ድለ

ሰንበት ዘቅበላ የካቲት 21 2013 ዓ.ም. ( የካቲት 28 2021)

መዝሙር፡ ወብዙኃን ኖሎት . . . ያዕቆብ ዕጡቕ ሕቚኡ ክሳብ ዝመጽእ ብዙሓት ጓሶት ነታ እምኒ ካብ አፍ ዔላ ክግልብጥዋ አይከአሉን። ንሱ ከፊቱ መጓሰኡ አስተየ፥ ከምኡ ብዙሓት ነብያት መጽኡ ግን ንጥምቀት ክሳብ ዓቢ ጓሳ ዝመጽእ ክኸፍትዋ አይከአሉን፥ ንሱ አብአ ብዙሓት አሕዛብ አጥመቐ፥ ተአምራት መድኅኒና ዘደንቕ እዩ፥ ከምቲ በትሪ ካብ ዘርኢ እሰይ ብአምሳል በትሪ ያዕቆብ መጓሰ አባግዑ ዝሕልወላ ዝወጸት ንሳ ማርያም እያ። ከም ዝበሎ በትሪ ክትወጽእ እያ ዕምባባ አብአ ክርአ እዩ፥ ንሱ ሓደ እዩ ንሱ ወዲ አምላኽ እዩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮ. 3፡16-23፥ 1ጴጥ. 2፡20-ፍ፥ ግ.ሓ. 11፡1-19፥ ማቴ 5፡38-48   ስብከት፡ አግረረ ለነ አሕዛበ ታሕተ እገሪነ፥ ወኃረየነ ሎቱ ለርስቱ፥ ሥኖ ለያዕቆብ አፍቀረ። ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፣ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም። ንኽብሪ ያእቆብ፣ ፈታዊኡ፣ ርስትና ኪዀነልና ይሐርየልና። (መዝ 47.3-4)

ኩሉ ብሉይ ኪዳን ዝሕብሮ አብ ክርስቶስ ንምብጻሕ እዩ። ክርስቶስ ናይ ኩሉ መወዳእታን መጀመርታን እዩ። ብማርያም አቢሉ ንኹልና አብ ቤቱ ከምንአቱ ገሩና።

ትርጉምን እንታይነትን ቅድስና።

ስለ ምንታይ ቅዱሳት ክንከውን ዝድለ? መገዲ ቅድስና አበይን ከመይን ይርከብ? ቅዱሳት ክንከውን አሎና ምኽንያቱ እግዚአብሔር ቅዱስ እዩ፥ ከምኡ ብአምሳሉ ተፈጢርና። ግን እንታይ እዩ ቅድስና? ብዙሕ ጸሎት ብምግባር ዝርከብ ድዩ? ብዙሕ ጊዜ አብ ቤተክርስትያን ብምሕላፍና ዝርከብ ድዩ? አብ ሌዋውያን 19፡1-18 ዘሎ እንተ አንበብና ብሕጽር ዝበለ ንኸማኻ ዘመሰለ ሰብ ዘይምጽላእ ንብጻይና ከም ነፍስና ብምፍታው ዝርከብ ሓቀኛ ሕይወት ምዃኑ ነንብብ። ብሓጺሩ ምስ ኩሉ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ኮንካ ምንባርይ እዩ። ንሕና ንኹሉ ብቐሊል ስለ እንወስዶ ንጥቕሚ ርእስና ጥራሕ ንሰርሕ ሽዑ ካብ መገዲ አምላኽ ወጺእና ንአምላኽ ብዝተፈለለዩ ነገራት ንትክኦ። ካብቲ ዝገርም ሰብ ጥራሕ እዩ ንአምላኽ ብኻልእ ነገር ክትክእ ዝኽእል። ክርስቶስ አብ ስብከቱ ከም ርእስና ጌርና ከምኡ ንኻልኦት ከአ ክንገብረሎም ይደልየና ሽዑ አምላኽ ምሳና አሎ: እዚ ኸአ እዩ እቲ ቅድስና እንብሎ ምስ እግዚአብሔር ምዃን።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሕነ አይትፍደዩ ይብለና። አብ ትምህርቱ ኢየሱስ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩን ነርድእቱን ካብኦም ካብቲ አብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ዝያዳ ከም ዝጽበ ነጊርዎም። ዓይኒ በዛ ዓይኒ ስኒ በዛ ስኒ ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም እዚ ምኽሪ ንርእሲ ምክልኻል እዩ ማለት ልክዕ ከምቲ ጸላኢኻ ዝገበርካ ግበሮ እምበር ካብቲ ንሱ ዝገበሮ ንላዕሊ ሕነ አይትፍደ ማለት እዩ። ሕነ ብቤት ፍርዲ እምበር ባዕልኻ ሕነ ክትፈዲ አይክአልን እዩ። አብዚ እዋና ሰባት ብዝተዓጻፈ ሕነ ክፈድዩ ክድልዩ ንርኢ።

