ድለ

ሰንበት ዘጎሐ ጽባሕ ነሓሰ 30 2013 ዓ.ም. (9/5/2021)

መዝሙር፡ አምላኪየ ኄር አንሥአኒ በትንሣኤከ. . . . ኦ ሕያዋይ አምላኸይ ብትንሣኤኻ አተንሥአኒ ንስምካ ከኽብር ከይርስዖ ንስኻ ንጽባሕን ንወጋሕታን ሠሪዕካ ንምድሪ ካብ ፍረ ተግባርካ ተጽግብ ስለ ዘሎኻ ዐይኒ ኵሉ ሰብ አባኻ ተስፋ ይገብር. . . ምእንቲ ሰብ ኢልካ ሰንበት ሰራዕካ ኦ ሕያዋይ አምላኸይ ብትንሣኤኻ አተንስአኒ፥ ኩሉ ጊዜ መሓሪ ኢኻ ስምካ ኸአ ክቡር እዩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባ፡.  ሮሜ 13፡8-10፥ 1ጴጥ 2፡2-11፥ ግ.ሓ. 27፡33-ፍ፥ ማቴ 18፡15-20.     ምስባክ፡  እስመ ኀቤከ እጼሊ እግዚኦ፥ በጽባሕ ስምዓኒ ቃልየ፥ በጽባሕ እቀውም ቅድሜከ  ወአስተርኢ ለከ። ኦ ጎይታይ ጽባሕ ጽባሕ አባኽ እጽሊ አሎኹ እሞ ቃለይ ስምዓኒ፥   ወጋሕታ አብ ቅድሜኻ እቐውም ናባኻ እውን እቐርብ።

ፍቕሪ አምላኽ ንደቂ ሰብ አብቲ በብእዋኑ እንርእዮ ህያባት ክንርድኦ ንኽእል። ሰባት ስለ ዝኾና መዘኻኸሪ የድልየና ከይንዝንግዕ ምልክት ይውሃበና እዩ። ዕለተ ሰንበት ምስ አምላኽ ክንራኸብ ክንሳሕ ክንዕረቕ ሥጋኡን ደሙን ክንቅበል እትሕግዘና እተዘኻኽረና ዕለት እያ። እዋናት ክረምትን በብእዋኑ እንርእዮም ሓልዮት አምላኽ ክንርዳእ ይሕግዙና። በዚ አቢልና ኸአ አብ መንጎና ክህሉ ዘለዎ ሓልዮትን ተገዳስነትን ክንሓስብ ንክእል።

አብ አቆጻጽራ ስርዓት ሃገርና አብ ሓዲስ ዓመት 2014 ዓ.ም. ዘመነ ማርቆስ ገጽና እናተሰናዶና ስለ ዘሎና እዚ ሰንበት ጎሐ ጽባሕ ይብሃል ትርጉሙ ኸአ ወጋሕታ ማለት እዩ። አብ ኩሉ ክወግሓልና ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ኮይኑ ክወግሓልና። እምብአር እዋኑ አብ ሓዲስ ዓመት ገጽና ንኸይድ ስለ ዘሎና ሓዲስ ዓመት ክወግሕ ስለ ዝኾነ ምስ ሓዲስ መንፈስን ሕይወትን ክንሰናዶ ዘዘኻኽር እዩ።

ንሓዲስ ዓመት ከም ተኸታሊ ክርስቶስ ብሓደ ልብን መንፈስን ክነብዕሎ ምእንቲ ማቴዎስ ወንጌላዊ አብ መንጎና ክህሉ ዝግብኦ ነገራት ብግሉጽ ይነግረና ከምኡ ምስ ዝበደሉና ከመይ ክንገብር ከምዘሎና የስተምህረና።

