ድለ

ኣብ ዶብ ሕ. መ. ኣመሪካን መክሲኮን ስደተይናታት ኣብ ጽንኵር ኢሰብኣዊ ኵነት ኣብ ዶብ ሕ. መ. ኣመሪካን መክሲኮን ስደተይናታት ኣብ ጽንኵር ኢሰብኣዊ ኵነት 

ኣብ ዶብ ሕ. መ. ኣመሪካን መክሲኮን ስደተይናታት ኣብ ጽንኵር ኢሰብኣዊ ኵነት

ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰዓታት ገለ ገለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መራኸቢ ብዙሓን ሓይሊ ጸጥታ ዶብ ነቶም ኣብ ዶብ መክሲኮ ዝርከቡ ስደተይናታት ዘውርድዎ ዘለዉ ማህሰይቲ ዘርእዩ ምስልታት ከምዝዘርገሓን

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብቲ ኣብ መንጐ መክሲኮን ሕቡራት መንግስታታ ኣመሪካን ዘዳብው ስፍራ ዝርከቡ ስደተይናታት ኣዚዩ ሓደገይና ኣብ ዝኾነ ኵነት ከምዝርከቡን ኣብ ቲዃዋና ከተማ ዘገልግላ ኣባል ማሕበር ደናግል ስካላብሪኒያኒ እናቴ ኣለብርቲና፥ “መንግስታት ብዘይ ምቑራጽ ብዛዕባ ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ሕጊ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ክመያየጡ ምርኣይ ብሓቂ ብህይወት ሰብ ዝጻወቱ ዘለዉ እያቶም ዝመስሉ” ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መክሲኮ ኣብቲ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘዳብዋ ሰሜናውን ደቡባውን ከባቢ ብዛዕባ ዝርከቡ ስደተይናታት ብዙሕ ይንገርን ይስማዕን ከምዘሎን በኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ዘስክፍ ኩነታት ከምዝርከቡን ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 14 ሺሕ ዝግመቱ መብዛሕቲኦም ሃይታውያን ዝርከብዎም ስደተይናታት ኣብ ሕሱም ጸገም ከምዝርከቡን ብፍላይ ከኣ ለብዒ ኮቪድ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ኣብ ትሕቲ ሰብኣዊ ኣብ ዝኾነ ኵነት ክርከቡ ብሓቂ ንሕይወቶም ዘስግእ ምዃኑ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ኣባላቱ ኣብቲ መክሲኮን ጓተማላን ኣብ ዘዳብው 40 ሺሕ ስደተይናታት ናብ ዝርከብሉ ከባቢ ከምዝለኣኸን መብዛሕቲኦም ካብ ሆንዱራስን ጓተማላን ኤል ሳልቫዶርን ቨነዝዌላን ሃይቲን ኵባን ዝመጹ ኣንስትን ቈልዑን ዝርከብዎም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንኽስደዱ ዝደልዩ ምዃኖም ይንገር።

ንስደተይናታት ምግፋዕ

“መግንስታት ዝኽተልዎ ስርዒት ጠንቂ እቲ እዞም ሰባት ኣዚኣቶም ዕቝባ ክረኽቡ ዘይክእልሉ ተነቃፊ ኵነታት እኳ እንተኾነ፡ መክሲኮኮነ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እዅል ሓገዝ የቕርቡ የለዉን። ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰዓታት ገለ ገለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መራኸቢ ብዙሓን ሓይሊ ጸጥታ ዶብ ነቶም ኣብ ዶብ መክሲኮ ዝርከቡ ስደተይናታት ዘውርድዎ ዘለዉ ማህሰይቲ ዘርእዩ ምስልታት ከምዝዘርገሓን ናይ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተይናታት ዝፍጸም ዘሎ በደል “ንምርኣዩ ዘስካሕክሕ እዩ” እንክብሉ ብወሃቢት ቃል ጀን ፕሳኪ ኣቢሉ ርእዮት ከምዝፈነወ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣገልግሎት መውሃቢ ማእከል ፍልሰታ ለማርያም

“እቶም ሰባት ካብ ሃገሮም ክሃድሙ ዝድርኾም ድኽነት ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ እተወደቡ ገበነይናታት እውን እያቶም ዝሃድሙ” ነዚ ዝበላ ኣብቲ መክሲኮ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘዳብዋ ዞባ እትርከብ ከተማ ቲኹዋና ኣብ ዝርከብ ኣገልግሎት መውሃቢ ማእከል ፍልሰታ ለማርያም ዘገልግላ ኣባል ማሕበር ደናግል ስካላብሪኒያኒ እናቴ ኣልበርቲና ፓውለቲ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን፥ እቶም ስደተይናታት ንዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጒጅለታትን ሰባት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ካብ ቦታ ቦታ ንዘንቀንሳቕሱ ናብ ሓድሽ ጊልያነት ንዝዳርጉ ናይ ገበን ጉጅለታትን ተቓሊዖምን ዝጠፍኡን ሃለዋቶም ዘይርከብን ብሓፈሻ ንዝተፈላለየ ዓመጽ ከምዝቓልዑ ገሊጸን።

“ኣብቲ ማእከል መእለዪ ስደተይናታት ዝእለያ መብዛሕቲኤን ደቀንስትዮ ከምዝኾናን ክሳብ ሓሙሽተ ደቂ ዘለወን ዓመጽ ካብ ዝመልኦ ኵነታት ዘምለጣን ወይ ካብቶም እተወደበ ናይ ገበን ጒለታት ኣባላት ዝዀኑ ብጾተን ዘምለጣን መብዛሕቲኡ ግዜ ብናይ ገበን ጒጅለታት ዝድለያን እያተን ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ማእከል ብቐሊሉ ንሓደጋ ይቃላዕ ስለዚህ ብዙሕ ግዜ ንሓይሊ ጸጥታ ኣቤት ዝበልናሉ ሓደገይና እዋን እውን ኣጋጢሙና እዩ” ምስ በላ ኣተሓሒዘን “ብስምዒት ሰባትን በቲ ዘድልዮምን ዝሓትዎን ነገራት ክንጻወት የብልናን፡ ብዛዕባ መመሓደሪ ሕግታት ስደተይናታት ብዛዕባ ምቁጽጻር ስደተይናታት ንዛረብ ኢና፡ እንተኾነ ግን ብሰብ ሕይወት ምጽዋት ብሓቂ ገበን እዩ። እቶም ስደተይናታት ካብቲ ህይወቶም ንሓደጋ ካብ ዘቃልዕ ኵነት እያቶም ዘምልጡ ስለዚ ዓቢይ ክግምት ክወሃቦ ዘለዎ ክብረትን መሰልን ሰብኣዊ ፍጥረት እዩ። ሰብኣውነት ዘማእከለ መመሓደሪ ሕጊ የድሊ” ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

23 September 2021, 09:05