 ዘይምቅዋም፡

ኢየሱስ ንኽፉእ አይትቋወምዎ ይብል። የማነይቲ መትልሕትኻ ንዝጸፍዓካ ግና እታ ኻልአይቲ እውን ምለሰሉ፥ ነቲ እጀ ጠባብካ ኺወስድ ኢሉ ዚኸሰካ ነጸላኻ እውን ኅደገሉ፥ ሓደ ምዕራፍ ምስኡ ክትከይድ ንዝገደደካ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ. .  ኢልዎም። አብ ተግባር ክተውዕሎ ዘይክአል ትምህርቲ። ሓደ ንርእሱ ዝተአማመን ሰብ ከመይ ገሩ ነዚ ፈራሕ ዘምስል ትእዛዝ ክፍጽም ይኽእል። ሰብ ብባኅሪኡ ንዝዓመጾ አይኮነ ብዝኾነ ካልእ ምኽንያት እውን ብኻልኦት ንዝመጾ ዓመጽ አይጻወርን እዩ። ሕኒኡ ዘይፈዲ ወዲ አድጊ ንብል። ሕነኻ ዘይምፍዳይ ከቢድዩ።

ሕነና እንተ ዘይፈደና ስዕረት ድዩ? ከመይ ምስ ኮነ እዩ ሓደ ሰብ ስዒሩ ዝብሃል፥ እቲ ሕኒኡ ዝፈዲዶ ወይስ እቲ ተጸፊዑ እንከሎ ሱቕ ዝብል። መን እዩ ዕዉት ዝብሃል? እቲ ከምቲ ክፍኡ ዝገበሮ ዘጥቅዖ ከምኡ ዘይገብር እሞ አብ ደረጅኡ ከይወድቕ ዝአቢ ንሱ እዩ እቲ ዕዉት ዝብሃል። አብ ቂምታ አብ ሕነ ምፍዳይ ዝዋፈር ሰብ ቅሳነት የብሉን። ንቑጥዓ ሓውና ዝሑል ማይ ክንደፍአሉ እንከሎና ጥራሕ እዩ እቲ ዓወት።