አባል ቤተ ክርስትያን ምዃን ማለት አብ ማሕበር አሕዋትን አሓትን ብክርስቶስ ምዃን ማለት እዩ። እዚ ማለት ከአ ክርስትያን ምዃን ማለት ግላዊ ወይ ናይ ብሕትኻ ጉዳይ ማለት አይኮነን ወላ እኳ ገለ ሰባት ብኸምኡ እንተ ረአይዎ። እግዚአብሔር ንቃኤል ሓውኻ አበይ አሎ? ኢሉ ምስሓተቶ ቃኤል ከአ ሓላው ሓወይዶ ኾይነ ኢሉ መሊሱ። ትምህርቲ ወንጌል እዚ እዩ አነ አብ ልዕሊ አሕዋተይ ሓልፍነት አሎኒ። እግዚአብሔር ንቃኤል ክሓቶ እንከሎ ንዝገበሮን ከምኡ ምስ ሓዉ ክህልዎ ዝነበሮ ርክብ ከዘክሮ ኢሉ እዩ ሓቲትዎ። ኩልና ምስ ሓውና ሓፍትና ሓላፍነት አብ ነነድሕድና አሎና ንሱ እዩ ክርስትና። እግዚአብሔር አብ ነነድሕድና ከም እንተሓላሎ ገሩ እዩ ፈጢሩና። አነ ንበይነይ ዝብል መንፈስ እግዚአብሔር አይኮነን።

ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ አብቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ክግለጽ ይግባእ። ምስ አባላት ስድራና ይኹኑ ካልኦት ጓኖት ዘሎና ርክብ አብኡ ዝተመስረተ እዩ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ አላትኩም በዚ ደቂ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ኪፈልጥ እዩ (ዮሓ 13፡35)። አብ ማቴ 25፡40-45 እንተ ረኤና ኸአ እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነአሱ አኅዋተይ ዝገበርኩምዎ ንአይ ከም ዝገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ ይብል። እቲ አብ ነነድሕድና እንገብሮ ሰናይ ነገር ንአምላኽ ከም ዝገበርናዮ እዩ እቲ አብ ነነድሕድና እንገብሮ ክፉእ ነገር ከአ ንአምላኽ ከም ዝገበርናዮ እዩ።

ብዙሓት አብ ጉዳይ ናይ ካልኦት ሰባት ክንአቱ አይንደልን ኢና። አብ ገለ እዋን እዚ ከምዚ ዓይነት ጽቡቕን ሓጋዝን እዩ አብ ገለ እዋን ከአ ጉድአት አልኦ። ንአብነት ሓደ ነገር ከይሳዕረረ እንከሎ ኩልና እንተ አለናዮ ክንዕወተሉ ንኽእል ምስ ዓበየ ኩሉ ምስ ተበላሸወ ሓንቲ ክንገብር አይንኽእልን ኢና። አብ ገለ እዋን ፈሪሕና ሱቕ ክንብል እንከሎና ወይ ዘመደይ ወገነይ ኢልና ክፉእ እናገበረ ሱቕ ኢልና እንተ ረአናዮ ወይ እንተ ሰዓብናዮ ዝገደደ ክፍአት ንገብር።

ናይ ሎሚ ወንጌል እምብአር አብ ማሕበር አብ ሕብረተ ሰብ ከመይ ኢልና ክንጉዓዝ ከም ዘሎና ይነግረና። ምዕራፍ 18 ናይ ማቴ ወንጌል ብዛዕባ አብ መንጎ ማሕበር ክህሉ ዝግብኦ ርክብ እዩ ዝገልጽ ብፍላይ አብ መንጎ ሓደ እንተ በደለ ከመይ ገርና ከም እንፈትሖ ይነግረና። ንሕና አብ ጉዕዞ ቅድስና እንርከብ ማሕበር ሓጢአተኛታት ኢና። ዕርቂ ሰላም አብ መንጎ ክርስትያን ክህሉ ዓቢ አድህቦ ዝግበረሉ እዩ። አብዚ ምሉእ ማሕበር እምበር ሓለፍቲ ጥራሕ አይኮኑን ነቲ ጉዳይ ዝፈትሑ። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሰለስተ መገድታት ንሓደ ዝተባእሰ ክንዓርቕ እንከሎና እንጥቀመሉ አገባብ ይነግረና እዚ አብቲ ናይ አይሁድ ልምዲ አፈታትሓ ባእሲ ዝተመስረተ እዩ (ለዋውያን 19፡17)። አብ ግምት ክነእትዎ ዘሎና እቲ ግዳማዊ ርክባትና ነቲ አብ መንጎና ክህልዎ ዝግብኦ ውሽጣዊ ነገራት ክጸልዎ ይኽእል እዩ።

