግብአና። ንርእሱ ክስዕር ዝኸአለ ጥራሕ እዩ ክንሳሕ ዝኽእል እሞ ንርእስና ንስዓሮ ሽዑ ነገራት ክቕየሩ ዓለምና ሰላም ክነግሶ እዩ።

ፍረ ንስሓ ፍቕሪ ሰላም ቅሳነት እዩ። ዝተነስሐ ሰብ አብ ውሽጡ ሰላም ሕድገት ሓጎስ አልኦ። ዝተነስሐ ሰብ ምስ ካልኦት ክዕረቕ ሰላም ክገብር አይከብዶን እዩ። አብ ገለ እዋን ሰባት ዕርቂ ዝአብዩ ክንስሑ ስለ ዘይከአሉ ጥራሕ እዩ። ንስሓ አብ ፍቕሪ አብ ሕድገት አብ ሰላም እዩ ዝወስደና።

መሓሪ አምላኽ ስለ ዝምሕረና ንሕና ኸአ ክንምሕር ክነፍቅር አይከብደናን እዩ። ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ እምብአር አብ ስሩዕ ዝኾነ ሕይወት ክንመርሕ ዓቢ ተራ አለዎ። ስለዚ ሎሚ ንአምላኽ ልብና ክነፍቅደሉ ጩራ ብርሃን ምሕረቱ አብ ልብና ክአቱ ባብ ልብና ንኽፈተሉ። ምሓሩ ክትምሓሩ ኢሉና አሎ።

ቀንዲ ትሕዝቶን መልእኽትን ናይ ሎሚ ንባባትና እምብአር፥ እቲ እዋን በጺሑ እዩ፥ መንግስቲ አምላኽ ከአ ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ (ማር 1፡15) ዝብል እዩ። አብ ልብና እትው ኢልና ንርአ እሞ ነቲ ካብ ፍቕሪ አምላኽን ካብ ከማና ሰብ ዓጊቱና ዘሎ ደርቢና ደቂ ብርሃን ደቂ ክርስቶስ ንኹን።

አብ ጸሎትና ንማርያም አደ ብርሃን ዓንቀጸ ብርሃን ንብላ ምኽንያቱ መጀመርያ ብርሃን ክርስቶስ ዝተቐበለት ንሳ እያ፥ ናይ ብርሃን ጣዕምን ጥቅምን ዝያዳ ኩሉ ዝተረድአት ስለ ዝኾነት አብ አደ ብርሃን ቀሪብና ነቲ ንስኺ ዝተቐበልክዮ ዝረአኽዮ ብርሃን ወድኺ ክንቅበል ሓግዝና ጸልይልና ንበላ። ብርሃን ወደይ ክትርእዩ ንሱ ዝበለኩም ግበሩ ንሱ ዝደልዮ ግበሩ ትብለና አላ እሞ፥ ንሱ ዝደልዮ ንስሓ፥ ፍቕሪ ሰላም፥ ሕድገት ክንገብር እዩ፥ ነዚ የብቅዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

27 December 2020, 01:18