ሰለስተ ትርጉም ዘልኤን ምሳሌታት ወንጌል አብ ተግባር ክርአ እንከሎ።

  1. የውሓንስ ፓውል ዝተባህለ ኢየሱሳዊ ጸሓፋይ ከም ዝብሎ ሓደ ሰብአይ ካብ ሓደ ኩሉ ጊዜ ዘዋርዶ ዝጸርፎ ሰብ ጋዜጣ ንግሆ ንግሆ ይገዝእ ነበረ ይብል። ሓደ ነዚ ኩነታት ዝተዓዘበ ሰብ ከመይ ገርካ ነዚ ክትጻወሮ ክኢልካ አሎኻ እናጸረፈካ ብዘይ ሓደ መልሲ ንግሆ ንግሆ ካብኡ ጋዜጣ እትገዝእ እናበለ ክሓቶ ጀመረ፥ እቲ ሰብአይ ስለ ምንታይ ክልተና ክፉአት ንኸውን?ስለምንታይ አብቲ ንሱ ዝገብሮ ነገር ዝአቱ? ስለምንታይ ካልእ ሰብ ንስምዒታይ ክጻወተሉ ዘፍቅደሉ ኢሉ መሊስሉ። ሓደ ሰብ ሕማቕ እንተገበረና ከምኡ ሕማቕ እንተ ፈደናዮ አብቲ ሕመቑ አቲና ማለት እዩ ስለዚ ንሕማቕ ብጽቡቕ ክንዕወተሉ ይግባእ። ንናጽነትካ ዘሕድግ ነግር ከይትገብር ምጥንቃቕ ናጽነቱ ዝተሓድገ ሰብ ጥራሕ እዩ ሕነ ዝፈዲ። ሰባት ነጻነትና ከይሕድጉና ክንጥንቀቕ ይግብአና። 
  2. አብ To Kill a Mockingbird ዝብል ምርኢት ፊልም, ጆርጅ ፐክ ዝተባህለ አብ ክንዲ ናይ ሓደ ጸሊም ንሓንቲ ጓል ዝዓመጸ ጠበቓ ኮይኑ ይዓዪ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ጻዕዳ ካብቶም ደቂ እታ ከተማ ናብ ፐክ ቐሪቡ አብ ገጹ ጡፍ ኢልሉ እዚ ኸአ ሕርቃኑ ክገልጽ ኢሉ እዩ ምኽንያቱ ንሓደ ሓርፋፍ ጠቃር ጸሊም እሞ ንጻዕዳ ዝዓመጸ ጠበቓ ብምዃኑ እዩ። ፐክ ከይተረበሸ ሱቕ ኢሉ መንዲሉ አውጺኡ ብዘይ ዘረባ ነቲ አብ ምዕጉርቱ ዝነበረ ጥፍጣፍ ጸሪጉ ሓንቲ አይበለን ሓንቲ ኸአ አይገበረን። አብዚ ንጹር እዩ መን ካብኦም እዩ መንነቱ ዘዋረደ። ፐክ ብትዕግስቱ ነቲ ናይ ጡፍ ዝበለሉ ውዱቕ ጌጋ 180 ዲግሪ ቀይርዎ። እቲ ጡፍ ዝበለ ሰብ ጌና አብ ወገን ዓለት ሓንቲ ከየረጋገጽካ ብስምዒትን ሃውርን ተበጊሱ እዩ ነዚ ነውራም ተግባር ዝፈጸመ። አብ ዝተገብረ መርመራ ነታ ጻዕዳ ዝዓመጸ ካልእ ጻዕዳ እዩ ነሩ። ንሓቂ ንግጉያት ብምጻር አብ ማዕለቢኡ ክነብጽሖ ንኽእል።
  3. ኢየሱስ አብ ቅድሚ ከሰስቱ አብ መጋብየአ ደው ኢሉ እንከሎ ሓደ አብ ገጹ ከምዚ ኢልካ ንሊቀ ካህናት ትምልሰሉ ኢሉ ጸፊዕዎ። ክምልሰሉ እንከሎ እንትይ ኢልዎ ነታ ካልአይቲ ምዕጉርቱዶ ሂብዎ? ብርግጽ ከምኡ አይገበረን። መሊሱ እውን አይሃረሞን። ከምዚ ጥራሕ ኢልዎ፥  ክፉእ ገረ እንተ ኾይነ እንታይ ገረ ንገረኒ እንተ ዘይኮነ ስለ ምንታይ ትጸፍዓኒ፥ አብኡ ሕርቃን ጽልኢ ሕነ ምፍዳይ አይነበረን፥ ብህዱእ መንፈስ ምስ ምሉእ ምልኪ ርእሱ ነቶም ዝኸስዎ ዝነበሩ ክምልሰሎም ይርአ። ንሱ ክብረቱን መንነቱን ክዕቅብ እንከሎ ጸላእቱ ግን ኩሉ መአዝኖም አጥፊኦም ነሮም። አብ ሕይወት ሰባት እንተ ረአና ሓቂ ዘይሕዙ ምስ ዝኾኑ ቀልጢፎም ንጽልእን ዕግርግርን ዝዕድም ኩነታት ይፈጥሩ። ንኻልእ ከካፍኡ ደቒቕ አይወስደሎምን እዩ። እቲ ሓቀኛ መልሲ እዚ ኢየሱስ ዘስተምህረና እዩ። ኢየሱስ ዝሃበና አብነት ብሰባት ክንጥቃዕ ከሎና ስምዒትና መሊኽና ክንምልስ ከሎና ዓወት ምሳን ምዃና አርእዩና።