ብምልኡ ትሕዝቶ ናይ እዚ ወንጌል ንዕርቅን ንምሕረትን ኩልና ብሓባር ክንሰርሕ እምበር ንምቕጻዕ ወይ ንምፍራድ ከይንወፍር ዝነግረና እዩ። ከምኡ ነቲ አብ መንጎ ዝጓነፍ ጸገም ብዝክአል ዓቢ ገርና ከይንርእዮ ይነግረና። ስለዚ መጀመርያ እቶም ሰብ ነገር ነገሮም አብ መንግኦም ባዕሎም ክፈትሕዎ ዝሓሸ ምዃኑ እዩ ዝገልጸልና። ነዚ መሰረቱ ፍቕሪ እዩ። አብዚ እንተ ሰለጠ እቲ ዝበለጸ እዩ። እንተ ሰምዓካ ንኃውኻ ረባሕካዮ ይብለና። አብቲ ብዕብራይስጢ ዝተጻሕፈ ዝጥቀመሉ ቃል ምልዋጥ የስምዕ እቲ ዝበደለ ጠባዩ ጥራሕ ዘይኮነ መንፈሱ ብምልኡ ይቕይር እሞ አብ ፍጹም ዕርቂ ይአቱ ምስቲ ዝተበደለ ሓዉ ሓድ ይኸውን። 

እቲ በዳሊ ንሓዉ ምስማዕ እንተ አበየ ንምስክርነት ክኸውን ሓደ ወይ ክልተ ሰባት ምሳኻ ጸውዕ ይብለና። አብዚ ካብ ጉዳይ ክልተ ወጺኡ ዕላውን መልክዕ ፍርድን ይለብስ (ዘዳግም 19፡15)። ንአአቶም እውን ምስማዕ እንተ አበየ ንቤተ ክርስትያን ንገር ይብል። ቤተ ክርስትያን አብዚ ንቁምስና ነቶም ብሓባር አብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ዝሳለሙ እዩ ዘስምዕ። ነዚ ኹሉ እንተ አበየ ንቤተ ክርስትያን እውን እንተ አበየ ከም መጸበሓውን አረማውን ቁጸሮ ይብል። ብኻልእ አዘራርባ ከም ካብ ማሕበር ውጹእ ገርካ ርአዮ ከም ሓደ ዘይአባል ገርካ ርአዮ። እዚ መጨረሽታ ዝውሰደ ከቢድ ውሳኔ እዩ። ሕነ ምፍዳይ አይኮነን እንታይ ድአ ንድሕነት ማሕበር ኢልካ ዝውሰድ እዩ። ዓቢ ምስትውዓል ዘድልዮ ጉዳይ እዩ ምኽንያቱ ብቐሊል ንሓደ ንማሕበር ዝጠቅም ሰብ ከይነውጽእ ወይ ከይንዕንቅፍ።

ብዙሓት አብ ቤተ ክርስትያን ነዚ አገባብ ተጠቒሞምሉ እዮም። አብዚ እቶም አብ ሓላፍነት ዝርከቡ ንጥቕሚ ቤተ ክርስትያን ኢሎም ይውገዙ እሞ ነቲ በዳሊ አካል አባል ሰውነት ክርስቶስ ክትከውን አይትኽእልን ኢኻ/ኺ መስካሪ ወንጌል ክትከውን ክትኮኒ አይክአልን ኢሎም ካብ ማሕበር ይውግዝዎ። እዚ አገባብ ምስቲ ኢየሱስ ምስ ከፈልቲ ቀረጽን ዝሩጋትን ከምኡ እቲ በታኒ ወዲ አብ ሉቃስ 15 ዝነገሮ ከመይ ኢሉ ይሰማማዕ ዝብሉ አለዉ። እንተ ኾነ ኢየሱስ ምስ እዚኦም ሰባት ክቕበሎም እንከሎ ብዘይ ቅድመ ኩነት አይኮነን። ንሳቶም ሕይወቶም ክቕይሩ እሞ ነቲ ቅድም ዝነብርዎ ዝነበሩ ክሓድጉ ምዃኖም ምስ አረጋገጸ እዩ ዝቕበሎም። ኢየሱስ ምስ ሓጢአተኛታት ኮፍ ይብል ነሩ እንተ ኾነ ካብ ጻድቃናት ንላዕሊ ፈትይዎም አይኮነን አብኡ ክመልሶም ኢሉ እዩ። ነታ ሓጢአተኛ ሰበይቲ አብ ዝሙት ዝተረኽበት ካልአይ ጊዜ አይትበድሊ ኢልዋ። እቲ በታኒ ውሉድ አብኡ ተቐቢልዎ ንሱ ባዕሉ በደሉ አሚኑ ምስተጣዕሰ እሞ አብ ቤት አብኡ ባዕሉ ምስ ተመልሰ አብኡ ተቐቢልዎ።

