ድለ

ኣብ ኢጣሊያ ምምሕዳር ጎሪዚያ ኵርያ ንፈለማ ግዜ ናይ ሕጊ ጠበቓ ጓለንስተይቲ ኣደ መንበር ኣብ ኢጣሊያ ምምሕዳር ጎሪዚያ ኵርያ ንፈለማ ግዜ ናይ ሕጊ ጠበቓ ጓለንስተይቲ ኣደ መንበር 

ኣብ ኢጣሊያ ምምሕዳር ጎሪዚያ ኵርያ ንፈለማ ግዜ ናይ ሕጊ ጠበቓ ጓለንስተይቲ ኣደ መንበር

ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ኵሪያ ሮማናን ኣብ ናይ ሰበኻታት ኵርያ ኣብ ናይ ሓላፍነት ኣርካን ዓለማውያን ምእመናንን ደቀንስትዮን ቦታ ይሃልዎም

ካብ ዝቕጽል ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ምምሕዳር ጎሪዚያ ናይ ሰበኻ ኵርያ - ሓዋርያዊ ምሕደራ ዋና ሓላፊት ንኽኾና ናይ በግርገሳውን ቀኖናን ሕግታት ሊቅ ጠበቓ ካብ 2005 ዓ.ም. ኣብ ምምሕዳር ጎርዚያ ማሕበር ናይ ሕጊ ጠበቓታት ምዝግብትን ካብ 2007 ዓ.ም. ብዘለወን ናይ ሕገ ቀኖና ሊቕነት ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ፍርዲ ማሕበር ጠበቓታት ዝተመዝገባ ኣለሲያ ኡርዳን ብናይ ጎሪዚያ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ረዳኤሊ ከም እተሾማ ዜና ቫቲካን ናይቲ ሰበኻ መግለጺ ጠቑሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሰበኻ ጎሪዚያ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ካርሎ ሮበርቶ ማሪያ ረዳኤሊ ዕለት 17 መስከረም 2021 ዓ.ም. ኣብቲ ምስ ናይ ሰበኻኦም ተራዳእያን ኤጲስ ቆጶሳትን ናይቲ ሰበኻ ቤት ምሕደራ ዝተፈላለየ ክፍልታት ሓለፍትን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ናይቲ ሰበኻ ሓዋርያዊ ኣባይቲ ምሕደራ - ሰበኻዊ ኵርያ ዋና ሓላፊት ንኽኾና ንጠበቓ ኣለሲያ ኡርዳን ከምዝሰመይወን ሓቢሮም፡ እቲ ዝተወሃበን ሓድሽ ሓላፍነት ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 1 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ክርከበኦ እየን ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ናይታ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ውሳኔ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ኵሪያ ሮማናን ኣብ ናይ ሰበኻታት ኵርያ ኣብ ናይ ሓላፍነት ኣርካን ዓለማውያን ምእመናንን ደቀንስትዮን ቦታ ይሃልዎም እንክብሉ ንዘቕርብዎን ባዕሎም እውን ዝተግበርዎን ስልጣናዊ ምዕዳኖም ኣብ ግብሪ ዘውዓለ ምዃኑን እዚ እውን ነቲ ቅዱስነቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ዝፍጽምዎ ምስ ተሓባበርቶም ኰይኖም ዘተግብርዎ ዘለዉ መደብ ሕዳሴ ዝኽተል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እተን ሓዳስ ናይ ሰበኻ ጎሪዚያ ኵርያ ሮማና ኣደ መንበር

ኣለሲያ ኡርዳን ኣብ 1972 ዓ.ም. ኣብ ጎሪዚያ እተወልዳን ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሞደና ካብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ብሕጊ ምርቕትን ትምህርተን ዛዚመን ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ 2006 ዓ.ም. ብሕገ ቀኖና ሊቕነት ዘመዝስከራን ካብ 2005 ዓ.ም. ኣትሒዘን ኣባል ማሕበር ጠበቓታት ጎሪዚያ ኮይነን ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሕጊ ጠበቓታት ማሕበር ምዝግብቲ ኮይነን ኣብ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባይቲ ፍርዲ ብናይ ሕጊ ጠበቓ ሙያኤን ዝዓያ ብዓል ሓዳርን ኣደ ሓንቲ ቈልዓን ከምዝኾና ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣

ኣብ ቀኖናዊ መዳይ ምዕያይ ጸዋዕታ እዩ

እዘን ሓዳሽ ናይ ሰበኻ ጎሪዚያ ኵሪያ ኣደ መንበር ኣለሲያ ኡርዳን ምስቲ “ቮቸ ኢሶንቲና” እተሰምየ ናይቲ ሰበኻ ሰሙያዊ መጽሔታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ “ናይ ሰበኻ ጎሪዚያ ኵርያ ኣደ መንበር ኰይነ ምሕራየይ ነቲ እግዚኣብሔር ዘቕርበለይ ጸዋዕታ “እነዅልካ” ቢለን ከምእተቐበለኦን - ወትሩ ኣብ ዓውዲ ቀኖና ዝገብሮ ዝነበርኩ ዕዮ ጸዋዕታ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ካርሎ ሮበርቶ ማሪያ ረዳኤሊ ነቲ ሓድሽ ሓላፍነት ንምቕባል ፍቓደይና ምዃነይ ምስ ሓተቱኒ ኣነ እውን እቲ ሓላፍነት ዘይተጸበኽዎ ብምንባሩ ፍርሂ እውን ከምእተሰመዓንን ኰይኑ ግን ጸዋዕታ ነገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብምዃኑ “ከም ዘበልክምዎ ይዅን” ቢለን ከምእተቐበለኦ ይገልጻ።

20 September 2021, 08:39