ነዚ ሰለስተ ምሳሌታት አተኲርና ክንርእዮ ከሎና ፍሉይ ትርጉም ንሕይወትና አለዎ። ንኻልአይቲ ምዕጉርትኻ ሃብ ክብለና እንከሎ ሕመቕ አይኮነን። ውሽጣዊ ሓይልን ርእሰ ምትእምማን ይሓትት። ነዚ አብ ኩሉ ዓለማዊ ምርኢታት አይንርእዮን። ዓለምና እንተ ተዓዘብናዮ ሰባት አብ ነንሕዶም ክናቖቱ ክጣፍኡ ኢና እንርኢ። አብ ተግባር ከም ዝርአ ሰባት አብ ነንሕዶም ከጥፍኡ ክጽዕሩ ከለዉ ጥፍአት ዕንወት እዩ ዝኽተል። እዚ አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ ሎሚ እውን ብግብሪ ንርእዮ አሎና። ካብ ሕነ ምፍዳይ ዝርከብ መኽሰብ የለን። ንኽፉእ ብጽቡቕ ክንትክኦ ከሎና ጥራሕ እዩ ሓቀኛ ሕይወት ክመጽእ ዝኽእል። ነዚ ክነተግብር ግን እንኸፍሎ አሎ። ደም ክጥእመና እዩ፥ ንስምዒትናን ንናይ ሰባት ዘረባን ዋጋ ከይንህብ ክንጥንቀቕ አሎና። ርእስና መሊኽና ንሓቂ እንተ ሰዓብና ሽዑ ዓወት ምሳና አላ።

ምስ ጸላኢኻ ዘተ ምግባር።

ኢየሱስ ግና አይወድኤን አሎ ንጎረበትካ ከም ነፍስኻ ገርካ አፍቅር ንጸልኢኻ ግን ጽላእ ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም፥ አነ ግን ጸላእትኹም አፍቅሩ ምእንቲ እቶም ዘሳድድኹም ጸልዩ ሽዑ ደቂ እቲ ሰማያዊ አቦኹም ክትብሃሉ ኢኹም፥ ንሱ ፀሓዩ አብ መንጎ ሓጥአንን ጻድቃንን እዩ ዘብርቕ፥ ዝናሙ ንጻድቃንን ሓጥአንን እዩ ዘዝንብ። ዘፈቅሩኹም እንተ አፍቀርኩም እንታይ ዓስቢ አሎኩም፥ አኽፈልቲ ቀረጽ እውን ከምኡዶ አይኮኑን ዝገብሩ፥ ንሓውኹምን ሓፍትኹምን ጥራሕ ሰላም እንተ በልኩምድአ ካብ ካልኦት ብምንታይ ትፍለዩ? አረማውያን እውን ከምኡዶ አይኮኑን ዝገብሩ እናበለ ትምህርቱን መገዱን ሓቢርዎም።

ሓሚሙ ድዩ ነሩ ነዚ ክብል ከሎ? እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ ከምዚ ክብል እንከሎ ኩልና ወላ እውን ሕሱም ነገር ንዝገበሩ ክንምሕሮም ድዩ ዝብል ዘሎ። ከመይ ገርና ኢና ነቶም ክፉእ ዝገብሩና ክነፍቅሮም እንኽእል። እሞ ክፉአት ርጉማት ምዃኖም አጸቢቕና እንፈልጦም? ቀተልቲ ሰብ ሓረድቲ ገፋዕቲ ሞትካ ዝምነዩ ውድቀትካን ሕስረትካን ንዝምነዩ ከመይ ገርካ እዩ ክምሓር ዝክአል። ብሓቂ ከቢድ ነገር ግን ክንገብሮ ዘሎና። ንእትጸልኦ አብ መአዲ ዘተ ክትዕድሞ ከሎኻ ሰይጣን ይስዓር። ኩሉ ኩነታት አብ ግምት አእቲኻ እቲ እንኮ ፍታሕ ገጽኒ ግንባርን ኮንካ ንጸልማት ዘሎ ሕይወት ብርሃን ምዅላዕ እዩ እቲ ቁምነገር።