ንጥቕሚ ቤተ ክርስትያንን ንጥቕሚ ግለ ሰባትን ሓደ ወይ ሓንቲ አብቲ ጸረ ክርስቶስ ዝኾነ ነገራት እንተ ጸንዐ ወይ እንተ ጸንዐት ካብ ማሕበር ይባረር። ነዚ አብ ገለ እዋን አብ ቅዱስ ቍርባን ከይሳተፍ ብምኽልካል ንፍጽሞ። ሓደ ሰብ ጸረ ወንጌል እናኸደ ቅዱስ ቍርባን ክቕበል እንተ ደልየ ክልተ ዝገራጮ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ብሓጢአቱ ዝጎድኦ ጎይታ የላግጸሉ አሎ። እቲ ኩነታት ክቕየር እንተ ኾነ እቲ ሓጢአተኛ አከየያይድኡ መንፈሱ ክቕይር አለዎ። ንሱ ምስ ተነስሐ እሞ ሕይወቱ ምስ ቀየረ ብሕጉስ መንፈስ ቤተ ክርስትያን ቆኖና ኃጢአቱ ሂባ ትቕበሎ።

አብ ምድሪ ዝአሰርክምዎ ዘበለ አብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ እዘን ቃላት ዝሕብራኦ ማሕበር ክርስቶስ ክትአስር ክትፈትሕ ስልጣን ተዋሂብዋ እዩ ማለት መን እዩ አባል ሰውነት ክርስቶስ ዝከውን መን እዩኸ ክኸውን ዘይክእል። እዚ ስልጣን እዚ ንሓድነትን ነቲ ትምህርቲ ወንጌል አጽኒዖም ክሕዙ ይጠቅም እዩ። ብአንጻሩ አብ ገለ እዋን ብዘይ አገባቡ ነዚ ስልጣን እንተ ተጠቐምናሉ ዘይመገዱ ክነትሕዞ ንኽእል ኢና።

እንደገና ክልተ ወይ ሠለስተ ኾይኖም ብስመይ አብ ዝተአከቡሉ አነ ከአ አብኡ አብ ማእከሎም አሎኹ እሞ ክልተ ካባኻትኩም አብ ምድሪ ብዝለመንዎ ነገር ኩሉ እንተ ተሰማምዑ፥ ካብቲ አብ ሰማይ ዘሎ አቦይ ኪውሃቦም እዩ ክርስትያን ብዝኾነ ነገር ብፍቕርን ሓቅን ክራኸቡ እንከለዉ እቲ ርክቦም ንጸሎት ይኹን ንመጽናዕቲ ወይ ውሳኔ ንምውሳድ ኢየሱስ አብ መንግኦም አሎ ኢየሱስ ይዛረብን ይትግብርን። እዚ ዝዓበየ ህያብን ዝዓበየ ሓላፍነትን እዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ክገልጽ ኢሉ አትኩሮኡ አብ ፍቕሪ ይግብር። ፍቕሪ ንኹሉ ክርስትያናዊ ግብኡነት ትጥርንፍ። ፍቕሪ ጥራሕ እያ ንብጻይና ዘይትጎድእ በዚ ኸአ እያ ናይ ነፍስወከፍ ትእዛዝ መልሲ እትኸውን። ትእዛዛት ብዘይ ፍቕሪ ምሕላዎም ይክአል እዩ እንተኾነ ካልእ ኢየሱስ ዘይኮነ እንኸውን ፈሪሳውያን ኢና እንኸውን። አነ ብሓቂ ብሓወይ ብሓፍተይ ብፍቕሪ ዝግደስ እንተ ኾይነ ንትእዛዛት እሕልዎም አሎኹ ማለት እዩ ሽዑ ኸአ እየ ንእግዚአብሔር አፍቅሮ እየ ክብል ዝኽእል። ከምዚ ካብ ኮነ አብቲ አሕዋተይ ዝደልይዎ ነገራት ከተኩር ግድነት እዩ። ንርእሶም ወይ ንሓደ ሰብ ክጎድኡ ክርእዮም ከሎኹ ናተይ ግደ እዩ ክገንሖም ክመኽሮም ክዛረቦም። ዓገብ ክንብሎም ክርስትያናዊ ሓላፍነት አሎና።

ሕዝቅኤል 33፡7-9 ዘሎ እንተ አንበብና ከምዚ ዝስዕብ ነንብብ አነ ብዛዕባ ሓደ ሓጥእ ሰብ ብርግጽ ክመውት እዩ ኢለ እንተ ተዛረብኩ ንስኻ ኸአ ነቲ ኃጥእ ሕይወቱ ምእንቲ ከድኅን ካብ ክፉእ መገዲ ኺምለስ እንተ ዘይተዛረብካዮ እዚ ሰብ እዚ ብሰሪ ኃጢአቱ ክመውት እዩ፥ ደሙ ግና ኻባኻ ኽደልዮ እየ ይብል። አነ ናይ ሓወይን ሓፍተይን ሓላዊ እየ። እዚ ግን ምሉእ ብምሉእ ማለት አይኮነን። ግንኸ ነቲ ኃጥእ ካብ ክፉእ መገዲ ክምለስ እንተ አጠንቀቕካዮ ንሱ ኸአ እንተ ዘይተመልሰ ንሱ ብሰሪ ኃጢአቱ ኺመውት እዩ ንስኻ ግና ናጻ ኢኻ ይብል። ክንሳሕ ካብ ክፉእ ክምለስ ሓቢርካዮ ምምላስ እንተ አበየ ክበድ ኃጢአቱ አብ ርእሱ እዩ። አነ ንሓወይ አብ ሓጢአት ከይነብር ክድሕኖ ሓልፍነት አሎኒ፥ እንተኾነ ክድሕን ወይ ኽዅነን ናተይ ሓልፍነት አይኮነን። ናይ መወዳእታ ምርጫ ናቱ እዩ። ዝክአለና ክንሕግዝ እንተ ገርና ከሰክፈና የብሉን። እቲ ዝድለ ክተድሕኖ ካብ ክፉእ ክትመልሶ ዝክአለካ ትገብር እንተ አብዩ ሕልናኻ ክትንክፈካ የብሉን። ናቱ ሓልፍነት እዩ።

አነ ከም ክርስትያን ክሓስብ እንከሎኹ ምስ አምላኽ ዘሎኒ ርክብ ክሓስብ አሎኒ። ቀንዲ እትኩረኤይ ንድሕነት ነፍሰይ ክገብር ይግብአኒ። ነፍሰይ ከድሕን አሎኒ ክብሃል እንከሎ ግን ናይ ሓቂ ዘፍቅር እሞ ንኻልኦት ዝግደስ ንማሕበር ክርስትያን ዝግደስ ነቶም አብ ክርስቶስ ሓቢሮም ዘለዉ ዝግደስ ክኸውን እንከሎ እዩ። አብ ገለ እዋን እዚ ምግዳስ ብኻልኦት ክብሃል እንከሎ ከምቲ መልእኽቲ ወንጌል ዝብሎ ምስኦም ገጽ ንገጽ ምርኻብ የስምዕ። ዓይንና ብምዕማት ከምኡ ገጽና ብምኽዋል ነቲ ዘይክርስትያናዊ ጠባያቶም ክርዩ ክንሕግዞም አይንኽእልን ኢና።