እቲ ጸገም ክተፍቅር እዩ።

ንጸልእትኹም አፍቅሩ፥ ከም ነፍስኹም አፍቅርዎም ይብል። እቲ ዝኸበደ ትእዛዝ እዚ እዩ ንአና ንደቂ ሰብ። መድኃኒና ነዚ አብ ግብሪ አርእዩና። አብ መስቀል እናገዓረ ንጸላእቱ ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ ምሓሮም ክብል ንሰምዖ። ንሕና እውን ናብዚ ርድኢት በጺሕና ናይ ወገና ዕዉር ሕልና ብፍቕሪ ክንስዕሮ ድላይ አምላኽ እዩ።

ብሓፈሻ ክርአ ከሎና ፍቕሪ ዘይትርጉሙ ሒዙ ክጉዓዝ ንርእዮ፥ አነ ንሓደ አፍቅሮ/ራ ክብል ከሎኹ ብስምዒተይ እፈትዎ አብኡ ፍሉይ ስምዒት አብኡ ዘቕርብ ነገር አሎኒ እፈትዎ። አብ ስምዒተይ አብኡ/አ ዘቕርብ ነገር አሎኒ። ንግዳማዊ ስምዒተይ ደስ ዝብሎ አብዚ/አ ሰብ ስለ ዘሎ ክፍተወካ/ክትፍተዋካ ጨው ዘለዎ ዘለዋ እናበልና ነቲ ግዳማዊ ምኽንያት መፍቀሪና ንገልጽ እንተኾነ እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ እዚ አይኮነን። ኢየሱስ ነዚ ዓይነት ፍቕሪ ግዳማዊ አፍአዋኢ ይብሎ። 

አብ ቋንቋ ወንጌል ምፍቃር ማለት ናይ ሓደ ሰብ ድሓን ወይ ጽቡቕ ምምናይ እዩ ዘስምዕ። ሓደ ትርጉም ጥራሕ እዩ ዘልኦ፥ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንሓደ ሰብ ጽቡቅ ነገር ጥራሕ ክትገብር እንከሎኻ ዝርከብ እዩ። ምስ ካልእ ክፋቐር አይኮነን ዝሓተኒ ዘሎ ወይ ምዉቅ ስምዒት ምስ ሓደ ክፉእ ዝገበረኒ ከጥሪ አይ ኮነን ዝሓተኒ ዘሎ። እዚ እንተ ኾነ ምልጋጽ እዩ። ነቶም ክፉእ ዝገብሩና ዘሳድዱና ብሓቂ ሰናይ ክንምነየሎም ከሎና እዩ እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ። ካብቲ ዓዘቕቲ ዘይሓቀኛ ፍቕሪ ክነውጽኦም ክንጽዕር እንከሎና ሽዑ እዩ እቲ ሓቀና ፍቕሪ እምበር አብ ወገነይ ዓርከይ ሓወይ ሓፍተይ ጥራሕ ዝተደረተ ፍቕሪ መንፈስ ክርስቶስ የብሉን። ኩነታቶም ክቕይሩ ምእንቲ ክንጽልየሎም ይግባእ፥ ምእንቲ ጥቕሚ ርእስና ዘይኮነ ምእንቲ ድሕነት ነፍሶም እውን። ካብ ጸላእትን ጎዳእቲን ናብ አፍቀርቲ ብኻልኦት ዝግደሱ ክኾኑ ክንጽልየሎም ይግባእ። 

ካብ ኩሉ ውጹዓት ሓገዝ ዘድልዮም።

ብሓቂ ክንርኢ እንተ ድአ ኮይኑ ካብ ዚኦም ንላዕሊ ጸሎት ዘድልዮ ሰብ የለን። ብኻልእ አዘራርባ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ክንጸልኦም እንተ ደአ ኮና ንርእስና ከምአቶም ንገብራ አሎና ማለት እዩ፥ ንርእስና አብቲ ደርጅኦም ነውርዳ አሎና ማለት እዩ። አብ ዕለታዊ ሕይወትናን ዓለምና ከም እንርእዮ ዘሎና ጽልእን ዓመጽን ብጽልእን ግፍዕን ክምለሱ ኢና ንርኢ ዘሎና። ሰብ ንሰብ ከካፍእ ንኃጢአት ጠኒኖም ክአትዉ ክገፍዑ ንሰባት አብ ናይ ጽልኢ መአዲ ጥራሕ ክነብሩ ዝደልዩ ውሑዳት አይኮኑን።

ጽልኢ አብ ልቡ ሒዙ ዝነብር ሰብ ኩሉ ጊዜ ቅሱን አይኮነን ብቐሊል ይሓርቕ አብ ልቡ ጽልእን ግፍዕን ኩሉ ጊዜ አሎ። አብ ገለ እዋን ንሰባት ብምጽላእና ዝቐጻዕናዮም ኮይኑ ይስምዓና እዩ እንተ ኾነ ንርእስና ኢና እንቐጽዕ፥ ንርእስና ናይ እቲ ጽልኢ ገንሸላት ንኸውን። አብ እዋናት ጽልእን እንርእዮ ጠባያትናን አካይዳናን አብ ልዕሊ ሰባት መለክዕ ናይ አብ ልዕሊ ሰባት ዘሎና ተገዳስነትን ርድኢትን ዝገልጽ እዩ። ከምቲ ኢየሱስ ዝበሎ ንመቕርብካ ንጽቡቕ ዝገበሩልካ ክተፍቅር ቀሊል እዩ፥ ምስቲ ናይ ወንጌል ክነማስሎ እንተ ኾና ሸበርቲ ንከምኦም ዝአመሰሉ ሸበርቲ የፍቅሩ እዮም። ማፍያ ንማፍያ የፍቅርዎም አሕሊፎም አይህብዎምን እዮም፥ ንኻልእ ግን አየፍቅሩን እዮም። ናታትና ፍቕሪ ግን አብቲ አምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ ዝገለጾ ፍቕሪ አብቲ ክርስቶስ አብ መስቀል ክመውት እንከሎ ዘርአዮ ፍቕሪ፥ አብቲ ዕለት ዕለት ብመአዲ ቅዱስ ቍርባን አቢሉ ክንቅበሎ ከሎና ዘርአዮ ፍቕሪ ዝተመስረተ እዩ። ንአምላኽ ክነፍቅር ንሓውና ነፍቅር ዝበለ ቅ. ዮሓንስ አብኡ እዩ ትርጉም ፍቕሪ እንምሃሮ።

ፍጹማት ኩኑ።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል አብ መወዳእታ ብኸምዚ ይዛዝሞ፥ ከም ሰማይዊ አቦኹም ፍጹማት ኩኑ ነዚ ከም ናይ መጨረሽታ ዓላማና ገርና ክንጉዓዝ ይግብአና። አብዚ እቲ ፍጽምና ፍጹም ፍጽምና ማለት አይ ኮነን ኩሉ ጊዜ አብ ጉዕዞ ፍጽምና ክንርከብ ንፍጽምና አምላኽ አብ ቅድመና ገርና ሕይወትና ክንመርሕ። ከምቲ ሰማያዊ አቦና ንኹሉ ብማዕረ ዘፍቅር ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር። ምስኡ ክንውሃሃድ እንተ ደአ ኮና አሰሩ ክንክተል አሎና። ካብ ዝኾነ ሰብ ፍቕርና ክንስሕብ ወይ ከየፍቀርና ክንነብር ሓንቲ መሰል የብልናን ክነፍቅር ጥራሕ እዩ ዘሎና። ሰባት ንፍቕርና ወይ ንፍቕሪ አምላኽ እንተ ዘይመለሱ ጸቡቕ አይኮነ ግን ጉዳዮም እዩ ንሕና ክነፍቅር እዩ ዘሎና።

ስለ ምንታይ ኢና ንሰባት ብኽብርን ተገዳስነትን እንሕዞም?