ከም ማሕበር ከም ቍምስና አብ ልዕሊ ነፍስ ወከፍና ሓላፍነት አሎና። አብ መንጎና ዘሎ ጸገማት ብዓይኒ ክርስቶ ክንፈትሖም እንተ ዘይከአልና ናይ ፍቕሪ ስራሕ ንሰርሕ አሎና ክንብል አይንኽእልን ኢና። ከምኡ ነቲ አብ መንጎ ዝርኤ ጸገማት ክንፈትሖም እንተ ኾና አብቲ ቀንዲ አተኲሮና ክንርኢ ክንክእል አሎና። አብ ሕይወት ሰባት አቲና ክንውስን ክንምርምር ማለት አይኮነን ነቲ ርኡይ ጸገማት ሰባት ክንዛረበሉ ነቲ ጉዱእ ሓውናን ሓፍትናን ካብ ዘለዎ ዓዘቕቲ ከመይ ኢሉ ከም ዝወጽእ ክንሕግዞ ክንክእል አሎና። ካብቶም አብ ሕብረተ ሰብ አብ ጸገም ዘውርዱ ነገራት እሞ ኩልና ክንወፍረሎም ዘሎና ክንጠቅስ እንተ ኾና ድራግ ምጥቃም፥ ስኽራን፥ ወልፊ ጠላዕ፥ አብ ሓዳር ምዕግርጋር፥ ንስንኩላት ዘይምግዳስ እሞ ዝግብኦም ክብሪ ዘይምሃቦም፥ ዓለትነት አብ መንጎ ሰባት ወገነይ ወገንካ። ነዞም ነገራት አብ መንበረ ኑዛዜ ጥራሕ ምንስሖም እኹል አይኮነን፥ እቲ ናይ መወዳእታ ዕርቂ ብደረጃ ማሕበር እዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ኸአ እዩ ናይ ማሕበር ሓልፍነት ከም አካል ክርስቶስ ዝገብረና። 

ሎሚ ዘንበብናዩ ወንጌል እምብአር ኩልና ማሕበር ክርስቶስ ክንገብሮ ዝግብአና አብ ምዕራቕን ምፍታሕን ጸገማትና ብንጹር ይነግረና።

·      ብሩህ ዝኾነ መገዲ ሒዝካ ሕይወት ምምራሕ፡ Accountability።

ካብቲ ክንጾሮ ዝግብአና መሳቕል ከም አርድእቲ ክርስቶስ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ንጹር ጸብጻብ ሕይወት ክመርሑ ንሰባት ምንጋር። ንሰባት አብቲ ዝገበርዎ ምፍራድ ወይ ብዛዕባ ጌጋ ሰባት ምዝራብ ዘይኮነ ካብ ገግኦም ክመልሱ ምእንቲ ሓንቲ ከይ ሓባእካ ድኽመቶም ምንጋሮም። ወለድን መማህራንን እኳ ነዚ ክገብሩ ከቢድ እዩ። ልክዕ ከምኡ ንኸማና ዝበሉ ወይ መዘናና ንዝኾኑ ከምዚ ግበሩ ክንብል ከቢድ እዩ። እንተ ኾነ እዚ እዩ አርድእቲ ክገብርዎ ዝግብኦም። አብ ሓላፍነት ንዘለዉ እዚ አብ ገለ እውን ከቢድ እዩ። ውሳኔ ክትወስድ ከሎኻ ብላንጋ ላንጋ ወይ ብምቅብጣር አይውሰድን እዩ። ውሳኔ ክትወስድ ከቢድ መስቀል እዩ።