ንዕብየት መንፈሳዊ ሕይወትናን ቅሳነት ክንረክብን እንተ ደአ ኮና አብ ሰባት ዘሎና አረአእያ ከምቲ ክርስቶስ ዝደልዮ ገርና ክንጉዓዝ ይግብአና። ኢየሱስ ዝሓተና ዘሎ ሱቕ ኢሉ ትርጉም ዘይብሉ ወይ ዘይክአል ነገር አይኮነን ዝሓተና ዘሎ፥ ንሱ ዝሓቶ ዘሎ ዓይንና ክንከፍት እሞ ነቲ ሓቂ ጥራሕ ርኢና ክንክእል ምስቶም አብ ከባቢናን ምሳና ዘለዉ ሰባት ብሓቂ ክነብር። ስለምንታይ ንሰባት ነኽብሮምን ንግደሰሎማን ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝብለና አብ ሎሚ ዝተነበ “ንስኻትኩም ቤተመቕደስ አምላኽ ኢኹም መንፈስ አምላኽ አባኹም ይነብር። ሓደ ንቤተ መቕደስ አምላኽ እንተ አፍረሰ አምላኽ ነቲ ሰብ ከፍርሶ እዩ። ቤተ መቕደስ አምላኽ ቅዱስ እዩ እሞ ንስኻትኩም እቲ ቤተመቕደስ ኢኹም” ይብል። እዚ/አ አብ ጎነይ ዘሎ ሰብ እዚ ቤተ መቕደስ እዩ። አብዚ/አ ምሳይ ዘሎ/ዛ አምላኽ አሎ ንአይ መገዲ አምላኽ ክሕብሮ ከፍቅሮ ክቕይሮ ብአምላኽ ዘሕትተኒ እዩ። አብዚ ቅዱስ ጳውሎስ ብፍሉይ ንክርስትያን እዩ ዝብል ዘሎ ግን ከአ ኩልና ብአምሳል አምላኽ ዝተፈጠርና አምላኽ አብ መንጎና አሎ።

ህላዌ አምላኽ።

ብሓፈሻ ጸዋዕታና ህላዌ አምላኽ አብ መንጎና አለሊና ክንክእል አብ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ፍጡርን ዝጓነፈና መሊስና ክንክእል እዩ። ንሶም ዝገብርዎ ብዘየገድስ አብ ፍቕሪ ዝተመስረተ ሓቂ ሒዝና ክንምልስ ይግባእ። ወላ እውን ሓደ ሰብ እናፈለጠ አንጻር መገዲ አምላኽ እንተ ኸደ አንፈትና ክንቅይር አይግባእን። ሽዑ አዩ አማላኽ ብአይ ገሩ ነቲ ኻልእ ሰብ ዝዛረቦ። አብ ነነድሕድና እንገብሮ ምጥሓስ ፍቕሪ አምላኽን ህላዌኡን አብ መንጎና የዝሕሎ። ሰብ መጠን ክፉእ ዝኾነሉ መጠኑ አምላኽ ከም ዘድልዮን ፍቕርን ሓልዮትን ከም ዘድልዮ ኢና እንርኢ።

አብ ምጅማር ከም ዝበልክዎ ናይ ሎሚ ቃልት አምላኽ ብዛዕባ ቅድስና እዮም ዝዛረቡና። እምብአር ቅድስና አበይን ከመይን ከም እትርከብ ርኢና አሎና እስከ ንልበሳ ናትና ንግበራ። አነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳት ኩኑ ይብለና አሎ ነዚ የኽእለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ        

26 February 2021, 13:36