·      ዕርቂ፡Reconcilation።

አብ ፍጹም ዕርቅን ሕድገትን ክብጻሕ ኩልና አርድእቲ ክርስቶስ ክንወፍረሉ ይግብአና። ናይ አተሓሳስባ ፍልልይ፥ ዘይምርድዳእ፥ ዝዕንቅፍ ነገራት ንሰባት ክፈልዮም ይኽእል እዩ። እዚ ሕማቕ ስምዒት አብ መንጎ እንተ ቐጸለ አብ መንጎ ሰባት ፍልልይን ጉጅለ ጉጅለ ይፈጥር። እዚ አብ መንጎ ስድራታት አብ መንጎ ጎረባብቲ አብ ቁምስናታት አብ ስራሕ ቦታታት ክገጥም ይርኤ። ካብ ልብና ክንምሕር አሎና ጥራሕ ምባል እኹል አይኮነን። ጉዕዞ ዕርቂ ንጹር መገዲ የድልዮ ንሱ ከአ ንገጋኻ ምቕባል ንክፍአትካ ምእማን። ክልቲኦም በዳልን ተበዳልን ክቕየሩ ክመሓሓሩ ፍጹም ድለት ክህልዎም ይግባእ። ከም አርድእቲ ክርስቶስ መጠን ናይ ዕርቂ ልኡኻት አብ ጉዳይ ካልኦት ጥራሕ ምዃን እኹል አይኮነን ነቲ አብ ምነጎ ተፈጢሩ ዘሎ ሃጓፍ ክነጽብብ ተራና ክንጻወት አሎና ከምኡ አብ ሕይወትና ዘሎ ነገራት ክንርኢ አሎና ብቐዳምነት። እዚ ክንገብር ንብዙሓት ከቢድ እዩ። ክንልወጥ አብ መስቀል ክርስቶስ ንጠምት።

·      አብ ጸሎት ምትሕብባር፡ Prayerful Collaboration

ሰባት ክልተ ወይ ሰለስተ ብሓባር ከም ዝጽልዩ ምግባር ቀሊል አይኮነን። ናይ እዋና ናይ አገልግሎት መስቀል ኮይኑ ዘሎ ብማሕበር ምግልጋል እዩ ዝብሃል ብሂል አሎ። እዚ ብማሕበር ምስራሕ ግዜና ጥራሕ ዝወስዱ ዘይኮነ ብዙሕ ነገራት ክንገብር ይሓተና ብዙሕ ነገራት ካባና ይወስድ። ምትሕብባርና ውጽኢታዊ ክኸውን እንተኾነ ንባዕልና ክፉት ሕልናን ቅንዕና ክህልወና አለዎ ከምኡ ንቅኑዕ ነገራት ኩሉ ጊዜ ብብሩህ ገጽ ክንቅበሎ ይግባእ ብግሩህ መገዲ ከአ ድለትና ክንገልጽ አሎና። ነቲ ንሕና ጽቡቕ እዩ ዝበልናዮ ጥራሕ ዘይኮነ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ክንሰርሕ አሎና። ንሓሳባት ካልኦት አብ ገለ እዋን ንሕና እውን ዘይንሰማምዓሉ ብማሕበር ንዝተወስደ ውሳኔታት ክነተግብር ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና ምስኩሉ እና አምስገና ክነብር አሎና። አብ ገለ እዋን ብሓባር እናተሰማማዕካ ምስራሕ ከቢድ እዩ።

·      ሓቀኛ ፍቕሪ፡ Genuine Love

አብ ፍቕሪ ዝለዓለ መግለጽ መልክዕ ወዲ ሰብ ንርኢ። ፍቕሪ ዝለዓለትን ዝያዳ ዕግበት መጠን ዝሃበትሉ አብ ሕይወት መጠኑ ብዙሕ ግድነታት እትሓትት እያ። አብ ንሎሚ ዝተነበት መልእኽት ጳውሎስ ንሰብ ሮማ አብ ፍቕሪ ኩሉ ሕግታት ምልአት ይረክብ ይብለና። ፍቕሪ አብ ዘለዎ ኩሉ አሎ። ንሕና ብሓቂ ነፍቅር እንተ ኾና ሓደ እሙን ረድኢ ዝስከሞ መስቀል ክንስከም ፍቓደኛታት ኮና አሎና ማለት እዩ። ፍቕሪ ክነግስ ክንሓልፎ ዝግብአና መሰናኽል ከምኡ መስቀላት አሎ። ፍቕሪ አብ ቲሕቲ መስቀል እያ እትዓቢ።

ድሕነት ምስ ናይ አሕዋትና ድሕነት ዝተተሓሓዘ እዩ። መአዲ ድሕነት ኩልና ክንሳተፎ ዝድለ እዩ። ከም ሰባት መጠን አብ ድሕነት ሓውናን ሓፍትና ክንተግህ ነቲ አብ መንጎ ክዕንቅፍ ዝኽእል ነገራ ክንአሊ እሞ ኩልና ደቂ ሓደ ክርስቶስ ክንከውን ንጸልን ንጽዓርን።                

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

05 September 2021, 12:25